እቶም ንኣሽቱ ሰናይ ኣብነት ይደልዩ ኢዮም
1 ‘ንስም የሆዋ ዝውድሱ’ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መንእሰያት ስለ ዘለዉና ንሕጐስ ኢና። (መዝ. 148:12, 13) መብዝሕትኦም ገና ብዕድመ ኣዝዮም ንኣሽቱ ኢዮም ዘለዉ። እቲ ምዕባሌኦም ዝበዝሕ በቲ ወለዶምን ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብዝገብርሎም ምልምማድን ኣብነትን ኢዩ ዝውሰን። ዝኾነ ኾይኑ ግና ካልእ ሸለል ክበሃል ዘይግብኦ ነገር: እቲ በቶም ክልተ ወገን መንእሰያት ማለት ኣብ ዕድመ ኮተቴ ዘለዉ መንእሰያትን ብፍላይ ከኣ ፍርዝን ዝበሉ መንእሰያትን ኣጉባዝን ዝግበር ጽልዋ ኢዩ። ካብዞም ኣብዚ ዕድመ እዚ ዘለዉ መንእሰያት እንተደኣ ኾይንካ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ።
2 እቶም ኣብቲ ቅድሚ ናይ ኮተቴ ዕድመ ዘለዉ መናእሰይ ነቶም ካብኦም ዝዓብዩ ኮተቴ ክመስልዎም ናይ ምድላይ ዝንባሌ ኣለዎም። ነቶም ዘድንቕዎም ናይ ማሕርሮ ኣዕሩኾም ናይ ምምሳል ባህርያዊ ባህጊ ኣለዎም። ነቶም ካባታቶም ዝዓብዩ እሞ ፈላጣትን ዝያዳ ምዕብልና ዘለዎም ዝመስሉ መንእሰያት ናይ ምጥማት ዝንባሌ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ንኣዘራርባኻን ጠባይካን ከምኡውን እቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎካ ሞሳን ኣብ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት እትገብሮ ምስታፍን ክቐድሕዎ ይኽእሉ ኢዮም።
3 ከም ዕብይ ዝበለ ኮተቴ መጠን: መሰልን ከቢድ ሓላፍነትን ኢዩ ዘሎካ። ሕጂ ሕጂ: እቲ እተርእዮ ዘሎኻ ኣብነት ነቶም ንኣሽቱ ብጾትካ ይጸልዎም ይህሉ ኢዩ። ስለዚ ንርእስኻ ‘ነቶም ንኣሽቱ እንታይ ዓይነት ጽልዋ እየ ዝገብረሎም ዘሎኹ፧ ንዕሽነትን ንግጉይ “ትምኒት ጉብዝናን” ዘርሕቕ ረዚን ኣተሓሳስባ ዘሎኒ ሰብ ድየ፧ ንወለደይን ንሽማግሌታትን ንኻልኣት ዓበይቲ ሰባትንዶ ምእዛዝን ኣኽብሮትን አርእዮም ኢየ፧’ ኢልካ ሕተት። (2 ጢሞ. 2:22፣ ቈሎ. 3:20) እቲ እትብሎን እትገብሮን ንመንፈሳዊ ምዕባለ ናይቶም ንተግባራትካ ዝዕዘቡ ካልኦት መናእሰይ ወሳኒ ረቋሒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
4 እቲ ቀዳማይ ዕዮ ናይታ ጉባኤ ምስባኽ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ። ኣብዚ ስብከት እዚ ብፍታውን ብዘይምቍራጽን ክትሳተፍ ከሎኻ ንብጾትካ ዝያዳ ንጡፋት ክኾኑ ከተባብዖም ይኽእል ኢዩ። ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ንምቕባል እንተድኣ ክኢልካ: ኣዕሩኽካውን ብተመሰሳሊ መገዲ ኽነቓቕሑ ኢዮም። ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ምሃብን: ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲውን ኣድላዪ ዝኾነ ዕዮታት ብምዕያይ ሓገዝካ ብፍታው ትውፊ እንተድኣ ኾይንካውን ጽቡቕ ኣብነት ክኸውን ይኽእል።
5 ሽሕኳ ጢሞቴዎስ: ጳውሎስ ነዚ ዝስዕብ ምኽሪ ክህቦ ኣብ ዕድመ ኮተቴ እንተዘይነበረ: ኣቱም ኣብ ዕድመ ኮተቴ ዘሎኹም መንእሰያት ነቲ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ነቶም ኣመንቲ [እሙናት ትሓዓ] ብቃል: በኻይዳ: ብፍቕሪ: ብእምነት: ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም።” (1 ጢሞ. 4:12) ኣብቲ ናይ የሆዋ ኣገልግሎት ብምዉቕ ስምዒትን ብምሉእ ነፍስን እንተድኣ ተኻፊልካ: ነቶም ብጾትካን ንኣሽቱን ተዓዘብቲ ብኣወንታዊ መገዲ ክጸልዎም ኢዩ: ብመንፈስ ዝዓበዩ ብሱላት ሰብኡት ንክኾኑ ምዕባሌ ከርእዩ ድማ ክሕግዞም ኢዩ። (ኤፌ. 4:13) እቶም ስድራ ቤቶም ሕጂ ጽንዓት ዝጀመሩ መንእሰያትውን በቲ ኣባኻ ዝርኣይዎ ሰናይ ኣብነት ናብ ሓቂ ክስሓቡ ይኽእሉ ኢዮም።
6 ካብኡ ዝዓበየ ኸኣ እቲ አምላኻዊ ባህርያት ከተርኢ ኢልካ እትገብሮ ጻዕሪ ንየሆዋን ንማሕበሩን ጽቡቕ ሞገስ ዘንጸባርቕ ኢዩ። (ምሳሌ 27:11) ቅኑዓት ተዓዘብቲ ነቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ መንእሰያትን ዘሎ ዘገርም ፍልልይ ርእዮም ክድነቑ ኢዮም። ስለዚ ነቶም መናእሰይ ንምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኢዩ ዘሎካ: ብሓደ ወገን ከኣ ንውዳሴ የሆዋ ክቡር ኣበርክቶ ትገብር ኣሎኻ ማለት ኢዩ።— መዝ. 71:17