ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 1 ገጽ 3
  • ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ መን እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ንኣምላኽ ብቐረባ ኽትፈልጦ እትኽእል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንሰማያዊ ኣቦኻ ትፈልጦዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣምላኽ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 1 ገጽ 3
ሓደ ሰብኣይ ውቁብ መልክዕ ምድሪ የድንቕ

ኣምላኽ መን እዩ፧

ብዙሓት ሰባት ብኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ይገልጹ እዮም። ኣምላኽ መን ምዃኑ እንተ ሓቲትና ግና፡ እተፈላለየ መልሲ ኢና እንረክብ። ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምቕጻዕ ወትሩ ዚከታተሎም ሕሱም ዳኛ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ። ገሊኦም ድማ፡ ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ወትሩ ፈቃርን ይቕረ በሃልን ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ፡ ኣምላኽ ካባና ርሑቕን ብኣና ዘይግደስን ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ነዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኣረኣእያታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ መን ምዃኑ ምፍላጥ ዘይከኣል ኰይኑ ይስምዖም።

ንምዃኑ የገድስ ድዩ፧ እወ፡ የገድስ እዩ። ንኣምላኽ ብዝያዳ እንተ ፈሊጥካዮ፡ ህይወትካ ዝሓሸ ዕላማን ትርጉምን ኪህልዋ ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26-28) ንኣምላኽ ብዝያዳ ብዝቐረብካዮ መጠን፡ ንሱ ብዝያዳ ኼፍቅረካን ኪሕግዘካን እዩ። (ያእቆብ 4:8) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እተጥርዮ ልክዕ ፍልጠት፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመርሓካ ይኽእል እዩ።—ዮሃንስ 17:3።

ንኣምላኽ ብኸመይ ክትፈልጦ ትኽእል፧ ኣጸቢቕካ ብዛዕባ እትፈልጦ ሰብ፡ ንበል ብዛዕባ ናይ ቀረባ ዓርክኻ እሞ ሕሰብ። ዕርክነትኩም ብኸመይ ማዕቢሉ፧ መሸም ብዛዕባ እቲ ሰብ ትፈልጥ ክትከውን ኣሎካ፣ ማለት ስሙ፡ ባህርያቱ፡ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ነገራት፡ ክሳዕ ሕጂ ዝገበሮን ኣብ መጻኢ ኺገብሮ ዝመደበን ነገራት፡ ከምኡ ድማ ካልእ ተወሳኺ ነገራት ከም እትፈልጥ ኣየጠራጥርን እዩ። እዚ ብዛዕባኡ እትፈልጦ ነገራት ድማ እዩ ንዕኡ ኸም እትቐርቦ ገይሩካ።

ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ኣምላኽ ነዚ ዚስዕብ ነገራት ብምምርማር፡ ንዕኡ ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና፦

  • ስም ኣምላኽ መን እዩ፧

  • እንታይ ባህርያት ኣለዎ፧

  • ኣምላኽ እንታይ ገይሩ ኣሎ፧

  • እንታይ ኪገብር እዩ፧

  • ንኣምላኽ ብምፍላጥካ እንታይ ጥቕምታት ትረክብ፧

እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኽትህበካ እያ ተዳልያ። እዚ ዓንቀጻት እዚ፡ ኣምላኽ መን ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ምስ መስረትካ እንታይ ጥቕምታት ከም እትረክብ እውን ኪምህረካ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ