ዓንቀጽ መጽናዕቲ 46
ነቲ ‘ዓብዪ ዋልታ እምነትካ’ ትከናኸኖዶ ኣለኻ፧
“ዓብዪ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።”—ኤፌ. 6:16።
መዝሙር 119 እምነት ትሃልወና
መላለዪa
1-2. (ሀ) ብመሰረት ኤፌሶን 6:16፡ ስለምንታይ እዩ “ዓብዪ ዋልታ እምነት” ዜድልየና፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
“ዓብዪ ዋልታ እምነት” ኣሎካዶ፧ (ኤፌሶን 6:16 ኣንብብ።) ከም ዘሎካ ኣየጠራጥርን እዩ። ከምቲ ዓብዪ ዋልታ ንመብዛሕትኡ ኣካላት ሰብነት ካብ ጕድኣት ዜዕቍቦ፡ እምነትካ ኸኣ ኣብዚ ብልሹው ስርዓት እዚ ዘሎ ምንዝርናን ዓመጻን ረሲእነትን ካብ ዜሕድሮ ጽልዋ ተዕቍበካ እያ።
2 ይኹን እምበር፡ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና፣ እምነትና ድማ ብቐጻሊ ትፍተን እያ። (2 ጢሞ. 3:1) እሞ ደኣ እታ ኸም ዋልታ ዝዀነት እምነትካ ድልድልቲ እንተ ዀይና ኸመይ ጌርካ ኽትምርምር ትኽእል፧ ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ዋልታኻ ኣጽኒዕካ ኽትሕዝ እትኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ እስከ ንርአ።
ንዋልታኻ ተጠንቂቕካ መርምሮ
ድሕሪ ውግእ፡ ወተሃደራት ንዋላቱኦም ይጽግኑ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)
3. ወተሃደራት ንዋላቱኦም እንታይ ይገብርዎ ነይሮም፧ ስለምንታይከ፧
3 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ወተሃደራት ብቘርበት እተሸፈነ ዋላቱ እዮም ዚሕዙ ነይሮም። ስለዚ፡ እቲ ቘርበት ምእንቲ ኸይበላሾን እቲ ብሓጺን እተሰርሐ ኽፋሉ ምእንቲ ኸይምርትን፡ ንዋላቱኦም ዘይቲ ይለኽይዎ ነይሮም እዮም። ሓደ ወተሃደር ዋልታኡ ኸም እተበላሸወ እንተ ርእዩ፡ ንዚቕጽል ውግእ ወትሩ ድሉው ኪኸውን ኢሉ ንዋልታኡ ይጽግኖ ነይሩ እዩ። እዚ ኣብነት እዚ ምስ እምነትካ ብኸመይ ይተኣሳሰር፧
4. ንዋልታ እምነትካ ኽትምርምሮ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ኸምኡ እትገብር፧
4 ንስኻ እውን ወትሩ ንውግእ ድሉው ምእንቲ ኽትከውን፡ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ወተሃደራት ንዋልታ እምነትካ ኽትምርምሮን ክትከናኸኖን ኣሎካ። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ምስ እኩያት መናፍስቲ መንፈሳዊ ውግእ ኣሎና። (ኤፌ. 6:10-12) ዋላ ሓደ ሰብ ንዋልታ እምነትና ኺከናኸነልና ኣይክእልን እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ፈተናታት ንምስጋር ድሉው ከም ዝዀንካ ኸተረጋግጽ እትኽእል፧ ፈለማ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንምርካብ ክትጽሊ ኣሎካ። ድሕሪኡ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸምቲ ኣምላኽ ዚርእየካ ጌርካ ንምርኣይ፡ ንቓል ኣምላኽ ክትጥቀመሉ ኣሎካ። (እብ. 4:12) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ” ይብል። (ምሳ. 3:5, 6) እሞ ደኣ በዚ ሓሳብ እዚ ጌርካ ንገለ ኻብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝገበርካዮ ውሳነታት ስለምንታይ ዘይትምርምሮ፧ ንኣብነት፡ ከቢድ ናይ ገንዘብ ጸገም ኣጋጢሙካዶ ነይሩ፧ እሞኸ ሽዑ ነቲ የሆዋ ኣብ እብራውያን 13:5፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ ዝኣተዎ ቓል ዘኪርካዮዶ፧ እቲ ቓል እቲ፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ እምንቶ ኣሕዲሩልካዶ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንዋልታ እምነትካ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ሓሊኻዮ ኸም ዘለኻ እዩ ዚሕብር።
5. ንእምነትካ ምስ መርመርካያ፡ እንታይ ትረክብ ትኸውን፧
5 ንእምነትካ ተጠንቂቕካ ምስ መርመርካያ፡ እቲ ዝረኸብካዮ ነገር የገርመካ ይኸውን። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዘየስተብሃልካሉ ድኽመታት ትርከብ ትኸውን። ንኣብነት፡ እምብዛ ጭንቀትን ሓሶትን ተስፋ ምቝራጽን ንእምነትካ ጐዲእዋ ኸም ዘሎ ትግንዘብ ትኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንእምነትካ ኻብ ተወሳኺ ጕድኣት ክትሕልዋ እትኽእል፧
ገዛእ ርእስኻ ኻብ እምብዛ ጭንቀትን ካብ ሓሶትን ካብ ተስፋ ምቝራጽን ኣዕቍብ
6. ገለ ኻብቲ ጽቡቕ ዓይነት ጭንቀት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧
6 ገሊኡ ዓይነት ጭንቀት ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንየሆዋን ንየሱስን ባህ ብዛዕባ ምባል የተሓሳስበና እዩ። (1 ቈረ. 7:32) ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ምስ ኣምላኽ ዝነበረና ዕርክነት ናብ ዝነበሮ ምምላስ የጨንቐና እዩ። (መዝ. 38:18) ሰብ ሓዳር ዘበልና ኸኣ ንመጻምድትና ባህ ብዛዕባ ምባል ንጭነቕ ኢና። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ዅነታት ኣባላት ስድራ ቤትናን ብዛዕባ ክርስትያናት ብጾትናን ንሻቐል ኢና።—1 ቈረ. 7:33፣ 2 ቈረ. 11:28።
7. ብመሰረት ምሳሌ 29:25፡ ንሰብ ክንፈርህ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
7 በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ እምብዛ ጭንቀት ንእምነትና ኺጐድኣ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እኹል ምግቢ ወይ ክዳን ብዛዕባ ምርካብ ወትሩ ንጭነቕ ንኸውን። (ማቴ. 6:31, 32) ነቲ ጭንቀትና እቲ ኸነፍኵስ ኢልና ድማ፡ ስጋዊ ጥሪት ኣብ ምድላብ ነተኵር ንኸውን። ሕሉፍ ሓሊፍና ኸኣ ፍቕሪ ገንዘብ ነማዕብል ንኸውን። ከምዚ ኼጋጥም እንተ ፈቒድና፡ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ትደክም፡ ከቢድ መንፈሳዊ ጕድኣት እውን የጋጥመና እዩ። (ማር. 4:19፣ 1 ጢሞ. 6:10) ወይ ከኣ ብኻልእ መገዲ እምብዛ ንጭነቕ፡ ማለት ብሰብ ተቐባልነት ንምርካብ እምብዛ ንጭነቕ ንኸውን። እዚ ዓይነት ጭንቀት እንተ ኣልዩና፡ ካብቲ ንየሆዋ ኸይነጕህዮ ዘሎና ፍርሂ ንላዕሊ፡ ካብ ሰብ ዜጋጥመና ላግጺ ወይ መስጐጕቲ ኼፍርሃና ይኽእል እዩ። ገዛእ ርእስና ኻብዚ ሓደጋ እዚ ንምሕላው፡ ንየሆዋ፡ ነቲ ብድሆ ንምስጋሩ ዜኽእል እምነትን ትብዓትን ኪህበና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 29:25 ኣንብብ፣ ሉቃ. 17:5።
(ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)b
8. ንሓሶት እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህበሉ ዘሎና፧
8 ሰይጣን “ኣቦ ሓሶት” ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓሶት ንምንዛሕ ይጥቀመሎም እዩ። (ዮሃ. 8:44) ንኣብነት፡ ከሓድቲ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ብወብሳይትን ብተለቪዥንን ብኻልእ መራኸቢ ብዙሓንን ኣቢሎም ሓሶትን ቄናን ዘረባን ይነዝሑ እዮም። እዚ ሓሶት እዚ ኸኣ፡ ገለ ኻብቲ “ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት” ሰይጣን እዩ። (ኤፌ. 6:16) ሓደ ሰብ ንገለ ኻብዚ ሓሶት እዚ ሒዙልና እንተ መጺኡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኣይንሰምዖን ኢና! ስለምንታይ፧ ከመይሲ፡ ኣብ የሆዋ እምነት ኣሎና፡ ንኣሕዋትና እውን ንኣምኖም ኢና። ስለዚ፡ ምስ ከሓድቲ ዝዀነ ይኹን ርክብ ኪህልወና ኣይንደልን ኢና። ብዝዀነ ይኹን ነገር፡ እንተላይ በቲ ንምፍላጥ ዘሎና ህንጥዮት ተለዓዒልና፡ ምሳታቶም ኣይንማጐትን ኢና።
9. ተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧
9 ተስፋ ምቝራጽ ንእምነትና ኼዳኽማ ይኽእል እዩ። ስለምንታይሲ፡ ንብሕታዊ ጸገማትና ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡ ዚገብር ሰብ፡ ሓላፍነት ኣይስምዖን እዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ጸገማትና ንኣተሓሳስባና ኺዕብልሎ ኸነፍቅድ የብልናን። እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነታ የሆዋ ዝሃበና እተደንቕ ተስፋ ኽንስእና ንኽእል ኢና። (ራእ. 21:3, 4) ድሕሪኡ፡ ተስፋ ምቝራጽ ንሓይልና ኺጽንቅቖ እሞ ኽንሕለል ንኽእል ኢና። (ምሳ. 24:10) ግናኸ፡ ነዚ ኽንከላኸሎ ንኽእል ኢና።
10. ሓንቲ ሓብቲ ኻብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ እንታይ ትምሃር፧
10 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ንዝሓመመ ሰብኣያ እናኣለየት ብኸመይ እምነታ ኸም እትከናኸን እስከ ንርአ። ንሳ ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ ኸምዚ ኢላ ኣላ፦ “ሓድሓደ ግዜ ዅነታትና ዜጨንቕን ተስፋ ዜቝርጽን ይኸውን እዩ፡ ተስፋና ግና ድልድልቲ እያ። በቲ ንእምነትና ንምድልዳልን ንመንፈስና ንምልዕዓልን ዚውሃበና ዘሎ ትምህርቲ ብዙሕ ተመሲጠ እየ። እዚ ምኽርን መተባብዕን እዚ ብሓቂ የድልየና እዩ። ጕዕዞና ኽንቅጽል፡ ነቲ ሰይጣን ዚድርብየልና ፈተናታት እውን ክንጻወር ይሕግዘና እዩ።” ንተስፋ ምቝራጽ ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ካብ ሓሳባት እዛ ሓብቲ ኽንምሃር ንኽእል ኢና! ብኸመይ፧ ንመከራኻ ኻብ ሰይጣን ከም ዚመጽእ ፈተና ጌርካ ርኣዮ። ካብ የሆዋ መጸናንዒ ኸም እትረክብ እመን። ነቲ ንሱ ዜቕርቦ መንፈሳዊ ምግቢ እውን ኣማስወሉ።
ነቲ ‘ዓብዪ ዋልታ እምነትካ’ ትከናኸኖዶ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)c
11. ደረጃ እምነትና ንምፍታን፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧
11 እሞኸ ንዋልታ እምነትካ ኽትከናኸነሉ ዜድሊ መዳያት ረኺብካዶ፧ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፡ ካብ እምብዛ ጭንቀት ክትርሕቕ ክኢልካዶ፧ ከሓድቲ ንዚነዝሕዎ ሓሶት ከይትሰምዕ ወይ ምሳታቶም ከይትማጐት ወሲንካዶ፧ ንተስፋ ምቝራጽከ ክትዋጽኣሉ ኽኢልካዶ፧ ከምዚ እንተ ጌርካ፡ እምነትካ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ እያ ዘላ። ሰይጣን ካልእ ኣጽዋር ስለ ዘለዎ ግና፡ ወትሩ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ቀጺልና፡ ሓደ ኻብቲ ኣጽዋሩ እስከ ንርአ።
ገዛእ ርእስኻ ኻብ ፍቕረ ንዋይ ኣዕቍብ
12. ፍቕረ ንዋይ እንታይ ከም እንገብር እዩ ኺገብረና ዚኽእል፧
12 ፍቕረ ንዋይ ኣብ ካልእ ከም እነስግልን ንዋልታ እምነትና ዕሽሽ ከም እንብሎን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ምስዚ ብዚተኣሳሰር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ወተሃደር ኰይኑ ዜገልግል ዘበለ፡ ነቲ ወተሃደር ኪኸውን ዝኸተቦ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ፡ ብንግዳዊ ዕዮ ዚጠላለፍ የልቦን” ኢሉ እዩ። (2 ጢሞ. 2:4) ከም ሓቂ፡ ወተሃደራት ሮሜ ኣብ ካልእ ዕዮ ኺሳተፉ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ሓደ ወተሃደር ነዚ ቐይዲ እዚ ዕሽሽ እንተ ኢልዎ፡ እንታይ ኬጋጥም ይኽእል ነይሩ፧
13. ስለምንታይ እዩ ሓደ ወተሃደር ኣብ ንግዳዊ ዕዮ ዘይሳተፍ ነይሩ፧
13 ነዚ ዚስዕብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓደ ንግሆ፡ ወተሃደራት ብኣስያፎም ልምምድ ኪገብሩ ኸለዉ፡ ሓደ ወተሃደር ምሳታቶም ኣይለማመድን። እቲ ወተሃደር እቲ ናብ ከተማ ኸይዱ፡ ኣብ ድኳኑ ምግቢ ይሸይጥ። ምስ መሰየ፡ እቶም ወተሃደራት ኣጽዋሮም ይምርምሩ፡ ኣስያፎም እውን ይስሕሉ። እቲ ወተሃደር ግና፡ ኣብ ድኳኑ ዀይኑ ንጽብሒቱ ዚሸጦ ምግቢ የዳሉ። ንጽብሒቱ ግና፡ ጸላኢ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ይፍኑ። እሞ ደኣ ሽዑ መጥቃዕቲ ንምምካትን ሞገስ ኣዛዚኡ ንምርካብን ድሉው ኰይኑ ዚጸንሕ መን እዩ፧ ንስኻኸ ነየናይ ወተሃደር ኣብ ጐድንኻ ኪኸውን ምሓረኻ—ንሓደ ብኣትኵሮ ኺዳሎ ዝጸንሐዶ ወይስ ንሓደ ኣብ ካልእ ኣስጊሉ ዝጸንሐ፧
14. ወተሃደራት ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን፡ እንታይ ኢና ኣኽቢርና እንርኢ፧
14 ንሕና እውን ከም ንፉዓት ወተሃደራት መጠን፡ ካብቲ ቐንዲ ሸቶና ናብ ካልእ ኣይነስግልን ኢና፣ እቲ ቐንዲ ሸቶና ኸኣ፡ ሞገስ እቶም ኣዘዝትና ዝዀኑ የሆዋን ክርስቶስን ምርካብ እዩ። ነዚ ነገር እዚ፡ ካብቲ ናይ ሰይጣን ዓለም እተቕርቦ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ንየሆዋ ንምግልጋል፡ ንዋልታ እምነትና ዀነ ንኻልእ መንፈሳዊ ኣጽዋርና ኸኣ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ንምሕላው፡ ግዜናን ጕልበትናን ንውፊ ኢና።
15. ጳውሎስ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂቡና፧ ስለምንታይከ፧
15 ወትሩ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና! ስለምንታይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ “እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ፡” “ካብ እምነት ዘምቢሎም” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ። (1 ጢሞ. 6:9, 10) እታ “ዘምቢሎም” እትብል ቃል፡ ዘየድሊ ጥሪት ከነጥሪ ኢልና ናብ ካልእ ከነስግል ከም እንኽእል ትሕብር። ሽዑ፡ ንልብና ናብ “ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት” ከነቃልዖ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝበለ ትምኒት ናብ ልብና ኺኣቱ ኣብ ክንዲ እነፍቅድ፡ ኪጐድኣና ዚኽእል ኣጽዋር ምዃኑ ኸነለልዮ ኣሎና።
16. እቲ ኣብ ማርቆስ 10:17-22 ዚርከብ ዛንታ፡ ብዛዕባ እንታይ ሕቶታት ከም እንሓስብ እዩ ኺገብረና ዘለዎ፧
16 ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ንምዕዳግ ዜኽእል ገንዘባዊ ዓቕሚ ኣሎና ንበል። ቃሕ ዝበለና ግናኸ ብሓቂ ዘየድልየና ንብረት እንተ ዓዲግና፡ ጌጋ ዲና እንገብር ዘለና፧ ጌጋ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ግና ንሕሰበሉ፦ ሓደ ነገር ንምዕዳግ ዓቕሚ እኳ እንተ ኣሎና፡ ክንጥቀመሉን ክንከናኸኖን ዜኽእል ግዜን ጕልበትን ግና ኣሎና ድዩ፧ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ምስቲ ጥሪትና ፍቕሪ ኺሕዘና ይኽእል ደዀን ይኸውን፧ ንስጋዊ ጥሪትና ዘሎና ፍቕሪኸ ኸምቲ ኣገልግሎቱ ኼስፍሕ ካብ የሱስ ዕድመ ዝቐረበሉ እሞ ነቲ ዕድመ ዘይተቐበሎ ጐበዝ ይገብረና ደዀን ይኸውን፧ (ማርቆስ 10:17-22 ኣንብብ።) ካብዝስ ቀሊል ናብራ እናነበርና ነቲ ኽቡር ግዜናን ጕልበትናን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እንተ ኣሕለፍናዮ ኣጸቢቑ ይሓይሽ!
ንዋልታ እምነትካ ኣጽኒዕካ ሓዝ
17. እንታይ ኢና ኸቶ ኽንርስዕ ዘይብልና፧
17 ኣብ ውግእ ከም ዘለና፡ መዓልቲ መዓልቲ እውን ክንቃለስ ከም ዘሎና ኸቶ ኽንርስዕ የብልናን። (ራእ. 12:17) ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዋልታ እምነትና ኺጾሩልና ኣይክእሉን እዮም። ንሕና ባዕልና ኢና ኣጽኒዕና ኽንሕዞ ዘሎና።
18. ስለምንታይ እዮም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ወተሃደራት ንዋላቱኦም ኣጽኒዖም ዚሕዙ ዝነበሩ፧
18 ብግዜ ጥንቲ፡ ሓደ ወተሃደር ኣብ ውግእ ብዜርእዮ ጅግንነት ይኽበር ነይሩ እዩ። ብዘይ ዋልታኡ ናብ ዓዱ እንተ ተመሊሱ ግና፡ ውርደት እዩ ዚስምዖ ነይሩ። ታሲተስ ዚብሃል ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “ዋልታኻ ሓዲግካ ምምጻእ፡ ዝኸፍአ ውርደት እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ወተሃደራት ንዋላቱኦም ኣጽኒዖም ዚሕዘሉ ዝነበሩ ሓደ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ ነይሩ።
ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ነቲ ዓብዪ ዋልታ እምነታ ኣጽኒዓ ንምሓዝ፡ ብጸሎት ቃል ኣምላኽ ተንብብ፡ ኣዘውቲራ ኣብ ኣኼባታት ትእከብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ድማ ምሉእ ብምሉእ ትሳተፍ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)
19. ከመይ ጌርና ኢና ንዋልታ እምነትና ኣጽኒዕና ኽንሕዝ እንኽእል፧
19 ንዋልታ እምነትና ኣጽኒዕና ንምሓዝ፡ ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብን ብዛዕባ ስም የሆዋን መንግስቱን ንሰባት ክንነግርን ኣሎና። (እብ. 10:23-25) ብዘይካዚ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብጸሎት ቃል ኣምላኽ ከነንብብን ኣብ ኵሉ ተግባርና ንምኽሩ ዀነ ንመምርሒኡ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኵሉ እቲ ሰይጣን ኣንጻርና ዚጥቀመሉ ኣጽዋር ነባሪ ጕድኣት ኣይኬምጽኣልናን እዩ። (ኢሳ. 54:17) እቲ ‘ዓብዪ ዋልታ እምነትና’ ኼዕቍበና እዩ። ኣብ ጐድኒ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጸኒዕና ኽንቀውም ኢና። ኣብ መዓልታዊ ቓልስና ኻብ እንረኽቦ ዓወት ንላዕሊ እውን ክንረክብ ኢና። እወ፡ የሱስ ምስ ሰይጣንን ሰዓብቱን ኣብ ዚገብሮ ውግእ ኪዕወት ከሎ፡ ኣብ ጐድኑ ናይ ምዃን ክብሪ ኽንረክብ ኢና።—ራእ. 17:14፣ 20:10።
መዝሙር 118 “እምነት ወስኸና”
a ወተሃደራት ገዛእ ርእሶም ካብ ጕድኣት ንምዕቋብ፡ ዋልታ ኺጾሩ ነይርዎም። እምነትና ኸም ዋልታ እያ። ከምቲ ዋልታ ኽንክን ዜድልዮ፡ እምነትና እውን ክንክን የድልያ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ‘ዓብዪ ዋልታ እምነትና’ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ኸም ዘሎ ንምርግጋጽ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ትገልጽ።
b መግለጺ ስእሊ፦ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓሶት ዚነዝሑ ኸሓድቲ ኣብ ቲቪ ኺርኣዩ ምስ ጀመሩ፡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ቲቪ ብኡብኡ የጥፍእዋ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ደሓር፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ እቲ ኣቦ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ንእምነት ስድራ ቤቱ የደልድል።