ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብ ኣኼባታት ብኸመይ ኢና ፍረ ዘለዎ ሓሳብ ክንህብ እንኽእል?
ኣብ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብሓባር ክንእከብ ተሃንጢና ኢና እንጽበዮ። ኣብኡ ሓሳባት ብምሃብ እምነትና ክንገልጽን ንኻልኦት ክንሃንጽን ኣጋጣሚ ኣሎና። (ምሳ. 20:15፣ እብ. 10:23, 24) ሓሳብ ምሃብ ከም መሰል ክንቈጽሮን ስርዓታዊ ተሳታፍነት ክህልወናን ክንጽዕር ይግብኣና። ነዚ ብኸመይ ብስሉጥ ምገበርናዮ?
ምድላው ቀዳማይ ስጉምቲ ኢዩ። ኣቐዲምካ ነቲ ጽሑፍ ከተንብቦን ብዛዕባኡ ኣዕሚቝካ ክትሓስብን ኣገዳሲ ኢዩ። ናይቲ ቐሪቡ ዘሎ መንፈስ ክትርድኦ ፈትን። እቲ ኣርእስቲ ኣብ ዝሓለፈ ተዘሪቡሉ እኳ እንተ ነበረ: ናብቶም ቀሪቦም ዘለዉ ዝሰፍሑን ዝዓዘዙን ነጥብታት ሃሰው በል። ነቲ ሓፈሻዊ ፍረ–ነገር ናይቲ ጽሑፍ ኣብ ኣእምሮኻ ሓዝ። ካብ ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ: ንኣብነት ካብ ራእይ ፍጻሜኡ (እንግሊዘኛ) ሓሳባት ከተዳሉ ከሎኻ: ሓደ ጥቕሲ ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ጥቕስታት ብኸመይ ከም እተታሓሓዘ ከተስተውዕለሉ ፈትን። ነዞም ርእይቶታት እዚኣቶም ምስዓብ ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለትካ ከበራብሮ ኢዩ። ጽቡቕ ሓሳባት ከተዳሉን ኣብቲ ተሳትፎኻ ድማ ሓጐስ ክትረክብን ክሕግዘካ ኢዩ።
ንጹር: ብቐሊሉ ዝቐረበ: ኣብቲ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ እተመስረተ ሓሳባት እቲ ዝበለጸ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ሓሳባት ዝህብ: ነቲ ካልእ ነጥብታት ተወሳኺ ሓሳባት ክወሃቦ ብምግዳፍ: ብቐጥታ ነቲ ሕቶ ክምልስ ኣለዎ። ብዙሕ ግዜ ዝቐትልን ካልኦት ከይሳተፉ ዝኽልክልን ነዊሕን ዘይንጹርን መልሲ ኣወግዶ። እትህቦ ሓሳባት ነቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ቃል ብቓሉ ኣብ ክንዲ እተንብብ: ብናትካ ቃላት ገይርካ ግለጾ። ተወሳኺ ሓሳባት ነቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታት ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ዘየደሊ ምድጋም ምእንቲ ከተወግድ ነቲ ካልኦት ዝብልዎ ተጠንቂቕኻ ስምዓዮ።
ብዙሕ ግዜ ኢድካ ሓፍ ከተብል ጽቡቕ ኢዩ: ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ ክኸውን የብሉን። መንእሰያት ክምልሱ ንዕድሞም ኣሎና። ሓሳባት ክትህብ ትጠራጠር እንተደኣ ኴንካ: ነቲ ዝመርሕ ኣበየነይቲ ቍጽሪ ሓሳብ ክትህብ ከም እትደሊ ኣቐዲምካ ከተፍልጦ ትኽእል ኢኻ: ንሱ ድማ ከምዚ ክትገብር ኣጋጣሚ ክህበካ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ።
ኣብቲ ናይ ተኣከብቲ ተሳትፎ ዘድልዮ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እንሳተፈሉ ገለ ነገር ምእንቲ ክህልወና ኵልና ልባዊ ጻዕሪ ክንገብር ይግብኣና። ዓወት ናይዞም ኣኼባታት እዚኣቶም ብቐንዱ ሓሳባት ክንህብ ከሎና ፍቓደኛታትን ስሉጣትን ኣብ ምዃንና እተመርኰሰ ኢዩ።—መዝ. 26:12