ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/96 ገጽ 2
  • ክትገይሽ ከሎኻ . . .

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትገይሽ ከሎኻ . . .
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብቲ ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ክትካፈልዶ ኢኻ?
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ መደባትካ እንታይ ኢዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • “ኣብ ኵሉ ውጥናትካ . . . ኣሳልጦ ይሃብካ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 5/96 ገጽ 2

ክትገይሽ ከሎኻ . . .

  ናይ መገሻ ወይ ናይ ዕረፍቲ መደብ ክትገብር ከሎኻ: ናይታ መንግስቲ ረብሓታት ምእንቲ ከተቐድም ክሕግዘካ ዝኽእል ሒደት መዘኻኸሪታት እንሆ:-

◼ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንኽትካፈል ውሱን መደብ ግበር። ዝዀነ ይኹን ጸገማት ምእንቲ ከየጋጥመካ: ንመጓዓዝያኻን መዕረፊኻን ዝኸውን ኣቐዲምካ መድብ።

◼ ንዕረፍቲ ወይ ንኻልእ መገሻ ትጕዓዝ እንተሊኻ: ኣብ ኣኼባታት ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ ክትእከብን ኣብቲ ኣገልግሎት ድማ ክትሳተፍን መድብ። ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብካ ክትህብ ከኣ ርግጸኛ ኵን፣ ኣድላዩ እንተድኣ ኰይኑ ድማ ናብቲ ናይ ጉባኤኻ ጸሓፊ ልኣኮ።

◼ ኣብ ሓቂ ንዘየለዉ ኣዝማድ ምብጻሕ ፍረ ዘለዎ ናይ እግረ-መገዲ ስብከት ንኽትገብር ኣጋጣሚ ክህብ ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስካን ጽሑፋትካን ከም እተማላእካዮ ኣረጋግጽ።

◼ ኣብ ጥቓኻ ንዘላ ዞባኣ ኣብ ምሽፋን ሓገዝ ዘድልያ ጉባኤ ክትድግፍ ኢልካኸ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዘድሊ ነገራት ሓበሬታ ንምርካብ ነቶም ሽማግለታት ወይ ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ተዛረቦ።

◼ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕረፍትታት ንመንእሰያት ናይ ኣገልግሎቶም ንጥፈታት ንኸስፍሑ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይህብ ኢዩ። መንእሰያት: ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ክትምዝገቡ ምኸኣልኩምዶ፧

◼ ንስኻ ኣብ ዘየሎኻሉ: ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስካ ጽንዓት ከም ዝዕየየሎም ኣረጋግጽ። ቅድሚ ምንቃልካ ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ ካልእ ትውክልቲ ክግበሮ ዝኽእል ኣስፋሒ ኣላልዮ።

◼ ሽማግለታት ድማ ነቶም ዝገሹ ሰባት እተዋህበ ሓላፍነታት ካልእ ሰብ ክዓዮ ብምምዳብ: ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ብጽቡቕ ከም ዝመሓደር ንምግባሩ ትኩራት ክዀኑ ኣለዎም።

 “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ” ምዃኑ ዘክር። (ምሳ. 21:⁠5) ነቲ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኻ እትረኽቦ ቲኦክራቲካዊ ኣጋጣሚታት ብዝበለጸ ንኽትጥቀመሉ መድብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ