ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 1 ገጽ 4-5
  • ስም ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስም ኣምላኽ መን እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስም ኣምላኽ ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧
  • ስም ኣምላኽ እንታይ መልእኽቲ የመሓላልፍ፧
  • ስም ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2017
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
  • ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 1 ገጽ 4-5

ስም ኣምላኽ መን እዩ፧

ምስ ሓደ ሰብ ክትፋለጥ ከለኻ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፈለማ፡ “መን እዩ ስምካ፧” ኢልካ ኢኻ እትሓትቶ። ንኣምላኽ ከምኡ ኢልካ እንተ ትሓትቶ፡ እንታይ ኢሉ ምመለሰ፧

“ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ።”—ኢሳይያስ 42:8።

እዚ ስም እዝስ ሓዲሱካዶ፧ ምናልባት ሓዲሱካ ይኸውን፣ ከመይሲ፡ ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ ሳሕቲ እዮም ዚጥቀሙሉ፣ ገሊኣቶም እውን ጠሪሶም ኣይጥቀሙሉን እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ጐይታ” ወይ “እግዚኣብሄር” ብዚብል ናይ መዓርግ ስም ይትክእዎ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ስም ኣምላኽ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስታት 7,000 ሳዕ ይርከብ እዩ። እቲ ስም፡ የሀወሀ ብዚብሃላ ኣርባዕተ ተደመጽቲ ፊደላት ዝቘመ ዀይኑ፡ ብትግርኛ “የሆዋ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ስም ኣምላኽ ኣብ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ብእብራይስጢ

ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላል መጽሓፍ መዝሙር ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ እብራይስጢ

ስም ኣምላኽ ኣብ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ቲንደል ብእንግሊዝኛ

ትርጉም ቲንደል 1530፡ እንግሊዝኛ

ስም ኣምላኽ ኣብ ትርጉም ሬና-ቫሌራ ብስጳንኛ

ትርጉም ሬና-ቫሌራ 1602፡ ስጳንኛ

ስም ኣምላኽ ኣብ ትርጉም ዩኒየን ቨርሽን ብቻይንኛ

ዩኒየን ቨርሽን 1919፡ ቻይንኛ

ስም ኣምላኽ ኣብ ብዘሎ ጽሑፍ እብራይስጥን ኣብ ሓያሎ ትርጉማትን ይርከብ

ስም ኣምላኽ ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧

እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የገድሶ እዩ። ኣምላኽ ንስሙ ባዕሉ እዩ ሓርይዎ፣ ካልእ ኣይኰነን ኣውጺኡሉ። ብዛዕባ እዚ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ መዘከርታይ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዘጸኣት 3:15) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ከም እኒ ኣቦ፡ ኵሉ ዚኽእል፡ ጐይታ፡ ወይ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ናይ መዓርግ መጸውዒ፡ ከምኡ ድማ ካብ ከም እኒ ኣብርሃም፡ ሙሴ፡ ዳዊት፡ ወይ የሱስ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ስም ንላዕሊ ብብዝሒ ተጠቒሱ ኣሎ። ብዘይካዚ ድማ፡ የሆዋ ስሙ ኺፍለጥ ይደሊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ” ይብል እዩ።—መዝሙር 83:18።

እዚ ስም እዚ ንየሱስ የገድሶ እዩ። ኣብታ ብልምዲ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ ጸሎት፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ስምካ ይቀደስ” ዚብል ልማኖ ናብ ኣምላኽ ኬቕርቡ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9) የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ እዩ። (ዮሃንስ 12:28) የሱስ ንምቕዳስ ስም ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ሂብዎ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡ ከፍልጦም እውን እየ” ኢሉ ዝጸለየ።—ዮሃንስ 17:26።

እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ ንዚፈልጥዎ ዘበሉ የገድሶም እዩ። እቲ ፍሉይ ስም ኣምላኽ ምስ ዕቝባን ድሕነትን ከም ዚተሓሓዝ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ተገንዚቦም ነይሮም እዮም። ምስዚ ብዚተኣሳሰር መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ስም የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ እዩ። ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።” (ምሳሌ 18:10) “ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪድሕን እዩ።” (ዮኤል 2:32) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብስም ኣምላኽ ከም ዚፍለጡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ይገልጽ እዩ፦ “ኵሎም ህዝብታትሲ፡ ነፍሲ ወከፍ በብስም ኣምላኹ ኺመላለስ እዩ፣ ንሕና ግና ብስም የሆዋ ኣምላኽና ንዘለኣለመ ኣለም ክንመላለስ ኢና።”—ሚክያስ 4:5፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:14።

ስም ኣምላኽ እንታይ መልእኽቲ የመሓላልፍ፧

እዚ ስም እዚ፡ ኣምላኽ በይኑ ዚልለየሉ መጸውዒ እዩ። ብዙሓት ምሁራት፡ እቲ የሆዋ ዚብል ስም፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ ይኣምኑ እዮም። የሆዋ ኣምላኽ ንሙሴ ኣብ እተዛረቦ ዘረባ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ” ብምባል ንትርጉም ስሙ ኽንርድኦ ዜኽእል ሓሳብ ሂቡና ኣሎ። (ዘጸኣት 3:14) ስለዚ፡ ስም ኣምላኽ፡ ንሱ ፈጣሪ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ትርጉም ሒዙ ኣሎ። ነቲ ንሱ ዕላማኡ ንምፍጻም ንገዛእ ርእሱ ዀነ ንፍጥረቱ ዝደለዮ ዘበለ ኬኽውን ዘለዎ ኽእለት ድማ ዚገልጽ እዩ። መዓርጋት ነቲ ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ፡ ስልጣን፡ ወይ ሓይሊ ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ጥራይ እዩ ንዅሉ መንነቱን እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእልን ዚገልጽ።

እዚ ስም እዚ፡ ኣምላኽ ከም ዚግደሰልና ይሕብር። ትርጉም ስም ኣምላኽ ነቲ ንሱ ንፍጥረቱ፡ እንተላይ ንዓና ዘለዎ ሓልዮት ይእምት እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣምላኽ ስሙ ንዓና ምሕባሩ፡ ክንፈልጦ ኸም ዚደልየና ይሕብር እዩ። ከመይሲ፡ ስሙ ገና ኸይሓተትናዮ እዩ ባዕሉ ነጊሩና። እምበኣር፡ ኣምላኽ ከም ሓደ ኽንቀርቦ ዘይንኽእል ጌርና ኽንርእዮ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ኽንቀርቦ ኸም እንኽእል ኣካል መጠን ጋህዲ ኪዀነልና ይደሊ እዩ።—መዝሙር 73:28።

ንስም ኣምላኽ ምስ እንጥቀመሉ፡ ንዕኡ ኸም እንግደሰሉ ነርኢ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ንሓደ ኽትተዓራረኾ እትደሊ ሰብ ብስምካ ኺጽውዓካ ትሓትቶ ትኸውን። እቲ ሰብ እቲ ብስምካ ኺጽውዓካ ፍቓደኛ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ‘ንምዃኑ ኽንቀራረብ ይደሊ ድዩ፧’ ኢልካ ምሓሰብካ ኔርካ። ኣምላኽ እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ስሙ ነጊርዎምን ብስሙ ኪጽውዕዎ ኣተባቢዕዎምን እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኸም እንደሊ ኢና እነርኢ። ንሱ ኸኣ ነቶም “ንስሙ ዜስተንትኑሉ [ወይ፡ “ዜኽብርዎ፡” እግረ ጽሑፍ]” የቕልበሎም እዩ።—ሚልክያስ 3:16።

ስም ኣምላኽ ምፍላጥና፡ ንዕኡ ኽንፈልጦ ዜኽእለና ናይ መጀመርታ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። ኣብኡ ግና ደው ክንብል የብልናን። ስሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይነቱ እውን ክንፈልጥ ኣሎና። እወ፡ ባህርያቱ ኽንፈልጥ ኣሎና።

ስም ኣምላኽ መን እዩ፧ ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ እዩ። እቲ ስም እቲ ኸኣ፡ ንሱ በይኑ ዕላማኡ ኺፍጽም ኸም ዚኽእል ዚገልጽ መለለዪኡ እዩ

ኣምላኽ ካበይ መጺኡ፧

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ሓሲቦም ይፈልጡ እዮም። ምናልባት ንስኻ እውን ሓሲብካላ ትፈልጥ ትኸውን። ብኻልእ ኣበሃህላ እታ ሕቶ ኸምዚ እያ እትብል፦ ንዩኒቨርስን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ከም ዚህሉ ዝገበሮ ወይ ዝፈጠሮ እንተ ኣልይዎ፡ ኣምላኽ ደኣ ኻበይ እዩ መጺኡ፧

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ እዚ ግኡዝ ዩኒቨርስ መጀመርታ ኸም ዘለዎ ይሰማምዑሉ እዮም። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቀዳመይቲ ፍቕዲ እውን፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ” ብምባል ምስዚ መሰረታዊ ሓሳብ እዚ ትሰማማዕ እያ።—ዘፍጥረት 1:1።

ዩኒቨርስ ገዛእ ርእሱ ኺፈጥር ወይ ካብ ዘየሎ ነገር ኪመጽእ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ነገር ካብ ባዶ ነገር ኪመጽእ ኣይክእልን እዩ። መጀመርታ ዩኒቨርስ ቅድሚ ምዃኑ፡ ዋላ ሓደ እንተ ዘይነብር ነይሩ፡ ሎሚ ዩኒቨርስ ኣይምሃለወን። ምሉእ ብምሉእ ንምርዳኡ ዜጸግመና እኳ እንተ ዀነ፡ ንዩኒቨርስ ከም ዚህሉ ዝገበረ ዘለኣለማውን ዘይግኡዝን ነገር ኪህሉ ኣለዎ። እቲ ንዩኒቨርስ ናብ ህልውና ዘምጽአ ወይ ዝፈጠረ እምበኣር፡ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሓይልን ጥበብን ዘለዎ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ።—ዮሃንስ 4:24።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ኣኽራን ከይተወልደ፡ ምድርን ፍርያም ምድርን እውን ከይገበርካ፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ” ይብል እዩ። (መዝሙር 90:2) እምበኣር፡ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም እዩ። ንሱ ኸኣ እዩ “ብመጀመርታ” ንግኡዝ ዩኒቨርስ ፈጢሩ።—ራእይ 4:11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ