ናይ የሆዋ መዘኻኸሪታት ብመንፈስ የነቓቕሑናዶ ኣለዉ፧
1 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “[መዘኻኸሪታትካ ትሓዓ ] ምስትንታነይ እዩ” ብምባል ንየሆዋ የወድሶ። (መዝ. 119:99) እታ “መዘኻኸሪታት” እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል: የሆዋ ነቲ ኣብ ሕግታቱ: ስርዓታቱ: መምርሒታቱ: ትእዛዛቱ: ከምኡውን ደንብታቱ ተጻሒፎም ዘለዉ የዘኻኽረና ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኢያ እተመሓላልፍ። እንተድኣ ተቐቢልናዮም ብመንፈስ ከነቓቕሑና: ሕጕሳት ከኣ ክገብሩና ኢዮም።—መዝ. 119:2
2 ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ስርዓታዊ ብዝዀነ መገዲ ማዕዳን ምኽርን ንቕበል ኢና። መብዛሕትኡ ካብዚ ኣቐዲምና ዝሰማዕናዮ ኢዩ። ነዚ መተባብዒ እዚ ነማስወሉ እኳ እንተዀንና: ናብ ምርሳዕ ገጽና ኢና እንዘዙ። (ያእ. 1:25) የሆዋ ብትዕግስቲ ፍቕራዊ መዘኻኸሪታት ይህብ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ‘ናይ ጐይታ ትእዛዝ ምእንቲ ክንዝክር ነቲ ግሩህ ሓሳብና ኬንቅሖ’ ኢሉ ገለ ካብዚ መዘኻኸሪታት እዚ መዝጊቡ ኣሎ።—2 ጴጥ. 3:1, 2
3 ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ብሕታዊ መጽናዕትን ኣብ ኣኼባታት ምስታፍን ተዘኻኺርና ኢና። እዚ ዝግበረሉ ምኽንያት: እዞም ንጥፈታት እዚኣቶም ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኣዝዮም ኣድለይቲ ስለ ዝዀኑ ኢዮም።—1 ጢሞ. 4:15፣ እብ. 10:24, 25
4 ንገለ: እቲ ዝዓበየ ብድሆ ዝዀኖም: ነቲ ናይ ምስባኽ ክርስትያናዊ ትእዛዝ ምፍጻም ኢዩ። ጻዕርን ቆራጽነትን ጽንዓትን ይሓትት። ካባና ብዙሕ እኳ ዝድለ እንተዀነ: ‘ነቲ ናይ ወንጌል ምድላው ኣብ ኣእጋርና ከም ኣሳእን ኣእቲና ክንቀውም’ ተሓጊዝና ኢና።—ኤፌ. 6:14, 15
5 ኣገልግሎትና: ነቲ የሆዋ ዝደልዮ ካብ ምግንዛብ ንላዕሊ እተለዓዓለ ክኸውን ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ: ልቢ “ህዝባዊ ምስክርነት ንድሕነት” ክንገብር ዘድልየና ድራኼ ከም ዝህብ ኣዘኻኺሩና ኣሎ። (ሮሜ. 10:10 ትሓዓ ) ድልዱል እምነት እንተድኣ ኣልዩና: ልብና ድማ ናብቲ ናይ የሆዋ መዘኻኸሪታት ዝዘዙ እንተድኣ ዀይኑ: ንስሙ ምስጋና ዝህብ ክንዛረብ ክንግደድ ኢና።—መዝ. 119:36፣ ማቴ. 12:34
6 ጽቡቕ ዕዮታት ክንፍጽም ኢልና ኣበርቲዕና ምስ እንጽዕር: እዚ ሓጐስ ከምጽኣልና ክንጽበዮ ግድን ኢዩ። (መክ. 2:10) ጳውሎስ ንሓጐስ ከም ናይ የሆዋ ፍረ መንፈስ ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ: ንኸነንጸባርቓ ድማ ኣበርቲዕና ክንፍትን ኣሎና። (ገላ. 5:22) ጴጥሮስ: “ትግሃት” በቲ ሓጐስ ዘምጽእ ፍረ ዝመልኦ ኣገልግሎት ከም ዝባረኽ ወሲኹ ገሊጹ ኣሎ።—2 ጴጥ. 1:5-8
7 ሓደ ብድሆ ምስ ዘጋጥመና ነቲ “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ” ዝብል ጽኑዕ ኣቛም ናይቶም ሃዋርያት ክንዝክር ይግብኣና። (ግብ. 4:20) ‘እዚ እንተ ገበርና ንርእስናን ነቶም ዝሰምዑናን ከነድሕን’ ምዃንና ክንዝክር ከሎና: ንኽንዓዪ ንበራታዕ ኢና።—1 ጢሞ. 4:16
8 ዘየቋርጽ መዘኻኸሪታት ስለ እተዋህበና ጸላዕላዕ ኣይብለናን ኢዩ: ወይ ድማ ኣይንምረርን ኢና። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ልዑል ቁም ነገሩ ኣዕሚቝና ኢና እነማስወሉ። (መዝ. 119:129) ኣብዘን ጽንኩራት እዋናት: ብመንፈስ ምእንቲ ከነቓቕሓናን ንሰናይ ዕዮ ቀናኣት ክንከውን ከለዓዕለናን የሆዋ ከየቋረጸ መዘኻኸሪታት ስለ ዝሰደልና መመስገንቲ ኢና!—2 ጴጥ. 1:12, 13