ኣእምሮኻ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ከም ዝሓስብ ግበሮ
1 ብዛዕባ እቲ ከቢቡና ዘሎ ወለዶን ንመጻኢ ዘለዎ ኣመለኻኽታን ኣመልኪቱ: ኣብ ናይ 31 ታሕሳስ 1994 ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ዝወጸ ሓደ ዓንቀጽ ከምዚ ይብል:- “ሰባት ንመጻኢ ግዜ ይፈርህዎ ኣለዉ። ብስራሕ: ብሕማም: ብቑጠባ: ብናይ ዓለም ኵነታት ይፈርሑ ኣለዉ።” ኣብ ዝዀነ ቦታ እንተድኣ ርኢና: ብዛዕባ ህይወት ናይ ምጥርጣር ስምዒት ኣሎ። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ዘሎና ኣገልግሎት ምስ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዘለዎም ሰባት መዓልታዊ ኢዩ ዘራኽበና። ከምቲ ንዕኦም ዘጋጥሞም ሽግር ዘጋጥመና እኳ እንተዀነ: ኣብቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ርግጽኛ መብጽዓ ዘሎና እምነትን ተኣማንነትን: ብዛዕባ ህይወትን ናይ ወድሰብ መጻእን ኣዝዩ እተፈልየ ኣመለኻኽታ ክህልወና ይሕግዘና ኢዩ።—ኢሳ. 65:13, 14, 17
2 እቲ ርግጸኛ ተስፋ ከም ዝፍጸም ዘሎና እምነትን ኣረኣእያን: ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ብዙሓት ሰባት ነቲ እነብጽሓሎም መልእኽቲ ንኽሰምዕዎ ምኽንያት ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ናይ ጭንቀት ስምዒት ዘለዎምን ጕፉዓትን ሰባት ምሳና ክዘራረቡ ዘጸናንዕ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ። ነቲ ዝሰምዕዎ ስለ ዝፈትውዎ: ገሊኦም ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ተሰማሚዖም ኢዮም። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ሰባት ቅድም ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ብሕታዊ ሽግራት ክዛረቡ ይደልዩ ይዀኑ። ናይ ሓደ ሰብ ብሕታዊ ጭንቀት ክትሰምዕ ገለ ግዜ ዝሓልፍ እኳ እንተዀነ: ነቲ ንሰባት ናይ ቃል ኣምላኽ ኣወንታዊ ሓቅታት ክንምህሮም ዘሎና ዕላማ ክንስሕቶ የብልናን።
3 ነቶም ዝኸበዶም ሰባት ደንገጽቲ ክንከውን ኢና እንደሊ። የሱስ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 11:28 ተመዝጊቡ ዘሎ: “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን . . . ናባይ ንዑ” ክብል ከሎ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንሰባት ከነተባብዖም ንደሊ ኢና። ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ መዕጸዊ ናይ ቍጽሪ 28 የሱስ “ኣነ ከዕርፈኩም” ዝበሎ እሞ ኣስተብህለሉ። ዕላማና እዚ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ዘሐድስ መብጽዓ ንኻልኦት ብምክፋል ኢና ነዚ እንገብሮ። ንፉዕ ሰማዒ ምዃን ተገዳስነትናን ሓልዮትናን ኢዩ ዝገልጽ: ከምኡውን ካልኦት እታ መንግስቲ ነዚ ኵሉ ሽግራት ወድሰብ እታ እንኮ ርግጸኛ መፍትሒት ከም ዝዀነት ምእንቲ ከስተብህሉ ብምሕጋዝ: ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ንኽንሰብኽ ዘሎና ትእዛዝ ክንፍጸም ኣገዳሲ ኢዩ።—ማቴ. 24:14
4 ዕዮና ከም ናይ ክኢላታት ሰብ ሞያ ጥዕና ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ከምቲ ጳውሎስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 4:6 ዝገለጾ ኣብቲ ‘ጽቡቕ ምህሮ’: ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ትምህርትታት: ዘተኰረ ኣገልግሎት ኢዩ። እቶም ብሕታዊ ወይ ስምዒታዊ ጸገማት ዘለዎም ኣብ የሆዋ ምእንቲ ክጽግዑ ክተባብዑ የድልዮም ይኸውን። ነቲ ምስቲ ተስፋታት ናይታ መንግስቲ እተታሓሓዘ ‘ኣብ ላዕሊ ዘሎ ክሓስቡ’ ምሃርዎም። (ቈሎ. 3:2) ሰባት ንኣተሓሳስባኦም ናብ ቃል ኣምላኽ ከም ዘተኵር ምስ ዝገብርዎ: ብምኽንያት እቲ ኣብ ናብራኦም ዘለዎ ሓያል ጽልዋ ክብርትዑ ይኽእሉ ኢዮም።—እብ. 4:12
5 ስለዚ ዕላማና ሰባት ንኣተሓሳስባኦም ኣብ ‘ቅኑዕ: ንጹህ: ተፈታዊ: ንኡድ’ ዝዀነ ነገራት ንኸተኵር ክንሕግዞም ኢዩ። (ፊል. 4:8) ኣቓልቦኦም ናብቲ ተስፋ ናይታ መንግስቲ ምስ ዘቃንዕዎ: ከምቲ ንሕና እተባረኽናዮ ክባረኹ ኢዮም። ንሳቶምውን የሆዋ በታ መንግስቱ ገይሩ ኣብ መወዳእታ ንዅሉ ሽግራቶም ክፈትሖ ምዃኑ ብምፍላጦም ዝርከብ ሓጐስ ከስተማቕሩ ኢዮም።—መዝ. 145:16