ንጽህና ንኣምላኽ ክብሪ ይህቦ
1 ሕጊ ሙሴ ንጽህና ንኽሕሎ ዝገብር ጽኑዕ ሕግታት ሒዙ ይርከብ። ንእስራኤላውያን ብስጋን ብመንፈስን ንጹሃት ክኾኑ ብምሕታት ፍሉያት ህዝቢ ገበሮም ። (ዘሌ. 11:35, 36፣ 15:1–11፣ ኢሳ. 52:11) እዚ ንጹህ ኩነታት እዚ ንኣምላኽ ክብሪ ሂብዎ: ንጥዕና ናይቲ ህዝቢ ድማ ኣበርኪቱ ኢዩ ።
2 ሎሚውን እንተኾነ ንጽህና ናይ ህዝቢ የሆዋ ምልክት መለለይኦም ኢዩ ። ምንም እኳ እዚ ብማሕበር ደረጃ መለለዪ ህዝቢ የሆዋ እንተኾነ ንዓና ብውልቅናኸ ከምኡ ድዩ ? ብመጠን እቲ ብዛዕባ ጽሬትን ብሕታዊ ንጽህናን ዘሎና ተገዳስነት ብእኡ መጠን ድማ ኢና ነቲ የሆዋ ዝደልዮ ሞሳና እንገልጽ ።
3 ገዛናኸ ከመይ ኢዩ ? ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና መልኽቲ ናይታ መንግስትስ ክብሩዶ ይቕንሰሉ ኢዩ ? ገዛና ዘይእርኑብ እቲ መካባቢያ ድማ ብዘይተዓጽደ ሳዕርን ጻህያይን መሊኡ ከሎ ብዛዕባ ንምድሪ ናብ ገነት ምልዋጥ ምዝራብናስ ንቕንዕናናዶ ኣብ ጥርጠራ ከእትዎ ኣይክእልን ኢዩ ? ገዛና ዘይእርኑብ ምስ ዝኸውን ወይ ድማ ብምኽንያት ጉድለት ጽሬት ደስ ዘየብል ሽታ ምስ ዝህልዎስ “ምስታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትህሉ ሓዳስ ዓለም ዝሰማማዕ ስርዓታት ናይ ንጽህና” ኣማዕቢልናዶ ክንብል ንኽእል ኢና ? — ኣገልግሎትና ገጽ 130–131
4 ብዛዕባ እታ ንግራት ኣገልግሎት እንጥቀመላ መኪናኸ እንታይ ንበል ? ነቲ ዕዮና ምእንቲ ክብሩ ከይቅንሶስ ብውሽጣን ደጊኣንዶ ንጽህቲ ኢያ ? ብዛዕባ ክዳንናን ቦርሳናን ኣከዳድናናንከ ? ንመጽረፊ ምኽንያት ዘይኮኑ ንጹሃትን ተቐባልነት ዘለዎምን ድዮም ? ስርዓታውያን ኮይንና ነብስናን ክዳንናን ክንሓጽብ ምኽንያታዊ ኢዩ ። — ግ/ዘ እንግሊዝኛ 89 6/1 ገጽ 16-19
5 ሓደ ሓው ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ከባቢኡን ጽሬት ዘይከታተል ብምዃኑ ነታ ጉባኤ መጽረፊ ምኽንያት ምስ ዝኸውንከ ? ምናልባት ብምኽንያት ዕድመ ወይ ገለ ጉድለት ብምህላዉ ፍቕራዊ ሓገዝኩም የድልዮ ይኸውን ። ከምኡ እንተድኣ ኮይኑ ምሕጋዝኩም ሕያውነት ኢዩ ። ገለ ኸኣ እቲ ጸገም እናሃለዎ ከሎ ዘለዎ ኮይኑ ኣይስምዖን ይኸውን ። ሕያውነት ዝመልኦ ተግሳጽ ነቲ ኵነታት ከዐርዮን ከለዓዕሎን ይኽእል ኢዩ ። በዚ መገዲ እዚ ብተደጋጋሚ ሕማቕ ኣርኣያ ዝኾኑ ንዝለዓለ መሰላት ኣብታ ጉባኤ ክምዘዙ ኣይክእሉን ኢዮም ። ርግጽ ኢዩ ሽምግለታት ናይ ብሕቶም መለክዕን ምርጫን ከየመሓላልፋ ክጥንቀቑ ኣለዎም ።
6 ሓደስቲ ግዱሳት ሰባት ስቡሕ መንፈሳዊ መግቢ ክምገቡ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ይዕደሙ ኢዮም ። ኩሉ ግዜ እቲ ኣደራሽ ዝማርኽን ጽሩይን ስለዝኾነ ዕድመና ክንዝርግሕ ንደሊ ኢና ። ከምዚ ጌርና ክንሕዞ: ምስራሕ ከድልየና ኢዩ ። ነቲ ኣዳራሽ ተዓዘብዎ ። እቶም ሰድያታትን ምድሪ ቤትን መናድቕንሲ ጹሩያት ድዮም ? እቲ ዝተረፈ ካልእ ክፍልታትከ ብስርዓት ተፋሕፊሑ ዝጸረየ ድዩ ? ናብቲ ረሳሕ ምንጻፍን ሕብሩ ዝተቐላለጠ መናድቕን ምርኣይ ምስ ለመድናዮ ከም ቅቡል ጌርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና ። ይኹን እምበር እዚ ነቶም ንመጀመርያ ግዜ ዝመጹ ሓደስቲ ዘየሐጕስ ስምዒት ክገድፈሎም ይኽእል ኢዩ ። እቲ ኣደራሽ ደስ ዘብልን ዝማርኽን ምእንቲ ክኸውን ኣብቲ ዘድሊ እዋን ከነጽርዮን ከነማዓራርዮን ዝከኣለና ክንገብር ይግብኣና ።
7 ሓንቲ ቃል ከይተዛረብና ብጽሬት ነብስናን ብጽሬት ገዛናን መኪናናን ኣደራሽ መንግስትናን ንኣምላኽ ከነኽብሮ ንኽእል ኢና ። ጽቡቕ ኣብነትና ንኻልኦት መዐንቀፊ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ኣምልኾና ንጹህን ቅኑዕን ከም ዝኾነ ክምስክር ኢዩ ። — 1ቈረ. 10:31, 32፣ ያእ. 1:27