ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w19 ነሓሰ ገጽ 26-28
  • እምነት—እተበርትዓና ባህርይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እምነት—እተበርትዓና ባህርይ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እምነት እንታይ እያ፧
  • ቅኑዕ ልቢ ኣድላዪ እዩ
  • ከመይ ገይሩ እዩ ዳዊት ድልድልቲ እምነት ኣማዕቢሉ፧
  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ንእምነትካ እተደልድላ፧
  • ብየሱስ እመን
  • ‘በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትካ ንርእስኻ ህነጽ’
  • የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “እምነት ወስኸና”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብሓቂዶ ብወንጌል ትኣምን ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ኣብ እምነት ጽንዑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
w19 ነሓሰ ገጽ 26-28

እምነት—እተበርትዓና ባህርይ

  • ፍቕሪ

  • ሓጐስ

  • ሰላም

  • ዓቕሊ

  • ለውሃት

  • ሕያውነት

  • እምነት

  • ልእመት

  • ርእሰ ግትኣት

እምነት ዜደንቕ ሓይሊ ኣለዋ። ንኣብነት፡ ሰይጣን ብመንፈሳዊ መዳይ ኪቐትለና ዚደሊ እኳ እንተ ዀነ፡ እምነት ግና ‘ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት እቲ እኩይ ከነጥፍእ’ ተኽእለና። (ኤፌ. 6:16) ብእምነት ከም ከረን ዝበለ ጸገማት ክንጻወር ንኽእል ኢና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ካብዚ ናብቲ ግዓዝ’ ትብልዎ፡ ይግዕዝ ከኣ” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 17:20) እምነት ብመንፈሳዊ መዳይ ከተበርትዓና ስለ እትኽእል፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምርምር ኣሎና፦ እምነት እንታይ እያ፧ ከመይ ገይሩ እዩ ዅነታት ልብና ንእምነትና ዚጸልዎ፧ ከመይ ጌርና ኢና እምነትና ኸነደልድል እንኽእል፧ ብመንከ ኢና ኽንኣምን ዘሎና፧—ሮሜ 4:3።

እምነት እንታይ እያ፧

እምነት ንሓቂ ምእማን ወይ ምቕባል ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ “ኣጋንንቲ እውን [ኣምላኽ ከም ዘሎ] ይኣምኑን የንቀጥቅጡን እዮም።” (ያእ. 2:19) እሞ ደኣ እምነት እንታይ እያ፧

ምድሪ ኻብ ህዋ ኽትርአ ኸላ

ከምቲ መዓልትን ለይትን ወትሩ ኸም ዚኸውን እንኣምን፡ ቃል ኣምላኽ ወትሩ ኸም ዚፍጸም እውን ንኣምን ኢና

መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነት፡ ክልተ መዳይ ከም ዘለዋ ገይሩ እዩ ዚገልጻ። ቀዳማይ፡ “እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት” እያ። (እብ. 11:1ሀ) እምነት እንተ ኣልዩካ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበሎ ሓቂ ምዃኑን ከም ዚፍጸምን ብጽኑዕ ትኣምን ኢኻ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “መዓልትን ለይትን በብግቡእ ግዜኡ ኸይከውን ንምዕጋት፡ ንመዓልትን ንለይትን ዚምልከት ኪዳነይ ከተፍርሱ እንተ ትኽእሉ ኔርኩም፡ ሽዑ፡ . . . እቲ ምስ ጊልያይ ዳዊት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ምፈረሰ” ኢልዎም እዩ። (ኤር. 33:20, 21) ጸሓይ ከይበረቐትን ከይዓረበትን ከይትተርፍ እሞ መዓልትን ለይትን ከይዕገት ኢልካ ፈሪህካዶ ትፈልጥ፧ በቲ ንምድሪ ኣብ ዛብያኣን ኣብ ዙርያ ጸሓይን ከም እትዘውር ዚገብራ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ዘይትጠራጠር ካብ ኰንካ፡ ነቲ ነዚ ሕግታት እዚ ዝፈጠረ ፈጣሪ ደኣኸ ቓሉ ምፍጻም ከይስእን ክትጥርጥሮዶ ይግባእ፧ ከቶ ኣይግባእን!—ኢሳ. 55:10, 11፣ ማቴ. 5:18።

ካልኣይ፡ እምነት “ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ እያ።” እምበኣር፡ እምነት ናይቲ ብዓይንና ዘይርአ ነገራት “ግሁድ መርኣያ” ወይ “ዜእምን መርትዖ” ተባሂላ ኣላ። (እብ. 11:1ለ፣ እ.ጽ.) ብኸመይ፧ ሓደ ቘልዓ፡ ‘ኣየር ከም ዘሎ ኸመይ ጌርካ ትፈልጥ፧’ ኢሉ ሓቲቱካ ንበል። ኣየር ርኢኻ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ዀንካ፡ በቲ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ጌርካ ኸተረድኦ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት፡ ብትንፋስን ብጽልዋ ንፋስን ብኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ጌርካ ኸተረድኦ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ነቲ መርትዖ ምስ ኣመነሉ፡ ነቲ ብዓይኑ ዘይርእዮ ነገር ከም ዘሎ ይቕበሎ እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ እምነት ኣብ ድልዱል መርትዖ እተመርኰሰት እያ።—ሮሜ 1:20።

ቅኑዕ ልቢ ኣድላዪ እዩ

እምነት ኣብ መርትዖ እተመርኰሰት ስለ ዝዀነት፡ ሓደ ሰብ እምነት ኪህልዎ እንተ ዀይኑ፡ “ልክዕ ፍልጠት ሓቂ” ኼጥሪ ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:4) እዚ ግና እኹል ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ሮሜ 10:10) ሰብ ንሓቂ ኣሚኑ ኪቕበሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣኽቢሩ ኺርእዮ እውን ኣለዎ። ከምኡ እንተ ገይሩ ጥራይ እዩ በቲ ዝኣመነሉ ዚመላለስ፡ ማለት ምስቲ ሓቂ ተሰማሚዑ ተግባሩ ዚገብር። (ያእ. 2:20) ንሓቂ ልባዊ ሞሳ ዘይብሉ ሰብ ንሓደ ኣቐዲሙ ዝወሰኖ ሓሳብ ብድርቅና እንተ ሒዙ ወይ ስጋዊ ትምኒቱ ንምግባር ዜኽእሎ መመኽነይታ ኺረክብ እንተ ደልዩ፡ ንሓደ ዜእምን መርትዖ ምቕባል ኪኣቢ ይኽእል እዩ። (2 ጴጥ. 3:3, 4፣ ይሁ. 18) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ገሊኦም ካብቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ብዓይኖም ተኣምራት ርእዮም ክነሶም እምነት ዘየማዕበሉ። (ዘሁ. 14:11፣ ዮሃ. 12:37) ናይ ኣምላኽ ፍረ መንፈስ ኣብቶም ንሓሶት ዘይኰነስ ንሓቂ ዚፈትዉ ሰባት ጥራይ እዩ እምነት ዜፍሪ።—ገላ. 5:22፣ 2 ተሰ. 2:10, 11።

ከመይ ገይሩ እዩ ዳዊት ድልድልቲ እምነት ኣማዕቢሉ፧

ሓደ ኻብቶም ሓለፍ ዝበለት እምነት ዝነበረቶም ሰባት፡ ንጉስ ዳዊት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። (እብ. 11:32, 33) ኰይኑ ግና፡ ኵሎም እቶም ኣባላት ቤተ ሰብ ዳዊት ኣይኰኑን ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ዝነበረቶም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዳዊት ብዛዕባ ጐልያድ ምስ ሓተተ፡ እቲ ዓብዪ ሓዉ ኤልያብ ንዳዊት ኪገንሖ ኸሎ፡ እምነት ከም ዘይብሉ ኣርእዩ እዩ። (1 ሳሙ. 17:26-28) ዋላ ሓደ ኻባና እምነት ሒዙ ኣይውለድን እዩ፣ ካብ ወለዱ ዚወርሳ እውን ሓደ እኳ የልቦን። ስለዚ፡ ዳዊት እምነት ኬጥሪ ዝኸኣለ፡ ንሱ ምስ ኣምላኽ ርክብ ስለ ዘማዕበለ እዩ።

ኣብ መዝሙር 27፡ ከመይ ገይሩ ድልድልቲ እምነት ኬጥሪ ኸም ዝኸኣለ ገሊጹ ኣሎ። (ፍ. 1) ዳዊት ብዛዕባ ሕሉፍ ተመክሮኡን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንተጻረርቱ ዝገበሮ ነገራትን ኣስተንቲኑ እዩ። (ፍ. 2, 3) ነቲ የሆዋ ንኣምልኾ ዝገበሮ መሰናድዎ ኸኣ ብዙሕ ኣድንቖት ነይርዎ እዩ። (ፍ. 4) ኣመንቲ ምስ ዝዀኑ ብጾቱ ዀይኑ ድማ ንኣምላኽ ኣብቲ ማሕደር ኣምሊኽዎ እዩ። (ፍ. 6) ንየሆዋ ኸኣ ብጸሎት ኣጸቢቑ ደልይዎ እዩ። (ፍ. 7, 8) ብመገዲ ኣምላኽ ኪምሃር እውን ደልዩ እዩ። (ፍ. 11) ዳዊት ንእምነት ኣዝያ ኣገዳሲት ባህርይ ከም ዝዀነት ገይሩ ይርእያ ብምንባሩ፡ “እንተ ዘይኣምንሲ እንታይ ምዀንኩ፧” ኢሉ ሓቲቱ እዩ።—ፍ. 13።

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንእምነትካ እተደልድላ፧

ነቲ ኣብ መዝሙር 27 ተንጸባሪቑ ዘሎ ኣረኣእያን ልማዳትን እንተ ቐዲሕካዮ፡ ከም ናይ ዳዊት ዓይነት እምነት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። እምነት ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተት ስለ ዝዀነት፡ ቃል ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ብዝያዳ ብዘጽናዕካ መጠን፡ ነዛ መዳይ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ንምፍራይ እናቐለለካ እዩ ዚኸይድ። (መዝ. 1:2, 3) ከተጽንዕ ከለኻ፡ ግዜ ወሲድካ ኣስተንትን። ምስትንታን ከም ሓመድ ኪምሰል ይከኣል እዩ፣ ሞሳ ወይ ኣድንቖት ድማ ኣብኡ እዩ ዚበቍል። ንየሆዋ ዘሎካ ሞሳ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንዕኡ ብምምላኽን ተስፋኻ ንኻልኦት ብምንጋርን እምነትካ ኸተርኢ ዘሎካ ባህጊ እናሓየለ ኪኸይድ እዩ። (እብ. 10:23-25) ብተወሳኺ ድማ፡ ‘ከይተሓለልና ዅሉ ሳዕ ክንጽሊ’ ኸለና፡ እምነት ነርኢ ኢና። (ሉቃ. 18:1-8) ስለዚ፡ የሆዋ ኸም ‘ዚሓልየልካ’ ተኣማሚንካ፡ ‘ከየቋረጽካ ጸሊ።’ (1 ጴጥ. 5:7፣ 1 ተሰ. 5:17) እምነት ናብ ግብሪ ተለዓዕለና እያ፣ ግብርና እውን ብግዲኡ ንእምነትና የደልድላ እዩ።—ያእ. 2:22።

ብየሱስ እመን

የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይ እውን እመኑ” ኢሉ ተዛሪብዎም እዩ። (ዮሃ. 14:1) ስለዚ፡ ብየሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብየሱስ እውን ክንኣምን ኣሎና። ከመይ ጌርካ ኢኻ ብየሱስ ክትኣምን እትኽእል፧ ሰለስተ መገዲ እስከ ንርአ።

የሱስ ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ

ብየሱስ ምእማን እንታይ የጠቓልል፧

ቀዳማይ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ፡ ኣምላኽ ንዓኻ ኸም ዝሃበካ ውህበት ጌርካ ርኣዮ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እዚ . . . ህይወት፡ በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ” ኢሉ እዩ። (ገላ. 2:20) ብየሱስ እንተ ኣሚንካ፡ እቲ በጃ ኣባኻ ኸም ዚዓዪ፡ መሰረት እቲ ኻብ ሓጢኣትካ ሕድገት እትረኽበሉ መሰናድዎ ኸም ዝዀነ፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህበካ፡ ከምኡ እውን ኣምላኽ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ዝገለጸሉ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መረጋገጺ ኸም ዝዀነ ብጽኑዕ ትኣምን ኢኻ። (ሮሜ 8:32, 38, 39፣ ኤፌ. 1:7) እዚ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ኣሉታዊ ስምዒታት ንምውጋድ ዜኽእል ብርታዐ ኺህበካ እዩ።—2 ተሰ. 2:16, 17።

ካልኣይ፡ ብመሰረት እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ቕረብ። እቲ በጃ ስለ እተኸፍለልና፡ “ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበልን ብግዜኡ ዚረድኣና ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብን፡ በቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓት” ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (እብ. 4:15, 16፣ 10:19-22) ጸሎት ነቲ ኽንሓጥእ ዜጋጥመና ፈተና ኽንጻረር ዜኽእል ብርታዐ ይህበና እዩ።—ሉቃ. 22:40።

ሳልሳይ፡ ንየሱስ ተኣዘዞ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ እቲ ንወዲ ዘይእዘዞ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ዮሃ. 3:36) ዮሃንስ ንዘይተኣዛዝነት ኣንጻር ምእማን ገይሩ ኸም ዝጠቐሰ ኣስተብህል። ስለዚ፡ ንየሱስ ክትእዘዞ ኸለኻ ኢኻ ብእኡ እትኣምን። “ሕጊ ክርስቶስ፡” ማለት ኵሉ እቲ ንሱ ዝመሃሮን ዝኣዘዞን ብምስዓብ ድማ፡ ንየሱስ ትእዘዞ። (ገላ. 6:2) ብዘይካዚ ድማ፡ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ዚውሃብ መምርሒ ምስ እትስዕብ፡ ንየሱስ ትእዘዞ ኢኻ። (ማቴ. 24:45) ንየሱስ እንተ ተኣዚዝካዮ፡ ከም ብርቱዕ ውሒዝ ዝበለ ተጻብኦታት ንምጽዋር ዜኽእል ብርታዐ ይህልወካ እዩ።—ሉቃ. 6:47, 48።

‘በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትካ ንርእስኻ ህነጽ’

ሓደ እዋን፡ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ ንየሱስ፡ “እኣምን እየ! እምነት ኣብ ዚጐድለኒ ድማ ርድኣኒ!” ኢልዎ ነይሩ እዩ። (ማር. 9:24) እቲ ሰብኣይ እተወሰነ እምነት እኳ እንተ ነበሮ፡ ተወሳኺ እምነት ከም ዜድልዮ ግና ብትሕትና ተኣሚኑ እዩ። ኵላትና ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ከምዚ ሰብኣይ እዚ ተወሳኺ እምነት የድልየና እዩ። ኵላትና ድማ ሕጂ ንእምነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ከለና ንእምነትና ነደልድል ኢና፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ የዕምቖ እዩ። ብተወሳኺ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ሓቢርና ንየሆዋ ኸነምልኾን ተስፋና ኽንነግርን ብጸሎት ክንጸንዕን ከለና እውን፡ እምነትና ትሕይል እያ። እምነትና እንተ ኣደልዲልና ኸኣ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ዓስቢ ንረክብ ኢና። ቃል ኣምላኽ፡ “ኣቱም ፍቑራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም፡ . . . ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ።—ይሁ. 20, 21።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ