ኣኼባታት ንሰናይ ግብሪ የለዓዕሉ
1 እቲ ኣብ ኣምልኾና ኣድላዪ ዝዀነ ክልተ ነገራት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከምኡውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምክፋል ኢዩ። ክልቲኡ ጐኒ ንጐኒ ዝኸይድ ኢዩ። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ጸቕጢ ይገብረሉ ኢዩ። ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንሰናይ ግብሪ ማለት ነቲ ኣዝዩ ሰናይ ዝዀነ ስብከት መንግስትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን የለዓዕሉ ኢዮም። (እብ. 10:24) ኣኼባታት ምክፋል እንተድኣ ኣቋሪጽና: ንኽንሰብኽ ስለ ዘይንልዓዓል ካብ ምስባኽ ዓዲ ክንውዕል ንኽእል ኢና።
2 ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታት: ንስብከት ከለዓዕለና ተባሂሉ እተዳለወ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንቕበል ኢና። ግዜ ህጹጽ ምዃኑ ወትሩ መዘኻኸሪ ይዋሃበና ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ኣድሕን ዝዀነ መልእኽቲ ንኻልኦት ከነብጽሖ ይድርኸና። ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ክንጽመም ተተባቢዕናን ተበራቲዕናን ኢና። (ማቴ. 24:13, 14) ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ንምሃብ ዘለና ኣጋጣሚታት ብምጥቃም: ንእምነትና ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ክንገልጻ ዝያዳ ተመክሮ ዘለና ንኸውን ኢና። (እብ. 10:23) ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብምምዝጋብ ድማ: ዝያዳ ኣስለጥቲ ኣገልገልቲ ክንከውንን ናይ ኣማሃህራ ክእለትና ከነማዕብልን ንለማመድ ኢና።—2 ጢሞ. 4:2
3 ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንስብከት ብኸመይ ከም ዘለዓዕሉና:- ኩላትና ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጽእ ሓሳባት ኣቐዲምና ብጥንቃቐ ክንርእዮ ተተባቢዕና ኢና። ብድሕሪኡ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ምስ ተኻፈልናን ነቲ ካብ መድረኽ ዝዋሃብ ኣቀራርባታት ምስ ረኣናን እዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ኣእምሮና ይቕረጽ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከኣ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ተመሊስና ብምሕሳብ ነቶም እተዋህቡ ኣቀራርባታት ንዝክር እሞ ብእኡ ኣቢልና ዝያዳ ኣስላጢ ምስክርነት ክንህብ ንኽእል። እዚ ናይ ብዙሓት ኣሕዋት ተመክሮ ኢዩ።
4 ድሕሪቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት: ገሊኦም ምስ ካልኦት ብሓባር ኣብቲ ኣገልግሎት ክካፈሉ ቈጸራታት ይገብሩ ኢዮም። ኣስፋሕቲ እቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝውዕል ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኦም ስለ ዘሎ ንኽጥቀምሉ ተነቓቒሖም ኢዮም። ምኽንያቱ እዚ ኣኼባታት እዚ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ግደ ክህልዎም ኣበራቲዕዎም ኢዩ።
5 ነቲ ምስ ኣምለኽቲ ብጾት እንእከበሉን ንሰናይ ግብሪታት ዘለዓዕለናን ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዝትክእ የለን። ኣገልግሎትና ክሰፍሕ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ክንካፈል ኣሎና። ነቲ ናይ የሆዋ ዘደንቕ ምድላው: ‘ኣኼባታትና ብዘይምሕዳግ’ ሞሳ እነርኢ ይግበረና።—እብ. 10:25