ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w18 ሕዳር ገጽ 28-30
  • ለውሃት—ብቓልን ብተግባርን እትግለጽ ባህርይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ለውሃት—ብቓልን ብተግባርን እትግለጽ ባህርይ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንዅሉ ለዋህ እዩ
  • የሱስ—ኣዝዩ ለዋህ
  • ለውሃት ብጽቡቕ ተግባር ትግለጽ
  • ለውሃት ምምዕባል
  • ለውሃት ንሰባት ትስሕቦም
  • ንኻልኦት ምልዋህ ዘለዎ ጥቕምታት
  • ህዝቢ ኣምላኽ ሕያውነት ኪፈትዉ ኣለዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • “ሕጊ ለውሃት” ይደርኽካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣብዛ ጽልኢ ዝመልኣ ዓለም ብሕያውነት ምምልላስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ለውሃት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
w18 ሕዳር ገጽ 28-30

ለውሃት—​ብቓልን ብተግባርን እትግለጽ ባህርይ

  • ፍቕሪ

  • ሓጐስ

  • ሰላም

  • ዓቕሊ

  • ለውሃት

  • ሕያውነት

  • እምነት

  • ልእመት

  • ርእሰ ግትኣት

ብለውሃት ዚግበር ተግባር ብዙሕ የተባብዓና እዩ። ሓደ ሰብ ከም ዚሓልየልና ምስ ፈለጥና፡ ንሕጐስ ኢና። ነፍሲ ወከፍና ብለውሃት ክንተሓዝ ስለ እንደሊ፡ ነዛ ጽብቕቲ ባህርይ እዚኣ ኸመይ ጌርና ኸነማዕብላ ንኽእል፧

ለውሃት ኪብሃል ከሎ፡ ብኻልኦት ብሓቂ ግዱስ ምዃን የጠቓልል፣ እዚ ተገዳስነት እዚ ኸኣ በቲ ንዓታቶም ዚሕግዝ ቃላትን ተግባራትን ኣቢሉ እዩ ዚግለጽ። ለውሃት ንተግባር ስለ እተጠቓልል፡ ካብቲ ብደገ ዚርአ ኣደብ ወይ ጭዋነት ንላዕሊ ትሓቍፍ እያ። ናይ ሓቂ ለውሃት ካብ ዓሚቝ ፍቕርን ድንጋጽን እያ እትፍልፍል። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ለውሃት ክፍሊ እቲ ክርስትያናት ኬፍርይዎ ዘለዎም ፍረ መንፈስ ቅዱስ እያ። (ገላ. 5:22, 23) እምበኣር፡ ለውሃት ከነማዕብል ኣሎና። ስለዚ፡ የሆዋን ወዱን ነዛ ባህርይ እዚኣ ብኸመይ ከም ዘርኣዩን ኣብነቶም ብኸመይ ክንስዕብ ከም እንኽእልን እስከ ንመርምር።

የሆዋ ንዅሉ ለዋህ እዩ

የሆዋ ንዅሉ፡ እንተላይ “ንዘየመስግኑን ንእኩያትን” ለዋህን ሓላይን እዩ። (ሉቃ. 6:35) ንኣብነት፡ “ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓዩ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ።” (ማቴ. 5:45) ስለዚ፡ እቶም ንየሆዋ ኸም ፈጣሪኦም ዘይኣምኑሉ እኳ፡ ካብቲ ብለውሃቱ ተደሪኹ ንህይወት ዝገበሮ መሰናድዎ ይጥቀሙን ሓጐስ ይረኽቡን እዮም።

ኣብቲ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ዝገበረሎም ነገር፡ ዜደንቕ ኣብነት ለውሃት ንረክብ ኢና። ኣዳምን ሄዋንን ደድሕሪ ምሕጣኦም፡ “ኣቝጽልቲ በለስ ሰፍዮም . . . ተዓጥቁ።” የሆዋ ግና ኣብታ “እሾዅን ተዀርባን” ከተብቍል እተረግመት ካብ ኤደን ወጻኢ ዝነበረት መሬት ንምንባር ግቡእ ክዳን ከም ዜድልዮም ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ ብለውሃቱ ተደሪኹ “ኻብ ቈርበት ነዊሕ ክዳን ገበረሎም።”—ዘፍ. 3:7, 17, 18, 21።

የሆዋ “ንእኩያትን ንሕያዎትን” ለዋህ እኳ እንተ ዀነ፡ ምናዳ ንእሙናት ኣገልገልቱ ግና ኪልውሃሎም ይደሊ እዩ። ንኣብነት፡ ብዘመን ነብዪ ዘካርያስ፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ምስ ኣቋረጸ፡ ሓደ መልኣኽ በዚ ተረበሸ። የሆዋ ኸኣ ነቲ መልኣኽ እንታይ ከም ዘተሓሳሰቦ ድሕሪ ምስማዑ፡ “ብጽቡቕን ብዜጸናንዕን ቃላት” መለሰሉ። (ዘካ. 1:12, 13) የሆዋ ንነብዪ ኤልያስ እውን ከምኡ እዩ ገይሩሉ። ኣብ ሓደ እዋን፡ እቲ ነብዪ ተደቚሱ ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ ኺመውት ንየሆዋ ለመኖ። የሆዋ ኸኣ ንኤልያስ ስምዒቱ ስለ እተረድኣሉ፡ ኬበርትዖ መልኣኽ ለኣኸሉ። ብዘይካዚ ድማ፡ በይኑ ኸም ዘይኰነ ኣረጋገጸሉ። ኤልያስ ነዚ ጽቡቕ ቃላት ምስ ሰምዐን ዜድልዮ ሓገዝ ምስ ተቐበለን፡ ዕዮኡ ኪቕጽል ከኣለ። (1 ነገ. 19:1-18) ካብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነታ እተደንቕ ባህርይ የሆዋ ዝዀነት ለውሃት ብቐዳምነት ዜንጸባርቓ መን እዩ፧

የሱስ—ኣዝዩ ለዋህ

የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብለውሃቱን ብሓልዮቱን እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። ሕሱም ወይ ጨቋኒ ኣይነበረን። ብድንጋጽ ከኣ፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። . . . ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ . . . እዩ” በለ። (ማቴ. 11:28-30) ሰባት ድማ ብለውሃቱ ተሳሒቦም፡ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ይስዕብዎ ነበሩ። የሱስ ከኣ “ደንገጸሎም፡” ዚብላዕ ሃቦም፡ ንሕሙማቶምን ንስንኩላቶምን ኣሕወየ፡ ብዛዕባ ኣቦኡ እውን “ብዙሕ” መሃሮም።—ማር. 6:34፣ ማቴ. 14:14፣ 15:32-38።

የሱስ ንሰባት ይርድኣሎምን ብምስትውዓል ይሕዞምን ምንባሩ፡ ብዙሕ ከም ዚልውህ እዩ ዜርኢ። ዋላ እውን ኣብ ዘይጥዕሞ እዋን ሕቶ እንተ ቐረበሉ፡ ንዅሎም እቶም ካብ ልቢ ዝደለይዎ “ብጽቡቕ” ይቕበሎም ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 9:10, 11) ንኣብነት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኻብቲ ዚፈስሳ ደም ምእንቲ ኽትሓዊ ኢላ፡ ረኺሳ ኸላ እናፈርሀት ጫፍ ክዳኑ ተንከየት። ይኹን እምበር፡ የሱስ በዚ ኣይገንሓን። (ዘሌ. 15:25-28) ነታ ን12 ዓመት እተሳቐየት ሰበይቲ ኸኣ ብርሕራሐ፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብቲ ዜቐንዙ ሕማምኪ ድማ ጥዓዪ” በላ። (ማር. 5:25-34) ኣየ ለውሃት!

ለውሃት ብጽቡቕ ተግባር ትግለጽ

ኣብ ላዕሊ ዚርከብ ኣብነታት ከም ዚሕብሮ፡ ናይ ሓቂ ለውሃት ብተግባር እያ እትግለጽ። የሱስ ኣብታ ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ተግባር ከም ዜድሊ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሳምራውያንን ኣይሁድን ጽልኢ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ነቲ ኸተርቲ ዝዘረፍዎን ዝኸትከትዎን ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ዝገደፍዎን ሰብኣይ ደንገጸሉ። ለውሃቱ ድማ ንተግባር ኣለዓዓለቶ። ነቲ ሰብኣይ ኣቝሳሉ ዘነነሉ፡ ናብ መሕደር ኣጋይሽ እውን ወሰዶ። ድሕሪኡ፡ እቲ ሳምራዊ ነቲ ሓላው መሕደር ኣጋይሽ ገንዘብ ሂቡ፡ ነቲ እተጐድአ ሰብኣይ ኪከናኸኖ ሓተቶ፣ ካብኡ ሓሊፉ እውን ተወሳኺ ወጻኢታት ከም ዚኸፍል ገለጸሉ።—ሉቃ. 10:29-37።

ለውሃት ብዙሕ ግዜ ብግብሪ እትግለጽ እኳ እንተ ዀነት፡ ብሓልዮት ብዚዝረብ ዘረባን ብዜተባብዕ ቃላትን እውን ትግለጽ እያ። ስለዚ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ [ዚኸብዶ]” እኳ እንተ ዀነ፡ “ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ” እዩ። (ምሳ. 12:25) ብለውሃትን ብሕያውነትን ተደሪኽና ንሰባት ሃናጺ ነገራት ከነካፍሎም ከለና፡ መንፈሶም ከነለዓዕል ንኽእል ኢና።a ብለውሃት እንዛረቦ ዘረባ፡ ብዛዕባኦም ከም እንሓሊ የርኢ እዩ። በዚ ኸምዚ ስለ ዚተባብዑ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥሞም ፈተናታት ብዝሓሸ መገዲ ኺጾርዎ ይኽእሉ።—ምሳ. 16:24።

ለውሃት ምምዕባል

ደቂ ሰብ “ብመልክዕ ኣምላኽ” ስለ እተፈጥሩ፡ ኵሎም ሰባት ለውሃት ኬማዕብሉ ይኽእሉ እዮም። (ዘፍ. 1:27) ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣሲሩ ናብ ሮሜ ኣብ ዚጕዓዘሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ሲዶን ምስ በጽሑ፡ እቲ ንዕኡ ኼብጽሕ እተመዘዘ ዩልዮስ ዚብሃል ሓለቓ ሚእቲ፡ “ንጳውሎስ ርሕራሐ ገበረሉ፡ ናብ ፈተውቱ ኪኸይድን ክንክኖም ኪረክብን ድማ ፈቐደሉ።” (ግብ. 27:3) ኣብ ካልእ እዋን ከኣ፡ ነበርቲ ማልታ ንጳውሎስን ነቶም ካብታ እተሰብረት መርከብ ዝደሓኑ ኻልኦት ሰባትን “ፍልይ ዝበለ ርሕራሐ” ገበሩሎም። ቍሪ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ነቶም ግዳያት “ሓዊ ኣንዲዶም” ተቐበልዎም። (ግብ. 28:1, 2) እዚ ተግባሮም እዚ ዚንኣድ እኳ እንተ ዀነ፡ ለውሃት ግና ካብቲ ሳሕቲ ዚግበር ሰናይ ተግባር ንላዕሊ ኽንገብር ትሓትት እያ።

ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ፡ ንለውሃት ከም ቀዋሚ ኽፍሊ ስብእናናን መገዲ ህይወትናን ጌርና ኸነማዕብላ ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “ለውሃት . . . ልበሱ” ይብለና እዩ። (ቈሎ. 3:12) ነዛ ኣምላኽ ዚፈትዋ ባህርይ እዚኣ ኽንለብሳ ቐሊል ከም ዘይኰነ ግና ዚከሓድ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ብሰንኪ ሕፍረት፡ ስክፍታ፡ ተቓውሞ፡ ወይ ብእተወሰነ ጥቕሚ ርእስና ስለ እንደሊ፡ ንሰባት ኣይንልውሃሎምን ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ትውክልትና ኣብ መንፈስ ቅዱስ ብምግባርን ኣብነታት እቲ የሆዋ ዝለውሃሉ መገድታት ብምስዓብን፡ ነዚ ጸገማት እዚ ኽንሰግሮ ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 2:12።

ለውሃትና ኣብ እንገልጸሉ መገድታት ከነመሓይሸሉ እንኽእል መዳያት ከነለሊዶ ንኽእል፧ ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፦ ‘ሰብ ኪዛረበኒ ኸሎ ብድንጋጽ እሰምዕ ድየ፧ ንሰባት እንታይ ከም ዜድልዮም አስተብህል ድየ፧ ኣባል ስድራ ቤተይ ወይ ናይ ቀረባ ዓርከይ ንዘይኰነ ሰብ ካብ ዝልውሃሉ ኽንደይ ገይረ፧’ ድሕሪኡ፡ ሸቶታት ክንገብር ንኽእል ኢና፣ ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢና ብዛዕባ ዘለዉ ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ብዛዕባ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዝያዳ ንምፍላጥ ሸቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ዅነታቶምን ብዛዕባ እቲ ዜድልዮም ነገራትን ክንፈልጥ ንኽእል። ቀጺልና፡ ከምቲ ንሕና ኣብ ቦታኦም እንተ ንህሉ ኺግበረልና እንደልዮ ጌርና ለውሃትና ኸነርእዮም ኣሎና። (ማቴ. 7:12) ብዘይካዚ፡ ሓገዝ ንምርካብ ንየሆዋ እንተ ለሚንናዮ፡ ንሱ ነቲ ለውሃት ንምምዕባል እንገብሮ ጻዕሪ ኺባርኾ እዩ።—ሉቃ. 11:13።

ለውሃት ንሰባት ትስሕቦም

ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን ዚልለየሉ ባህርያት ኪዝርዝር ከሎ፡ ን“ለውሃት” ጠቒስዋ ኣሎ። (2 ቈረ. 6:3-6) ንሰባት ብብሕቲ ይግደሰሎም ስለ ዝነበረ፡ ነዚ እውን ብጽቡቕ ተግባርን ቃላትን ይገልጾ ብምንባሩ፡ ሰባት ናብኡ ይስሓቡ ነይሮም እዮም። (ግብ. 28:30, 31) ንሕና እውን ንሰባት ብለውሃትና ናብ ሓቂ ኽንስሕቦም ንኽእል ኢና። ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ንተጻረርትና ንልውሃሎም እንተ ዄንና፡ ንልቦም ከነሙቖን ንተጻብኦኦም ኣምኪኽና ኸነለስልሶምን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:20) መን ይፈልጥ፡ ብመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይስሓቡ ይዀኑ።

ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ብዙሓት ሰባት ምናልባት ንፈለማ ግዜኦም ብዚረኽብዎ ናይ ሓቂ ለውሃት ኪሕጐሱ እዮም። ንሳቶም እውን ብምስጋና ተደሪኾም፡ ንኻልኦት ኪልውሁሎም እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ዚህሉ ንኻልኦት ዘይልውህን ዘይሕግዝን ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነባሪ ቦታ ኣይኪህልዎን እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቶም ንዘለኣለም ኪነብሩ ኣምላኽ ዚፈቕደሎም ዘበሉ ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ፍቕርን ለውሃትን ኪህልዎም እዩ። (መዝ. 37:9-11) እታ ሽዑ እትህሉ ዓለምሲ ኸመይ ዝበለ ቕሳነትን ሰላምን ዝሰፈና ዀን እያ ኽትከውን! እቲ ብሩኽ እዋን ክሳዕ ዚመጽእ ግና፡ ከመይ ጌርና ኢና ሕጂ ንኻልኦት ብምልዋህ ክንጥቀም እንኽእል፧

ንኻልኦት ምልዋህ ዘለዎ ጥቕምታት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕያዋይ ሰብ ንርእሱ ይጠቅም” ይብል። (ምሳ. 11:17) ሰባት ብሕያዋይ ወይ ብለዋህ ሰብ ይስሓቡ እዮም፣ ንሳቶም እውን ብግዲኦም ይልውሁሉ እዮም። የሱስ፡ “ብእትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 6:38) ስለዚ፡ ለዋህ ሰብ ብቐሊሉ ጥዑያት ኣዕሩኽ ይረክብ፡ ነባሪ ዕርክነት እውን ይምስርት እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ኤፌ. 4:32) ሓንቲ ጉባኤ ንሓድሕዶም ብዚለዋውሁን ብዚተሓጋገዙን ደንገጽቲ ክርስትያናት እንተ ቘይማ፡ ብዙሕ ጥቕምታት እያ እትረክብ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ተሪር ቃላት፡ ሕማቕ ነቐፌታ፡ ወይ ሽምጠጣ ኣይዛረቡን እዮም። ሕሜት ብምንዛሕ ንሰብ ኣብ ክንዲ ዚጐድኡ፡ ልሳኖም ንምሕዋይ እዮም ዚጥቀሙላ። (ምሳ. 12:18) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እታ ጉባኤ ብመንፈሳዊ መዳይ ትድልድል።

እወ፡ ለውሃት ብቓልን ብተግባርን እትግለጽ ባህርይ እያ። ለዋሃት እንተ ዄንና፡ ኣምላኽና የሆዋ ንዜርእዮ ፍቕርን ልግስን ኢና እነንጸባርቕ። (ኤፌ. 5:1) እዚ ኸኣ ብግዲኡ፡ ንጉባኤታትና የደልድለን፡ ንሰባት እውን ናብ ንጹህ ኣምልኾ ይስሕቦም እዩ። እምበኣር፡ ኵሉ ሳዕ ለዋሃት ንኹን!

a ኣብ መጻኢ፡ ኣብዘን ብዛዕባ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዚምርምራ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ ብዛዕባ ሕያውነት እትገልጽ ዓንቀጽ ክትወጽእ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ