ውጽኢታውን ዜሐጕስን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
እያሱ ኸቢድ ብድሆ ኣጋጢምዎ ነበረ። ዘይስገር ዚመስል ዕንቅፋታት ብምስጋር፡ ንህዝቢ እስራኤል መሪሑ ናብ ምድሪ ተስፋ ኬእትዎም ነበሮ። የሆዋ ኸኣ ንእያሱ ኸም ዚዕወት ነገሮ። ‘ትባዕ፡ ኣዚኻ በርትዕ፡ ሕግታተይ ሓሉ። ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎስ፡ መዓልትን ለይትን ኣንብቦ። ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ’ ኢሉ እውን ኣተባብዖ።—እያ. 1:7, 8።
ንሕና እውን ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” እዚ ዘይስገር ዚመስል ዕንቅፋታት የጋጥመና እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ነቲ የሆዋ ንእያሱ ዝሃቦ ትእዛዝ ምስ እንስዕብ፡ ከም እያሱ ኽንዕወት ንኽእል ኢና። ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ድማ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ ስርዓታት ተጠንቂቕና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና።
ይኹን እምበር፡ መብዛሕትና ንፉዓት ተምሃሮ ኸም ዘይኰንናን መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ከም ዚኸብደናን ይስምዓና ይኸውን። ግናኸ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ነታ ውጽኢታውን ዜሐጕስን መጽናዕቲ ኽትገብር ዚሕግዘካ ግብራዊ ሓሳባት ዝሓዘት “ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ፈትኖ” ዘርእስታ ሳጹን ኣንብባ።
ሓደ ዘማሪ፡ “ብእኡ ደስ ይብለኒ እዩ እሞ፡ ብመገዲ ትእዛዛትካ ምርሓኒ” ኢሉ ዘሚሩ እዩ። (መዝ. 119:35) ንስኻ እውን ቃል ኣምላኽ ምስ እተጽንዕ፡ ብዙሕ ክትሕጐስ ኢኻ። መንፈሳዊ መዛግብቲ ኽትረክብ ብዝዀዓትካ መጠን ከኣ ብዙሕ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ።
ከም እያሱ ህዝቢ ዘይትመርሕ እኳ እንተ ዀንካ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ብድሆታት ግና ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ከም እያሱ ነቲ ንጥቕምኻ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ኣጽንዓዮን ሓልዎን። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንስኻ እውን ክትዕወትን ብጥበብ ክትመላለስን ኢኻ።