ክትገይሽ ከሎኻ . . .
ናይ መገሻ ወይ ናይ ዕረፍቲ መደብ ክትገብር ከሎኻ: ናይታ መንግስቲ ረብሓታት ምእንቲ ከተቐድም ክሕግዘካ ዝኽእል ሒደት መዘኻኸሪታት እንሆ:-
◼ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንኽትካፈል ውሱን መደብ ግበር። ዝዀነ ይኹን ጸገማት ምእንቲ ከየጋጥመካ: ንመጓዓዝያኻን መዕረፊኻን ዝኸውን ኣቐዲምካ መድብ።
◼ ንዕረፍቲ ወይ ንኻልእ መገሻ ትጕዓዝ እንተሊኻ: ኣብ ኣኼባታት ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ ክትእከብን ኣብቲ ኣገልግሎት ድማ ክትሳተፍን መድብ። ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብካ ክትህብ ከኣ ርግጸኛ ኵን፣ ኣድላዩ እንተድኣ ኰይኑ ድማ ናብቲ ናይ ጉባኤኻ ጸሓፊ ልኣኮ።
◼ ኣብ ሓቂ ንዘየለዉ ኣዝማድ ምብጻሕ ፍረ ዘለዎ ናይ እግረ-መገዲ ስብከት ንኽትገብር ኣጋጣሚ ክህብ ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስካን ጽሑፋትካን ከም እተማላእካዮ ኣረጋግጽ።
◼ ኣብ ጥቓኻ ንዘላ ዞባኣ ኣብ ምሽፋን ሓገዝ ዘድልያ ጉባኤ ክትድግፍ ኢልካኸ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዘድሊ ነገራት ሓበሬታ ንምርካብ ነቶም ሽማግለታት ወይ ነቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ተዛረቦ።
◼ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕረፍትታት ንመንእሰያት ናይ ኣገልግሎቶም ንጥፈታት ንኸስፍሑ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይህብ ኢዩ። መንእሰያት: ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ክትምዝገቡ ምኸኣልኩምዶ፧
◼ ንስኻ ኣብ ዘየሎኻሉ: ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስካ ጽንዓት ከም ዝዕየየሎም ኣረጋግጽ። ቅድሚ ምንቃልካ ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ ካልእ ትውክልቲ ክግበሮ ዝኽእል ኣስፋሒ ኣላልዮ።
◼ ሽማግለታት ድማ ነቶም ዝገሹ ሰባት እተዋህበ ሓላፍነታት ካልእ ሰብ ክዓዮ ብምምዳብ: ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ብጽቡቕ ከም ዝመሓደር ንምግባሩ ትኩራት ክዀኑ ኣለዎም።
“ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ” ምዃኑ ዘክር። (ምሳ. 21:5) ነቲ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኻ እትረኽቦ ቲኦክራቲካዊ ኣጋጣሚታት ብዝበለጸ ንኽትጥቀመሉ መድብ።