ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ብኸመይ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝግበር
1 ንዅሎም ክርስትያናት ዝኸውን ተባሃጊ ሸቶ ንኻልኦት ሓቂ ምምሃርን ካብቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ [“ዝበቕዑ:” ትሓዓ]” ሰባት ድማ ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኢዩ። (ግብ. 13:48፣ ማቴ. 28:19, 20) ማሕበር የሆዋ ነዚ ክንገብረሉ እንኽእል ዘደንቕ መሳርሒ—ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ—ሂባትና ኣላ። እቲ ሒዛቶ ዘላ ኣርእስቲ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳስነት ዘጕልሕ ኢዩ: ከመይሲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብዛዕባ የሆዋ: እቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽን: ወዱ የሱስ ክርስቶስን ፍልጠት ኣብ ምርካብ እተመርኰሰ ኢዩ።—ዮሃ. 17:3
2 መጽሓፍ ፍልጠት ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕያይ ኣብዚ እዋን እዚ እንጥቀመላ ናይ ማሕበር ቀንዲ ጽሕፍቲ ኢያ። ብእኣ ገይርና ነቲ ሓቂ ኣፍኲስና: ኣነጺርና: ከምኡውን ኣሕጺርና ክንምህር ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ኣብ ልቢ እቶም እንምህሮም ሰባት ንኽንበጽሕ ክሕግዘና ኢዩ። (ሉቃ. 24:32) ርግጽ ኢዩ: እቲ ዝመርሕ ጽቡቕ ናይ ኣመሃህራ ክእለት ከድልዮ ኢዩ። እዚ እታው እዚ ኣስለጥቲ ምዃኖም እተረጋገጸሎም ንናይ ኣማሃህራ ኣገባባት ዝምልከቱ ርእይቶታትን መዘኻኸሪታትን ንምሃብ ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ። ብምስትውዓል: ከምኡውን ኣብ ውልቃዊ ኵነታት ብምምርኳስ: ንገለ ካብቲ ኣብዚ ቐሪቡ ዘሎ ወይ ንዅሉ ሓሳባት በብደረጃኡ ኣብ ግብሪ ከተውዕልዎ ትኽእሉ ትዀኑ። ነዚ እታው እዚ ዓቅብዎ: ኵሉ ግዜ ድማ ከም መወከሲ ተጠቐምሉ። እቲ ኣብኡ ዘሎ እተፈላለየ ነጥብታት መጽሓፍ ፍልጠት ተጠቒምኩም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ዝያዳ ኣስለጥቲ ክትኰኑ ክሕግዘኩም ይኽእል ኢዩ።
3 እናዓበየ ዝኸይድ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዕየዩ:- ንመጻኢ ክርስትያን ወደ መዝሙር ከምኡውን መንፈሳዊ ሓው ወይ ሓብቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ገይርካ: ኣብቲ ተማሃራይ ናይ ሓቂ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ። ፍሽሕው: ምቕሉል: ከምኡውን ውዕዉዕ ስምዒት ዘለዎ ኵን። ጽን በሃሊ ብምዃን ብመንፈሳዊ መገዲ ዝበለጸ ብኸመይ ከም እትሕግዞ ንኸተስተውዕለሉ ክድግፈካ ዝኽእል ናይቲ ሰብ ካልእ እንታይነት—መበቈሉን ኵነታት ናብራኡን—ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ንጥቕሚ እቲ ተማሃራይ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ንምውፋይ ፍቓደኛ ኵን።—1 ተሰ. 2:8
4 ሓንሳእ ጽንዓት ምስ ተጀመረ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ምዕራፋት ብመስርዕ ክጽናዕ ዝሓሸ ኢዩ። እታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስትታት ኣዝዩ ክርድኣካ ብዝኽእል መስርዕ እናዕበየቶ ስለ እትኸይድ: እቲ ተማሃራይ እናወሰኸ ዝኸይድ ምርዳእ ናይ ሓቂ ከም ዝረክብ ክትገብሮ ኢያ። እቲ መጽናዕቲ ህያውን ቀጻልን ምእንቲ ክኸውን ነቲ መጽናዕቲ ቀሊልን ኣገዳስን ግበሮ። (ሮሜ 12:11) ከም ናይቲ ተማሃራይ ኵነታትን ክእለት ምርድኡን ኣብ ሓደ እዋን ብሓደ ሰዓት ወይ ዝያዳ ኣብቲ ጽንዓት ከይተሃወኽኩም ሓደ ምዕራፍ ክትሽፍኑ ይከኣል ይኸውን። ክልቲኦም ማለት መምህርን ተማሃራይን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናይ ጽንዓት ቈጸራኦም ምስ ዝሕልዉ ተማሃሮ ዝሓሸ ዕብየት ክገብሩ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ: ምስ መብዛሕትኦም ሰባት: ነተን ናይታ መጽሓፍ 19 ምዕራፋት ዳርጋ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትውድአን ይከኣል ኢዩ።
5 ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ኣብቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ተገዳስነት ዘለዓዕል ሓጸርቲ ነጥብታት ገይርኩም ጀምርዎ። እቲ ኣርእስቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ክጐልሕ ዘድልዮ ቀንዲ ነጥቢ ናይቲ ምዕራፍ ምዃኑ ክትዕዘቡ ኢኹም። ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ኣርእስቲ ኣብቲ ናይቲ ምዕራፍ ፍረ ነገር ከተተኵሩ ብምሕጋዝ: ንሓንቲ ቀንዲ ነጥቢ ፈልዩ ኢዩ ዝዛረበላ። ብዙሕ ከይትዛረቡ ተጠንቀቑ። ኣብ ክንድኡ: እቲ ተማሃራይ ሓሳቡ ከም ዝገልጽ ግበርዎ። ኣብቲ ድሮ ፈሊጥዎ ዘሎ ምርኩስ ብምግባር ነቲ ተማሃራይ ሓሳቡ ከም ዝገልጽ ዝገብሮ ሕቶታት ምሕታት: ምኽንያት ክህብን ናብ ቅኑዕ መደምደምታታት ክበጽሕን ክሕግዞ ኢዩ። (ማቴ. 17:24-26፣ ሉቃ. 10:25-37፣ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ [እንግሊዝኛ] ገጽ 51 ቍጽሪ 10 ርአ።) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ተጻሒፉ ዘሎ ሓበሬታ ጠቢቕኩም ስዓብዎ። ተወሳኺ ዝርዝራት ምምጻእ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ከም ዘይትረኽቦ ወይ ከም ዝዕብለል: ነቲ ጽንዓት ድማ ከም ዝናዋሕ ክግብሮ ይኽእል ኢዩ። (ዮሃ. 16:12) ካብቲ ዝጽናዕ ዘሎ ኣርእስቲ ወጻኢ ዝዀነ ሕቶ እንተድኣ ተላዒሉ: ዝበዝሕ ግዜ ኣብ መወዳእታ ክትምልስዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ ከይተዓናቐፍኩም ነቲ ናይቲ ሰሙን እቲ መጽናዕቲ ከም እትሽፍንዎ ክገብረኩም ኢዩ። ነቲ ተማሃራይ ኵሉ ብሕታዊ ሕቶታቱ ኣብቲ ጽንዓት ዝገብረሉ እዋናት ክምለስ ምዃኑ ግለጽሉ።—ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 94 ቍጽሪ 14 ርአ።
6 እቲ ተማሃራይ ኣብ ስላሴ: ናይ ነፍሲ ዘይሙማት: ሲኦል ሓዊ: ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት ጽኑዕ እምነት ዘለዎ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዝቐረበ ትምህርቲ ድማ ዘየዕግቦ እንተድኣ ኰይኑ: መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ): መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ): ብሮሹር ወይ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ዝዛረብ ካልእ ጽሑፍ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዘንበቦ ምስ ሓሰበሉ ነቲ ነገር ክትዘራረብሉ ምዃንኩም ንገርዎ።
7 ነቲ ጽንዓት ክትጅምርዎን ክትዓጽውዎን ከሎኹም መሪሕነትን በረኸትን የሆዋ ክትረኽቡ ምጽላይ ነቲ ኣጋጣሚ ክብሪ ይህቦ: ሓደ ሰብ ምሉእ ኣቓልቦኡ ናብቲ ነገር ከም ዝገብር ይገብሮ: ከምኡውን ከም ሓቀኛ መምህር መጠን ናብ የሆዋ ቍሊሕ ከም እንብል ይገብር። (ዮሃ. 6:45) እቲ ተማሃራይ ጌና ትምባኾ ዘዘውትር እንተድኣ ኰይኑ: ጸኒሕኩም ኣብ ግዜ መጽናዕቲ ከየዘውትር ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም።—ግብ. 24:16፣ ያእ. 4:3
8 ብቕዱሳት ጽሑፋት: ኣብነታት: ከምኡውን ናይ ድግማ ሕቶታት ገይርካ ስሉጥ ብዝዀነ መገዲ ማሃር:- ነቲ ጽሑፍ ኣቐዲሙ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘጽንዖ ብዘየገድስ: ክኢላ መምህር ንሓደ ፍሉይ ተማሃራይ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ንነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ይደግሞ ኢዩ። እዚ ንገለ ካብቲ ናይቲ ተማሃራይ ሕቶታት ንኽግምት ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ስሉጥ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ክትምህር ነቲ ኣብታ ምዕራፍ ዘሎ ቀንዲ ነጥብታት ኣነጺርኩም ተረድእዎ። እቶም ጥቕስታት ኣብቲ ጽሑፍ ብኸመይ ኣትዮም ከም ዘለዉ ንኽትርዳእ ኣንብቦ: ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ኣየኖት ክንበቡ ከም ዘለዎም ድማ ወስን። ኣብ መወዳእታ ናይታ ምዕራፍ ብዘለዉ ኣብነታትን ናይ ድግማ ሕቶታትን ተጠቒምካ ብኸመይ ክትምህር ከም እትኽእል ሕሰበሉ።
9 ስሉጥ ዝዀነ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጠቓቕማ ብምግባር: እቲ ተማሃራይ ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ከም ዘሎ ንኸማስወሉ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። (ግብ. 17:11) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 14 ዘሎ “መጽሓፍ ቅዱስካ ብግቡእ ተጠቐመሉ” ዝብል ሳጹን ተጠቒምካ: ጥቕስታት ብኸመይ ከም ዝግንጸል መሃሮ። ነቶም ኣብቲ ትምህርቲ ተጻሒፎም ዘለዉ ጥቕስታት ብኸመይ ከም ዝፈልጦም ኣርእዮ። ግዜ ከም ዘፍቅዶ: ነቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ግናኸ ዘይተጻሕፉ ጥቕስታት ርኣይዎም: ኣንብብዎም ድማ። እቲ ተማሃራይ እቶም ጥቕስታት ነቲ ኣብታ ቍጽሪ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ብኸመይ ከም ዝድግፍዎ ወይ ዘነጽርዎ ርእይቶኡ ይግለጽ። ነቲ ናይቲ ትምህርቲ ቀንዲ ነጥብታት ተዋሂብዎ ዘሎ ምኽንያታት ምእንቲ ክርድኦ ካብቲ ጥቕስታት ነተን ዘገድሳ ክፍልታት ኣጕልሓየን። (ነህ. 8:8) ብሓፈሻ: እቲ መምህር ክንዮ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ተዋሂቡ ዘሎ ዝያዳ ጥቕስታት ኣብቲ ምይይጥ ከእቱ ኣየድልዮን ኢዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ኣስማትን መስርዕን ምፍላጥ ጠቓሚ ምዃኑ ሓሳብ ሃብ። ነቲ ኣብ ናይ 15 ሰነ 1991 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-30 ዘሎ ሓሳባት ነቲ ተማሃራይ ከተንብበሉ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝከኣል ምስ ዝኸውን: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ክጥቀም ኣተባብዓዮ። ነቲ ሒዛቶ ዘላ ከም በዓል ናይ ሕድጋት መወከሲታት ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት መሐበሪ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣገባባታ በብቑሩብ ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ።
10 ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ: መጽናዕቲ 34 ኣብነታት ንናይ ሓደ ሰብ ክእለት ኣተሓሳስባ የለዓዕሎ: ሓድሽ ትምህርትታት ንኽርዳእ ድማ ቀሊል ከም ዝገብረሉ ትገልጽ። ኣብነታት ምጥቃም: ንኽልቲኡ ማለት ኣእምሮ ዝቕበሎን ንስምዒት ድማ ጽልዋ ዘለዎን ዝገብር መገድታት ብምጥማር: ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ ክግለጽ ዘይክእል መልእኽቲ: ሓይሊ ብዘለዎ መገዲ ከም ዝግለጽ ይገብር። (ማቴ. 13:34) መጽሓፍ ፍልጠት ቀለልቲ ግናኸ ሓያላት ዝዀኑ ብዙሓት መምሃሪ ኣብነታት ኣለዉዋ። ንኣብነት: ኣብ ምዕራፍ 17: የሆዋ በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ብመንፈሳዊ መገዲ ብኸመይ መግቢ: ክዳን: ከምኡውን መጽለሊ ከም ዘዳሉ ዘርኢ ሞሳ ዘዕቢ ኣብነት ኢዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ስእላዊ መግለጺታት ስሉጥ ብዝዀነ መገዲ ስምዒታት ንምቕስቃስ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ገጽ 185 ኣብ ትሕቲ “እቲ ዘሐጕስ ትንሳኤ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ናይ ቍጽሪ 18 መልእኽቲ: እቲ ተማሃራይ ነቲ ኣብ ገጽ 86 ዝርከብ ስእሊ ከም ዝርእዮ ብምግባር ዝያዳ መብርሂ ክዀኖ ኢዩ። እዚ ኸኣ ትንሳኤ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃኑ ንኽሓስብ ከለዓዕሎ ይኽእል ኢዩ።
11 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽንዓት መንፈሳዊ ዕብየት ክገብሩ ኣለዎም። ስለዚ: ነቲ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ “ፍልጠትካ ምዘን” ኣብ ዝብል ሳጹን ዘሎ ሕቶታት ካብ ምድጋም ዓዲ ኣይትውዓል። ቅኑዕ መልሲ ስለ እተዋህበ ጥራይ ክትዓግብ የብልካን። ካብዚ ሕቶታት እዚ መብዛሕትኡ ካብ ልቢ ብሕታዊ ምላሽ ንምሃብ ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ። ንኣብነት: ኣብ ገጽ 31 “እንታይ ባህርያት ናይ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ብፍላይ ንዓኻ ዘብህገካ፧” ዝብል ሕቶ ነቲ ተማሃራይ ቀሪብሉ ኣሎ።—2 ቈረ. 13:5
12 ተማሃሮ ነቲ ጽንዓት ክዳለውሉ ኣለማምድዎም:- ነቲ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ዘንብቦ: ነቲ መልሲ ዝሕንጽጸሉ: ከምኡውን ብቓላቱ ብኸመይ ከም ዝገልጾም ዝሓስበሉ ተማሃራይ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕብየት ይገብር ኢዩ። ኣብነት ብምዃንን ምትብባዕ ብምሃብን: ንጽንዓት ተዳልዩ ክመጽእ ከተለማምዶ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣገዳሲ ቃላትን ሓረጋትን ኣጕሊሕካሉ ወይ ሓንጺጽካሉ ዘሎኻ መጽሓፍካ ኣርእዮ። ናይቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ሕቶታት ቀጥታዊ መልሲ ብኸመይ ከም ዝርከብ ግለጸሉ። ሓንቲ ምዕራፍ ምስቲ ተማሃራይ ኴንካ ምድላው ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብናቱ ቓላት ገይሩ ሓሳቡ ክገልጽ ኣተባብዓዮ። ሽዑ ድማ ኢዩ ነቲ ትምህርቲ ተረዲእዎ ወይ ድማ ዘይተረድኦ ምዃኑ ክፍለጥ ዝከኣል። ነቲ መልሲ ካብቲ መጽሓፍ ዘንብቦ እንተድኣ ኰይኑ: ንኻልእ ሰብ ከመይ ገይሩ ብቓላቱ ክገልጸሉ ከም ዝኽእል ብምሕታት ንኣተሓሳስባኡ ከተነቓቕሖ ትኽእል ኢኻ።
13 ኣብ ግዜ መጽናዕቲ ንዅሎም ጥቕስታት ከተንብብዎም እኹል ግዜ ክህሉ ስለ ዘይክእል: ከም ክፍሊ ናይቲ ሰሙናዊ መጽናዕቱ ገይሩ ነቲ ሓሳባቱ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ከንብቦ ነቲ ተማሃራይ ኣተባብዓዮ። ነቲ ኣብቲ ትምህርቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ንኣዶ። (2 ጴጥ. 1:5፣ ክልቲኦም ማለት መምህርን ተማሃራይን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኣብ ምዕያይ እናወሰኹ ምእንቲ ክኸዱ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ተወሳኺ ሓሳባት ንምርካብ ናይ 15 ነሓሰ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 13-14 ርአ።) በዚ መገዲ እዚ: እቲ ተማሃራይ ምድላው ንኽገብርን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ድማ ትርጕም ዘለዎ ሓሳባት ንኽህብን ይለማመድ። ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይሩ ብሕታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ወድአ ኣብ ሓቂ ምዕባለ ምእንቲ ክገብር ዘዕጥቖ ጽቡቕ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ልምዲ ብኸመይ ከም ዘጥሪ ክማሃር ኢዩ።—1 ጢሞ. 4:15፣ 1 ጴጥ. 2:2
14 ንተማሃሮ ናብ ማሕበር የሆዋ ገጽኩም ኣቃንዕዎም:- ናይቲ ተማሃራይ ተገዳስነት ናብ ማሕበር የሆዋ ከም ዝቃናዕ ምግባር ሓላፍነት ናይቲ ወደ መዝሙር ዝገብር ሰብ ኢዩ። እቲ ተማሃራይ ነታ ማሕበር እንተድኣ ፈሊጥዋን ኣማስዩላን: ከምኡውን ኣባላ ናይ ምዃን ኣድላይነት እንተድኣ ተገንዚቡን ቀልጢፉ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ክዓቢ ኢዩ። ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብምሕባሩ ሓጐስ ክረክብ ንደልዮ ኢና: ከምኡውን ኣብቲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እትህቦ መንፈሳውን ስምዒታውን ደገፍ ክረኽበሉ ዝኽእል ኣዳራሽ መንግስቲ ምሳና ክኸውን ብተስፋ ንጽበ።—1 ጢሞ. 3:15
15 እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ (እንግሊዝኛ) እትበሃል ብሮሹር ውልቀ-ሰባት ምስታ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ሎሚ ዝጥቀመላ ዘሎ እንኮ እትርአ ማሕበር ንምልላይ ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። ሓንሳእ ጽንዓት እንተድኣ ተጀሚሩ: ነቲ ተማሃራይ ሓንቲ ቅዳሕ ስለምንታይ ዘይትህቦ፧ ካብታ ዝጀመረላ ግዜ ኣትሒዝካ: ነቲ ተማሃራይ ከየባተኽካ ናብ ኣኼባታት ዓድሞ። እቶም ኣኼባታት ብኸመይ ከም ዝካየዱ ግለጸሉ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ናይ ዝወሃብ ህዝባዊ ዝርርብ ኣርእስቲ ክትነግሮ ወይ ነቲ ኣብ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝውሰድ ዓንቀጽ ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሓድሽ ቦታ ብምኻዱ ክስምዖ ዝኽእል ውጥረት ንኸርሕቕ ኣብቲ ኣኼባታት ዘይግበረሉ እዋን ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ምእንቲ ክርእዮ ናብኡ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ናብ ኣኼባታት ክኸይድ መጐዓዝያ ክትቅርበሉ ትኽእል ትኸውን። ምስ ተኣከበ: ፍዅስ ከም ዝብሎን ምቾት ከም ዝስምዖን ግበሮ። (ማቴ. 7:12) ምስ ሽማግለታትን ካልኦት መሰኻኽርን ኣላልዮ። ብርግጽ: ነታ ጉባኤ ከም መንፈሳዊት ስድራቤቱ ገይሩ ክርእያ ክጅምር ኢዩ። (ማቴ. 12:49, 50፣ ማር. 10:29, 30) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓደ ኣኼባ ክካፈልን ነዚ ሸቶ እዚ ድማ በብደረጃኡ ከዕብዮን መደብ ክትሰርዓሉ ትኽእል ኢኻ።—እብ. 10:24, 25
16 መጽሓፍ ፍልጠት ብምጥቃም ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እናቐጸለ ክኸይድ ከሎ: ነቲ ኣብ ኣኼባታት ምስታ ጉባኤ ናይ ምሕባር ኣድላይነት ዘጕልሕ ክፍልታት ጽቐጠሉ። ብፍላይ ንገጽ 52, 115, 137-9, 159 ከምኡውን ምዕራፍ 17 ኣስተብህለሉ። ንማሕበር የሆዋ ዘሎካ ዓሚቝ ናይ ሞሳ ስምዒታት ግለጽ። (ማቴ. 24:45-47) ብዛዕባ እታ ዘለኻያ ጉባኤን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣኼባታት እተማሃርካዮን ኣዎንታዊ ብዝዀነ መገዲ ተዛረብ። (መዝ. 84:10፣ 133:1-3) እቲ ተማሃራይ ካብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እታ ብድሕሪ እቲ ስም ዘላ ማሕበር (እንግሊዝኛ) እትበሃል ቪድዮ ጀሚሩ: ንነፍሲ ወከፍ ናይ ማሕበር ቪድዮ ክርእዮ እንተ ዝኽእል ጽቡቕ ምዀነ። ሓደ ሰብ ኣብ ማሕበር ተገዳስነት ንኸርኢ ብኸመይ ከም እትሕግዞ ተወሳኺ ሓሳባት ንምርካብ ናይ 1 ሕዳር 1984 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዘኛ) ገጽ 14-18: ከምኡውን ናይ ሚያዝያ 1993 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እታው (እንግሊዝኛ) ርአ።
17 ተማሃሮ ንኻልኦት ክሰብኩ ኣተባብዕዎም:- ምስ ሰባት ጽንዓት ክንዓዪ ከሎና ሸቶና ብዛዕባ የሆዋ ዝምስክሩ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ኢዩ። (ኢሳ. 43:10-12) እዚ ኸኣ እቲ መምህር ነቲ ተማሃራይ ብዛዕባ እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሮ ንኻልኦት ሰባት ክዛረብ ከተባብዖ ኣለዎ ማለት ኢዩ። እዚ ድማ “ሓቂ ንስድራቤትካ ብኸመይ ምገለጽካሎም፧” ወይ “እዚ ንዓርክኻ ንኸተረጋግጸሉ እንታይ ጥቕሲ ምተጠቐምካ፧” ኢልካ ብምሕታት ብቐሊሉ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ነቲ ኣብ ገጽ 22, 93-5, 105-6: ከምኡውን ኣብ ምዕራፍ 18 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ስብከት ዘተባብዕ ኣገዳሲ ነጥብታት ኣጕልሓዮ። ዝምችእ እንተድኣ ኰይኑ: ንኻልኦት ሰባት ኣብ ናይ እግረ-መገዲ ስብከት ምእንቲ ክጥቀመሎም ገለ ትራክትታት ነቲ ተማሃራይ ከወሃብ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ጽንዓት ምስኡ ኮፍ ክብሉ ኣባላት ስድራቤቱ ክዕድም ሓሳብ ኣቕርብሉ። ከጽንዑ ዝደልዩ ኣዕሩኽ ኣለዉዎዶ፧ ምስቶም ዝግደሱ ሰባት ከራኽበካ ሕተቶ።
18 ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ብምክፋል: እቲ ንመጻኢ ወደ መዝሙር ክኸውን ዝኽእል ሰብ ናይቲ ብስራት ኣስፋሒ ንክኸውን ዝሕግዞ ተወሳኺ ልምምድን ድራኸን ክረክብ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክምዝገብ ወይ ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ክኸውን ተገዳስነት ምስ ዘርኢ: እቲ ኣብ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 98 ከምኡውን 99 ዘሎ ስርዓታት ኢዩ ዝስዓብ። ሓደ መዳይ ናይ ህይወቱ ብቑዕ ካብ ምዃን ምስ ዝኽልክሎ: ነቲ ጕዳይ ዝምልከት ኣብ ናይ ማሕበር ጽሑፋት ዝርከብ ሓጋዚ ዝዀነ ጽሑፍ ክትደልን ከተካፍሎን ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ሓደ ተማሃራይ ወልፊ ትምባኾ ወይ ወልፊ ካልእ ሓሽሽ ከሰንፍ ጸገም ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ምምርማር ክርስትያናት ስለምንታይ ጐዳኢ ኣመላት ከም ዘርሕቑ ሓያል ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ትሕብር ኢያ: ከምኡውን ኣብ ገጽ 112 ካልኦት ካብዚ ናጻ ንምግባር ኣብ ምሕጋዞም ዕዉት ምዃኑ ዘረጋገጸ መገድታት ትገልጽ ኢያ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስኡ ኰይንኩም ጸልዩ: ምእንቲ ክሕግዞ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ከዕቢ ምሃርዎ።—ያእ. 4:8
19 ሓደ ሰብ ኣብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክሳተፍ ይበቅዕ ድዩ ኣይበቅዕን ንምውሳን ክሰዓብ ዘለዎ ስርዓት ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16 ቍጽሪ 6 ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ተማሃራይ ብቑዕ ምስ ዝኸውን ነታ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝሳተፈላ መዓልቲ ንኽዳሎ ልምምድ ምግባር ሓጋዚ ኢዩ። ኣዎንታዊ ብዝዀነ ኣገባብ: ኣብቲ ዞባኹም ልሙድ ዝዀነ ናይ ሰባት መልሰ-ግብርን ምጽራርን ተመያየጥሉ። ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ መጀመርያ ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ከም ዝካፈል ግበርዎ: በብደረጃኡ ድማ ኣብቲ ካልእ መዳያት ናይቲ ኣገልግሎት ኣለማምዶ። ኣቀራርባኻ ሓጺርን ቀሊልን እንተድኣ ገይርካዮ: ንኽቐድሖ ክቐለሉ ኢዩ። ነቲ መንፈስካ ተገንዚቡ ምእንቲ ከንጸባርቖ: ኣብቲ ዕዮ ሓጐስ ብምርኣይ ሃናጽን መተባባዕን ኵን። (ግብ. 18:25) ናይቲ ሓድሽ ወደ መዝሙር ሸቶ ስርዓታውን ቀናእን ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ንምዃን ክኸውን ኣለዎ። ምናልባት ንኣገልግሎት ዝኸውን ተግባራዊ መደብ ከውጽእ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ንኻልኦት ኣብ ምስባኽ ዘለዎ ክእለት ምእንቲ ክዓቢ: ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ግምቢ ዘብዐኛ 15 ነሓሰ 1984 ገጽ 15-25፣ 15 ሓምለ 1988 ገጽ 9-20፣ 15 ጥሪ 1991 ገጽ 15-20፣ 1 ጥሪ 1994 ገጽ 20-25 ከንብብ ሓሳብ ከተቕርበሉ ይከኣል ኢዩ።
20 ተማሃሮ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ገጾም ክዓብዩ ኣለዓዕልዎም:- ሓደ ቅኑዕ ዝልቡ ተማሃራይ በቲ ካብ መጽሓፍ ፍልጠት ዝረኸቦ እኹል ትምህርቲ ህይወቱ ንኣምላኽ ክውፍን ንጥምቀት ብቑዕ ክኸውንን ክኽእል ኣለዎ። (ምስ ግብ. 8:27-39፣ 16:25-34 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ወፈያ ክገብር ቅድሚ ምልዕዓሉ: ንየሆዋ ተወፋይነት ከዕቢ የድልዮ ኢዩ። (መዝ. 73:25-28) እቲ መጽናዕቲ እናተኻየደ ከሎ: ንባህርያት የሆዋ ሞሳ ዘዕብየሉ ኣጋጣሚታት ድለ። ንኣምላኽ ዘሎካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዓሚቝ ስምዒት ግለጽ። ምስ የሆዋ ምዉቕን ብሕታውን ርክብ ብምግባር ዝመጸ ክሓስበሉ ነቲ ተማሃራይ ሓግዞ። ኣምላኻዊ ተወፋይነት ምስቲ ብዛዕባ የሆዋ ከም ኣካል መጠን ከመይ ከም ዝስማዓና እተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ: ንኣምላኽ እንተድኣ ብሓቂ ፈሊጥዎን ኣፍቂርዎን እተዋህቦ ዕዮ ብዘይምቍራጽ ዝፍጽም ብምዃን ከገልግሎ ኢዩ።—1 ጢሞ. 4:7, 8፣ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 76 ቍጽሪ 11 ርአ።
21 ኣብ ልቢ እቲ ተማሃራይ ክትበጽሕ ጽዓር። (መዝ. 119:11፣ ግብ. 16:14፣ ሮሜ 10:10) ብብሕቱ ሓቂ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተንከፎ ክርዳእ: በቲ እተማህሮ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ክውስን የድልዮ ኢዩ። (ሮሜ 12:2) ነቲ ኣብ ሰሰሙን ዝቐርበሉ ሓቂ ብርግጽ ይኣምነሉ ድዩ፧ (1 ተሰ. 2:13) ነዚ ንምፍላጥ: ነቲ ተማሃራይ “ብዛዕባ እዚ ከመይ ይስማዓካ፧ እዚ ኣብ ናብራኻ ብኸመይ ከተውዕሎ ምኸኣልካ፧” ዝብል ርእይቶኡ ከም ዝገልጽ ዝገብር ናይ ምስትውዓል ሕቶታት ብምሕታት ስምዒቱ ከም ዝገልጽ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። በቲ ዝህቦ ሓሳብ ኣብ ልቡ ምእንቲ ክትበጽሕ ኣበየናይ ወገን ዝያዳ ሓገዝ ከም ዘድሊ ክትርዳእ ትኽእል ትኸውን። (ሉቃ. 8:15፣ መምርሒ መጽሓፍ [እንግሊዝኛ] ገጽ 52 ቍጽሪ 11 ርአ።) እቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 172 ከምኡውን 174 ዘሎ ናይቲ ስእልታት መግለጺ ከምዚ ብምባል ይሓትት:- “ብጸሎት ገይርካ ህይወትካ ንኣምላኽ ወፊኻ ዲኻ፧” ከምኡውን “ንኸይትጥመቕ ዝኽልክለካ እንታይ ኢዩ፧” እዚ ምናልባት ነቲ ተማሃራይ ስጕምቲ ምእንቲ ክወስድ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ከለዓዕሎ ይኽእል ኢዩ።
22 ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ክጥመቕ ምስ ዝደሊ ክስዓብ ዘለዎ ስርዓት ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17 ቍጽሪ 9 ተገሊጹ ኣሎ። መጽሓፍ ፍልጠት እቲ ሰብ ነቲ ሽማግለታት ምስኡ ኰይኖም ዝደግምዎ ኣብቲ ናይታ ኣገልግሎትና እትበሃል መጽሓፍ መመላእታ ጽሑፍ (appendix) ዝርከብ “ነቶም ክጥመቑ ዝደልዩ ዝቐርብ ሕቶታት” ንኽምልስ ተዕጥቖ ኢያ ብዝብል ዕላማ ኢያ ተዳልያ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ሕቶታት ዝኸውን መልሲ እንተድኣ ኣጕሊሕካሉ: እቲ ተማሃራይ ንጥምቀት ክዳሎ ኸሎ በቶም ሽማግለታት ንዝቐርበሉ ሕቶታት ንምምላስ ጽቡቕ ገይሩ ከዕጥቖ ኢዩ።
23 ነቶም ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝወድኡ ሓግዝዎም:- ሓደ ሰብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣጽኒዑ ምስ ወድአ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘለዎ ቅንዕናን ዕምቈት ተገዳስነቱን ግሁድ ክኸውን ትጽቢት ክግበረሉ ኣለዎ። (ማቴ. 13:23) ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ናይ መወዳእታ ንኡስ ኣርእስቲ “እንታይ ክትገብር ኢኻ፧” ብምባል ዝሓትት። እተን ናይ መደምደምታ ቍጽርታት እቲ ተማሃራይ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ከዕብዮ ዘለዎ ርክብ: ነቲ እተማህሮ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ኣድላይነት: ከምኡውን ኣብቲ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ቀልጢፉ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ኣድላይነት ንኸተኵር ከነቓቕሖ ኢዩ። ምስቶም መጽሓፍ ፍልጠት ዝወድኡ ሰባት ተወሳኺ ጽሑፋት ንምጽናዕ እተገብረ ምድላው የለን። ነቲ ንፍልጠት ኣምላኽ ምላሽ ካብ ምሃብ ዝሰነፈ ሰብ ብመንፈስ ምእንቲ ክዓቢ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ብሕያውነትን ብንጹር መገድን ግለጸሉ። ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ስጕምትታት ምእንቲ ክወስድ እቲ መገዲ ክፉት ብምግባር: በብግዜኡ ተራኸቡ።—መክ. 12:13
24 ሓደ ንሓቂ እተቐበለን እተጠምቀን ሓድሽ ወደ መዝሙር: ኣብቲ እምነት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክትከል ፍልጠቱን ምርድኡን እናዓበየ ንክኸይድ ብዙሕ ዝግበር ክህልዎ ኢዩ። (ቈሎ. 2:6, 7) ንመጽሓፍ ፍልጠት ምስ ወዳእኩምዋ ጽንዓት ኣብ ክንዲ ዝቕጽል: ብመንፈስ ብሱል ምእንቲ ክኸውን ዝዀነ ብሕታዊ ሓገዝ ከም እትህቦ ገይርካ ንገዛእ ርእስኻ ኣቕርባ። (ገላ. 6:10፣ እብ. 6:1) ብወገኑ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብ: ብብሕቱ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ካልእ ናይቲ ‘እሙን ባርያ’ ጽሑፋት ብምጽናዕ: ንኣኼባታት ብምድላውን ኣብኡ ኸኣ ብምስታፍን: ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾት ብዛዕባ ሓቂ ብምዝርራብ ዘለዎ ምርዳእ ከስፍሕ ይኽእል ኢዩ። (ማቴ. 24:45-47፣ መዝ. 1:2፣ ግብ. 2:41, 42፣ ቈሎ. 1:9, 10) መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ምንባብን ነቲ ሒዛቶ ዘላ ድማ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ኣገልግሎቱ መሊኡ ንምፍጻም ብቲኦክራሲያዊ መገዲ እተመሓደረ ምእንቲ ክኸውን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ።—2 ጢሞ. 2:2፣ 4:5
25 ናይ ኣማሃህራ ክእለት ኣዕብዩ:- ካብ ‘ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ክንገብርን ክንምህሮምን’ ተኣዚዝና ኢና። (ማቴ. 28:19, 20) ናይ ኣመሃህራ ክእለት ምስ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ዘይፈላለ ስለ ዝዀነ: ከም መምህራን መጠን ምእንቲ ክንመሓየሽ ክንጽዕር ኢና። (1 ጢሞ. 4:16፣ 2 ጢሞ. 4:2) ናይ ኣመሃህራ ክእለት ብኸመይ ከም እተመሓይሽ ዝገልጽ ተወሳኺ ሓሳባት ንምርካብ እዚ ዝስዕብ ጽሑፋት ከተንብብ ትደሊ ትኸውን:- “ናይ ኣመሃህራ ክእለት ምዕባይ” ከምኡውን “ኣብ ልቢ ሰማዕትኻ ምብጻሕ:” ዝብል ኣብ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ ዘሎ መጽናዕቲ 10 ከምኡውን 15፣ “መምህር: ኣመሃህራ” ኢንሳይት (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 2፣ ከምኡውን “ሓዊ ብዝጻወር ነገራት ምህናጽ” ከምኡውን “ክትምህሩ ከሎኹም ኣብ ልቢ ብጽሑ” ዝብል ዓንቀጻት ናይ 1 ነሓሰ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፣ “ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ተረድኡ ዲኹም፧” 1 መጋቢት 1986 (እንግሊዝኛ)፣ ከምኡውን “ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብኸመይ ሓጐስ ከም እትረክብ” 15 ለካቲት 1996።
26 መጽሓፍ ፍልጠት ተጠቒምካ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ክትጽዕር ከሎኻ: ናብቲ ከም ‘ዝበቍል’ ዝገብር የሆዋ ኵሉ ግዜ ጸሊ: ንሱ ድማ ነቲ ብብስራት መንግስቲ ገይርካ ኣብ ኣልባብ ሰባት ንምብጻሕ እትገብሮ ጻዕሪ ክባርኾ ኢዩ። (1 ቈረ. 3:5-7) ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ምእንቲ ክርድእዎ: ከማስውሉ: ከምኡውን ስጕምቲ ክወስዱ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ምምሃር ዝርከብ ተመክሮ እትሕጐሰሉ ይግበርካ!