ትፈልጥዶ፧
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣመሓደርቲ ቤት እንታይ ዕዮታት እዩ ነይርዎም፧
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንቤት ወይ ንንብረት ካልእ ሰብ ዜመሓድሩ ኣመሓደርቲ ቤት ነይሮም እዮም።
ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ኣብ ግብጺ ባርያ ምስ ኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ጐይታኡ ኣመሓዳሪ ዀይኑ ይዓዪ ነይሩ እዩ። እቲ ግብጻዊ ጐይታኡ ኸኣ፡ ‘ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሂብዎ’ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 39:2-6) ጸኒሑ፡ ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ገዛኢ ምስ ኰነ፡ ንሱ እውን ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኣመሓዳሪ ሸይሙ ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 44:4።
ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰብ መሬት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ሕርሻኦም ርሒቖም ኣብ ከተማታት እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ስለዚ፡ እቶም ሰብ መሬት ነቲ ሸቃሎኦም ኣብ መሬቶም ዚዓይይዎ መዓልታዊ ንጥፈታት ዚቈጻጸር ኣመሓዳሪ ይሸሙ ነይሮም እዮም።
እሞ ደኣ መን እዩ ኣመሓዳሪ ቤት ኰይኑ ዚሽየም ዝነበረ፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኮልየመላ ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ ሓላፍነት ዚውሃቦ ወይ ኣመሓዳሪ ቤት ዚኸውን ባርያ፡ “ብተመክሮ እተፈተነ” ኪኸውን ከም ዚግባእ ምኽሪ ሂቡ ነይሩ እዩ። እቲ ሰብ እቲ “ብዘይ ሸለልትነትን ብዘይ ጭካነን ስልጣኑ ንምጥቃም ዜኽእል ባህርያት” ዘለዎ ኪኸውን ከም ዚግባእ ድማ ገሊጹ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ልዕሊ ዅሉ ድማ እዚ የድልዮ እዩ፡—ዘይፈልጦ ነገር ከም ዚፈልጦ ገይሩ ኺሓስብ የብሉን፡ ወትሩ ኸኣ ኪምሃር ዚደሊ ኪኸውን ኣለዎ” በለ።
ቃል ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚግበር ገለ ንጥፈታት ብምሳሌ ኺገልጽ ከሎ፡ ነታ ኣመሓዳሪ ቤት እትብል ቃል ጠቒስዋ ኣሎ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተቐበልዎ ኽእለቶም ኪዛረብ ከሎ፡ “ከም ሕያዎት ኣመሓደርቲ እቲ ብእተፈላለየ መገዲ ዚግለጽ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም ኣሎ።—1 ጴጥ. 4:10።
የሱስ እውን ኣብታ ኣብ ሉቃስ 16:1-8 እትርከብ ምሳሌ፡ ንኣመሓዳሪ ቤት ከም ኣብነት ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። ብዘይካዚ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኰይኑ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ምልክቱ እንታይ ምዃኑ ኺንበ ኸሎ፡ ንሰዓብቱ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ወይ “እሙንን ኣስተውዓልን ኣመሓዳሪ ቤት” ከም ዚሸመሎም ኣረጋጊጹሎም ኣሎ። ቀንዲ ዕዮ እቲ ኣመሓዳሪ ቤት እቲ ድማ፡ ነቶም ብግዜ መወዳእታ ዚነብሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ስሩዕ መንፈሳዊ ምግቢ ምድላው እዩ። (ማቴ. 24:45-47፣ ሉቃ. 12:42፡ እ.ጽ.) ንሕና ኸኣ ተጠቀምቲ እቲ እሙን ኣመሓዳሪ ቤት ዜዳልዎን ኣብ ብዘላ ዓለም ዜቕርቦን እምነት ዜድልድል ጽሑፋት ምዃንና ብዙሕ ኢና እነመስግን።