ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w19 ሚያዝያ ገጽ 20-25
  • ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር፡ ሓገዝ የሆዋ ተቐበል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር፡ ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከመይ ገይሮም እዮም እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ዜስሕቱ፧
  • ከመይ ጌርና ኢና ንእኩያት መናፍስቲ እንጻረሮም፧
  • እቶም ሓገዝ የሆዋ ዚቕበሉ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት
  • ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ተጻረሮም
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • እኩያት መናፍስቲ ሓያላት ኢዮም
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ንድያብሎስን ንፍሕሶኡን ተጻረሮ
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
w19 ሚያዝያ ገጽ 20-25

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 17

ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር፡ ሓገዝ የሆዋ ተቐበል

“ቅልስና . . . ኣብ ሰማያት ምስ ዘለዉ እኩያት መናፍስቲ . . . እዩ።”—ኤፌ. 6:12።

መዝሙር 55 ኣይትፍርህዎም!

መላለዪa

1. ኣብ ኤፌሶን 6:10-13 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ሓልዮቱ ዜርእየሉ ልቢ ዚትንኪ መገድታት እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ንኣገልገልቱ ሓልዮቱ ዜርእየሉ ልቢ ዚትንኪ መገድታት፡ ንጸላእትና ኽንጻረሮም ብምሕጋዝ እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከኣ ቀንዲ ጸላእትና እዮም። የሆዋ ብዛዕባ እዞም ጸላእትና እዚኦም መጠንቀቕታ ይህበና፡ ንምጽራሮም ዜድልየና ዘበለ ዅሉ እውን ይህበና እዩ። (ኤፌሶን 6:10-13 ኣንብብ።) ሓገዝ የሆዋ ኽንቅበልን ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ኽንውከልን ከለና፡ ንድያብሎስ ክንጻረሮ ንኽእል ኢና። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ዓይነት እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። ንሱ፡ “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ሮሜ 8:31።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ብሰይጣንን ብኣጋንንቱን ኣይንምሰጥን ኢና። መብዛሕትኡ ኣትኵሮና ኣብቲ ብዛዕባ የሆዋ እንምሃሮ ነገራትን ኣብቲ ንዕኡ እነቕርቦ ኣገልግሎትን ኢና እንገብሮ። (መዝ. 25:5) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ተግባራት ሰይጣን መሰረታዊ ነገራት ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ስለምንታይ፧ ምእንቲ ኸይጐርሓልና ኢልና ኢና። (2 ቈረ. 2:11፣ እ.ጽ.) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሰባት ኬስሕቱ ዚፍትኑሉ ቐንዲ መገዲ ኽንርኢ ኢና። ከመይ ጌርና ኽንጻረሮም ከም እንኽእል እውን ክንምርምር ኢና።

ከመይ ገይሮም እዮም እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ዜስሕቱ፧

3-4. (ሀ) መናፍስትነት እንታይ እዩ፧ (ለ) እምነት መናፍስትነት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧

3 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንህዝቢ ኼስሕቱ ዚፍትኑሉ ቐንዲ መገዲ ብመናፍስትነት ኣቢሎም እዮም። እቶም መናፍስታዊ ተግባራት ዚገብሩ ዘበሉ፡ ሰባት ብንቡር ኪፈልጥዎ ወይ ኪቈጻጸርዎ ዘይክእሉ ነገር ከም ዚፈልጡ ወይ ከም ዚቈጻጸሩ እዮም ዚዛረቡ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ብጥንቈላ ወይ ብቘጸራ ኸዋኽብቲ ገይሮም ‘ብዛዕባ መጻኢ ንፈልጥ ኢና’ ይብሉ። ገሊኦም ከኣ ‘ምስ ምዉታት ንዛረብ ኢና’ ይብሉ። ገሊኦም ድማ ኣስማት፡ ስሒር፡ ወይ ስራይ ይገብሩ።b

4 ኣብ ሓይሊ መናፍስትነት ምእማን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣብ ካሪበያን ኣብ ዚርከባ 18 ሃገራት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሓደ ሲሶ እቶም ህዝቢ ብስሒር፡ ብጥንቈላ፡ ወይ ብኣስማት ይኣምኑ እዮም፣ ዳርጋ ኽንድኡ ዚዀኑ ሰባት ከኣ ምስ መናፍስቲ ኺዛራረቡ ኸም ዚኽእሉ ይኣምኑ እዮም። ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዚርከባ 18 ሃገራት እውን ካልእ መጽናዕቲ ተገይሩ እዩ። ኣብኡ ኸኣ ብገምጋም ልዕሊ ፍርቂ እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ እተሳተፉ ሰባት፡ ብጥንቈላ ኸም ዚኣምኑ ገሊጾም እዮም። ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ካብ መናፍስትነት ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከመይሲ፡ ሰይጣን “ንብዘላ ዓለም” ኬስሕታ እዩ ዚጽዕር ዘሎ።—ራእ. 12:9።

5. የሆዋ ብዛዕባ መናፍስትነት እንታይ ይስምዖ፧

5 የሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ” እዩ። (መዝ. 31:5) እሞ ደኣ ብዛዕባ መናፍስትነት እንታይ ይስምዖ፧ ኣጸቢቑ ይጸልኦ እዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልዎም እዩ፦ “ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ፡ ወይ ዚጥንቍል፡ ወይ ስሒር ዚገብር፡ ወይ ፋል ዚደሊ፡ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡ ወይ ጠንቋሊ፡ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ዘበለ ዅሉስ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።” (ዘዳ. 18:10-12) ልክዕ እዩ፡ ንሕና ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኣይኰንናን። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ብዛዕባ መናፍስትነት ዘለዎ ስምዒት ከም ዘይተቐየረ ንፈልጥ ኢና።—ሚል. 3:6።

6. (ሀ) ሰይጣን ብመናፍስትነት ገይሩ ንሰባት ዚጐድእ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብመሰረት መክብብ 9:5፡ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

6 ሰይጣን ብመናፍስትነት ገይሩ ንሰባት ስለ ዚጐድእ፡ የሆዋ ኻብ መናፍስትነት ክንርሕቕ የጠንቅቐና እዩ። ሰይጣን ብመናፍስትነት ገይሩ ሓሶት ይነዝሕ እዩ፣ ሓደ ኻብኡ ‘ምዉታት ብገለ መገዲ ብህይወት ኣለዉ’ ዚብል ሓሶት እዩ። (መክብብ 9:5 ኣንብብ።) ሰይጣን ብመናፍስትነት ገይሩ ንሰባት የፍርሆምን ካብ የሆዋ የርሕቖምን እዩ። ሸቶኡ ድማ መናፍስታዊ ተግባራት ዚገብሩ ሰባት ኣብ የሆዋ ዘይኰነስ፡ ኣብ እኩያት መናፍስቲ ኸም ዚውከሉ ምግባር እዩ።

ከመይ ጌርና ኢና ንእኩያት መናፍስቲ እንጻረሮም፧

7. የሆዋ እንታይ እዩ ዚነግረና፧

7 ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ የሆዋ ብሰይጣንን ብኣጋንንትን ምእንቲ ኸይንታለል ኢሉ ኽንፈልጦ ዜድልየና ዘበለ ይነግረና እዩ። ኣብቲ ምስ ሰይጣንን ኣጋንንትን እንገብሮ ቓልሲ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

8. (ሀ) ንእኩያት መናፍስቲ እንጻረረሉ ቐንዲ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) መዝሙር 146:4 ነቲ ሰይጣን ብዛዕባ ምዉታት ዝነዝሖ ሓሶት ብኸመይ ተቃልዖ፧

8 ቃል ኣምላኽ ኣንብብ፡ ብዛዕባኡ እውን ኣስተንትን። እዚ ነቲ እኩያት መናፍስቲ ዚነዝሕዎ ሓሶት እንነጽገሉ ቐንዲ መገዲ እዩ። ቃል ኣምላኽ ነቲ ሰይጣን ዝነዝሖ ሓሶት ስለ ዜቃልዖ፡ ሰንጢቑ ኸም ዚኣቱ በሊሕ ሰይፊ እዩ። (ኤፌ. 6:17) ንኣብነት፡ ቃል ኣምላኽ ነቲ ‘ምዉታት ምስ ህያዋን ይዛረቡ’ ዚብል እምነት ሓሶት ምዃኑ የቃልዖ እዩ። (መዝሙር 146:4 ኣንብብ።) ንመጻኢ ብልክዕ ኪፈልጦ ዚኽእል የሆዋ ጥራይ ምዃኑ እውን ይነግረና እዩ። (ኢሳ. 45:21፣ 46:10) ብስሩዕ ቃል ኣምላኽ ነንብብን ብዛዕባኡ ነስተንትንን እንተ ዄንና፡ ነቲ እኩያት መናፍስቲ ኼእምኑና ዚደልዩ ነገራት ንምንጻግን ንምጽላእን ዕጡቓት ክንከውን ኢና።

9. ካብ ምንታይ ዓይነት መናፍስታዊ ተግባራት ኢና እንርሕቕ፧

9 ምስ መናፍስትነት ዚተሓሓዝ ነገር ኣይትግበር። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ዝዀነ መናፍስታዊ ተግባር ኣይንገብርን ኢና። ንኣብነት፡ ናብ ጠየቕቲ መናፍስቲ ኣይንኸይድን ወይ ምስ ምዉታት ብኻልእ መገዲ ኽንዛራረብ ኣይንፍትንን ኢና። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተገሊጹ ዘሎ፡ ምዉታት ብገለ መገዲ ብህይወት ከም ዘለዉ ኣብ ዜንጸባርቕ ናይ ቀብሪ ልምዲ ኣይንሳተፍን ኢና። ብዛዕባ መጻኢ ኽንፈልጥ ኢልና እውን ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ወይ ኣብ ጥንቈላ ኣይንኣቱን ኢና። (ኢሳ. 8:19) ኵሉ እዚ ተግባራት እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ፡ ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እውን ብቐጥታ ኼራኽበና ኸም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና።

ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ምስ ስሒር ዚተሓሓዝ መጻሕፍቶም ኣኪቦም የንድድዎ

ምስ ስሒር ንእተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር ብምውጋድን ካብ መናፍስታዊ መዘናግዒ ብምርሓቕን፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ምሰሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 10-12 ርአ)

10-11. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ሓቂ ምስ ፈለጡ እንታይ እዮም ገይሮም፧ (ለ) ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 10:21፡ ኣብነት እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

10 ምስ ስሒር እተተሓሓዘ ነገራት ኣወግድ። ገለ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሰባት ኣብ መናፍስታዊ ተግባራት ይሳተፉ ነይሮም እዮም። ሓቂ ምስ ፈለጡ ግና፡ ዓብዪ ስጕምቲ ወሲዶም እዮም። ብዛዕባኡ ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ብዙሓት ስሒር ዚገብሩ ዝነበሩ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ።” (ግብ. 19:19) እዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር ዚከኣሎም እዮም ገይሮም። እቲ ስሒራዊ መጻሕፍቶም ብዙሕ ገንዘብ ዝዋጋኡ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ መጻሕፍቲ እዚ ንኻልእ ኣብ ክንዲ ዚህብዎ ወይ ኣብ ክንዲ ዚሸጥዎ፡ ኬንድድዎ እዮም ወሲኖም። ካብ ዋጋ እቲ መጻሕፍቲ ንላዕሊ፡ ንየሆዋ ባህ ምባል እዩ ዜገድሶም ነይሩ።

11 ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት እዞም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ክንስዕብ እንኽእል፧ ምስ ስሒር እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር ከነወግድ ኣሎና። እዚ ድማ ሰባት ካብ እኩያት መናፍስቲ ኺከላኸለሎም ኢሎም ዚገብርዎ ክታብ፡ ፈውሲ ዕየና፡ ወይ ካልእ ነገራት ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:21 ኣንብብ።

ሓደ ሓው ንክታቡ ናብ እንዳ ጐሓፍ ይድርብዮ፣ ሰብ ሓዳር ብጥቓ መናፍስታዊ ፊልምታት ዜወዓውዕ ፖስተራት ይሓልፉ

12. ብዛዕባ መዘናግዒ እንታይ ሕቶታት ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧

12 ንመዘናግዒኻ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ብዛዕባ ስሒር ዚገልጽ መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ ወይ ኣብ ኢንተርነት ዚወጽእ ዓንቀጻት አንብብ ድየ፧ እቲ ዝሰምዖ ሙዚቃ፡ እቲ ዝርእዮ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን፡ ወይ እቲ ዝጻወቶ ጸወታታት ቪድዮኸ ኸመይ እዩ፧ ምስ መናፍስትነት እተተሓሓዘ ዝዀነ መዘናግዒ እጥቀም ድየ፧ ኣብቲ መዘናግዒ ኸም ቫምፓየራት፡ ዞምቢታት፡ ወይ ካልእ ልዕለ ባህርያዊ ነገራት ይርአ ድዩ፧ ንስሒር፡ ንስራይ፡ ወይ ንኣስማት ከም ዘይጓዳእ ገይሩ የቕርቦ ድዩ፧’ ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኵሉ እቲ ኻብ ንቡር ወጻኢ ዚትርኽ ሓሳባዊ ዛንታታት ወይ ጽውጽዋያት ምስ መናፍስትነት ይተሓሓዝ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ መዘናግዒኻ ኽትመርጽ ከለኻ፡ ካብቲ የሆዋ ዚጸልኦ ዘበለ ኣጸቢቑ ዜርሕቐካ ምርጫ ግበር። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ‘ጽሩይ ሕልና ምእንቲ ኺህልወና’ ዚከኣለና ኽንገብር ንደሊ ኢና።—ግብ. 24:16።c

13. እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይንደሊ፧

13 ብዛዕባ ኣጋንንቲ ኣይተውሪ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኢና ኽንስዕብ እንደሊ። (1 ጴጥ. 2:21) የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ሰማይ ይነብር ነይሩ እዩ፣ ብዛዕባ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከኣ ብዙሕ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ እኩያት መናፍስቲ ዝገበርዎ ነገራት ግና ብዙሕ ኣየውረየን። የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ደኣ እዩ ኺምስክር ዚደሊ ነይሩ እምበር፡ ብዛዕባ ሰይጣን ኬውሪ ኣይደልን እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ብዛዕባ ኣጋንንቲ ብዘይምውራይ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ልብና ብጽቡቕ ነገር ከም ዚልዓዓል፡’ ማለት በታ ሓቂ ኸም ዚልዓዓል ብቓላትና ነርኢ ኢና።—መዝ. 45:1።

እቲ ሰማያዊ ንጉስና የሱስ ንሰራዊት መላእኽቲ ይመርሖም

ንእኩያት መናፍስቲ ኽንፈርሆም የብልናን። የሆዋን የሱስን መላእኽትን ካብ እኩያት መናፍስቲ ኣጸቢቖም ይሕይሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)d

14-15. (ሀ) ብእኩያት መናፍስቲ ኽንሽበር ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ የዕቍቦም ከም ዘሎ ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

14 ብእኩያት መናፍስቲ ኣይትሸበር። ኣብዛ ዘይፍጽምቲ ዓለም እዚኣ፡ ሕማቕ ነገራት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ሓደጋታት፡ ሕማም፡ ወይ ሞት ብድንገት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። እዚ ብሰንኪ ዘይርኣዩ መናፍስቲ ኸም ዝመጸ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንዅሉ “ግዜን ኣጋጣምን” ኬጓንፎ ኸም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። (መክ. 9:11) የሆዋ ኻብ ኣጋንንቲ ኣጸቢቑ ኸም ዚሕይል ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንሰይጣን፡ ንእዮብ ኪቐትሎ ኣይፈቐደሉን። (እዮ. 2:6) ብዘመን ሙሴ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ግብጺ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። (ዘጸ. 8:18፣ 9:11) የሱስ ድማ በቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ ሓይሊ ገይሩ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ናብ ምድሪ ብምድርባይ፡ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብቲ ንሓደ እኳ ኺጐድኡሉ ዘይክእሉ መዓሙቝ ኪድርበዩ እዮም።—ራእ. 12:9፣ 20:2, 3።

15 ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ የዕቍቦም ከም ዘሎ ዜርኢ እኹል መርትዖ ንረክብ ኢና። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ምድሪ ንሰብኽን ንምህርን ኣለና። (ማቴ. 28:19, 20) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንእኩይ ተግባራት ድያብሎስ ነቃልዖ ኣለና። ሰይጣን እንተ ዚኽእል ነይሩ፡ ንዅሉ ንጥፈታትና ደው መበሎ፣ ግናኸ፡ ከምኡ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። እምበኣር፡ ብእኩያት መናፍስቲ ኽንሽበር የብልናን። እዚ ቓላት እዚ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፦ “ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።” (2 ዜና 16:9) ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና፡ ኣጋንንቲ ነባሪ ጕድኣት ኬውርዱልና ኣይክእሉን እዮም።

እቶም ሓገዝ የሆዋ ዚቕበሉ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

16-17. ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር ትብዓት ከም ዜድሊ ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

16 ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር ትብዓት የድልየና እዩ፣ ምናዳ ኸኣ ካብ ጽቡቕ ሓሳባት ተላዒሎም ፈተውትና ወይ ኣዝማድና ኺጻረሩና ኸለዉ ኽንተብዕ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ዚተብዑ ይባርኾም እዩ። ኣብ ጋና ንእትነብር ኤሪካ ዝስማ ሓብቲ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ኤሪካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ፍቓደኛ ኽትከውን ከላ፡ ጓል 21 ዓመት እያ ነይራ። ኣቦኣ ስሒር ዚገብር ካህን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መናፍስታዊ ልምድታት ክትሳተፍ፡ ንኣብነት ንኣማልኽቲ ኣቦኣ እተሰውአ ምግቢ ኽትበልዕ ትጽቢት ይግበረላ ነይሩ። ኤሪካ ምስ ኣበየት፡ ኣቦኣ ነዚ ነገር እዚ ንኣማልኽቱ ኸም ምጽራፍ ገይሩ እዩ ቘጺርዎ። ስድራ ቤታ ድማ ብሰንኪ እዚ እቶም ኣማልኽቲ ብኣእምሮኣውን ብኣካላውን ሕማም ከም ዚቐጽዕዎም ይኣምኑ ነይሮም እዮም።

17 ስድራ ቤት ኤሪካ ኣብቲ ልምዲ ኽትሳተፍ ኬገድድዋ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ንሳ ግና ኣበየት፣ በዚ እውን ካብ ቤት ክትወጽእ ተገደደት። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ምሳታቶም ክትነብር ተቐበልዋ። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንኤሪካ ሓድሽ ስድራ ቤት ብምሃብ፡ ማለት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝዀኑላ ክርስትያን ብጾት ብምሃብ ባሪኽዋ እዩ። (ማር. 10:29, 30) ቤተ ሰባ እኳ ኸም ዘይጓሎም ገይሮም እንተ ቘጸርዋን ንንብረታ እንተ ኣንደድዎን፡ ንሳ ግና ንየሆዋ እምንቲ ዀይና ብምጽናዕ ተጠምቀት፣ ሕጂ ድማ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ብኣጋንንቲ ኸኣ ኣይትሽበርን እያ። ብዛዕባ ስድራ ቤታ ድማ፡ “ስድራ ቤተይ ንየሆዋ ብምፍላጥ ዚርከብ በረኸትን ነዚ ፈቃር ኣምላኽና ብምግልጋል ዚርከብ ናጽነትን ኪረኽቡ መዓልቲ መዓልቲ እጽሊ እየ” ትብል።

18. ብየሆዋ እንእመን እንተ ዄንና፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

18 ንዅላትና ኣይኰነን ከምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ናይ እምነት ፈተና ዜጋጥመና። ይኹን እምበር፡ ኵላትና ንእኩያት መናፍስቲ ኽንጻረሮምን ብየሆዋ ኽንእመንን ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብዙሕ በረኸት ክንረክብ፡ ሰይጣን ብዝነዝሖ ሓሶት እውን ኣይክንስሕትን ኢና። ብፍርሂ ኣጋንንቲ ኸኣ ኣይክንለምስን ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ከነደልድል ኢና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ንኣምላኽ ተገዝእዎ፣ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ያእ. 4:7, 8።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ከመይ ገይሮም እዮም እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ዜስሕቱ፧

  • ብኸመይ እዩ የሆዋ ንእኩያት መናፍስቲ ኽንጻረሮም ዚሕግዘና፧

  • ንእኩያት መናፍስቲ ብምጽራር እንታይ በረኸት ይርከብ፧

መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

a የሆዋ ብፍቕሩ ተደሪኹ ብዛዕባ እኩያት መናፍስትን ብዛዕባ እቲ ኼውርዱልና ዚኽእሉ ጕድኣትን ኣጠንቂቑና ኣሎ። ከመይ ገይሮም እዮም እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ዜስሕትዎም፧ ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብሓገዝ የሆዋ ኸመይ ጌርና ኻብ ጽልዋኦም ከም እነምልጥ ትገልጽ።

b መግለጺ ቓላት፦ መናፍስትነት ኪብሃል ከሎ፡ ምስ ኣጋንንቲ ንእተተሓሓዘ እምነታትን ተግባራትን የመልክት። ብዘይካዚ፡ ነቲ መናፍስቲ ምዉታት ድሕሪ ሞት ካብ ስጋ ተፈልዮም ይነብሩ፡ ምስ ህያዋን ከኣ ምናዳ ብሰብ (ብመንጎኛ) ገይሮም ይራኸቡ ዚብል እምነት የጠቓልል። መናፍስትነት ከም ኣስማትን ጥንቈላን ዝኣመሰለ ተግባራት እውን የጠቓልል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ስሒር ኪብሃል ከሎ፡ ምስ ኣስማት ወይ ልዕለ ባህርያዊ ሓይልታት ንዚተሓሓዝ ነገር እዩ ዜመልክት። ንስራይ ወይ ንድጋም እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ገሊኦም ሰባት ንመዘናግዒ ጥራይ ኢሎም ኣእዳዎም ብቕልጡፍ ብምንቅስቓስ ዚገብርዎ ናይ ምትላል ሜላ ኣየመልክትን እዩ።

c ሽማግለታት ብዛዕባ መዘናግዒ ሕግታት ኬውጽኡ ስልጣን የብሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንታይ ከም ዜንብብ፡ ዚርኢ፡ ወይ ዚጻወት ኪመርጽ ከሎ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ኺጥቀም ኣለዎ። ጥበበኛታት ርእስታት ስድራ ቤት፡ ኣብ ስድራ ቤቶም ዚርአ መዘናግዒ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚቃዶ ምዃኑ ይቈጻጸሩ እዮም።—ኣብ jw.org® ኣብ ትሕቲ፡ ብዛዕባና > ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት ዝወጸት፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚእግድዎ ፊልም፡ መጽሓፍ፡ ወይ ሙዚቃ ኣሎዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d መግለጺ ስእሊ፦ እቲ ሰማያዊ ንጉስና የሱስ ንሰራዊት መላእኽቲ ይመርሖም። ዝፋን የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ