ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/97 ገጽ 1
  • ኣኼባታት ንሰናይ ግብሪ የለዓዕሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣኼባታት ንሰናይ ግብሪ የለዓዕሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይጠቕመካ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኣምልኾ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ካብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 8/97 ገጽ 1

ኣኼባታት ንሰናይ ግብሪ የለዓዕሉ

1 እቲ ኣብ ኣምልኾና ኣድላዪ ዝዀነ ክልተ ነገራት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከምኡውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምክፋል ኢዩ። ክልቲኡ ጐኒ ንጐኒ ዝኸይድ ኢዩ። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ጸቕጢ ይገብረሉ ኢዩ። ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንሰናይ ግብሪ ማለት ነቲ ኣዝዩ ሰናይ ዝዀነ ስብከት መንግስትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን የለዓዕሉ ኢዮም። (እብ. 10:⁠24) ኣኼባታት ምክፋል እንተድኣ ኣቋሪጽና: ንኽንሰብኽ ስለ ዘይንልዓዓል ካብ ምስባኽ ዓዲ ክንውዕል ንኽእል ኢና።

2 ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታት: ንስብከት ከለዓዕለና ተባሂሉ እተዳለወ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንቕበል ኢና። ግዜ ህጹጽ ምዃኑ ወትሩ መዘኻኸሪ ይዋሃበና ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ኣድሕን ዝዀነ መልእኽቲ ንኻልኦት ከነብጽሖ ይድርኸና። ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ክንጽመም ተተባቢዕናን ተበራቲዕናን ኢና። (ማቴ. 24:⁠13, 14) ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ንምሃብ ዘለና ኣጋጣሚታት ብምጥቃም: ንእምነትና ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ክንገልጻ ዝያዳ ተመክሮ ዘለና ንኸውን ኢና። (እብ. 10:⁠23) ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብምምዝጋብ ድማ: ዝያዳ ኣስለጥቲ ኣገልገልቲ ክንከውንን ናይ ኣማሃህራ ክእለትና ከነማዕብልን ንለማመድ ኢና።​—⁠2 ጢሞ. 4:⁠2

3 ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንስብከት ብኸመይ ከም ዘለዓዕሉና:- ኩላትና ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጽእ ሓሳባት ኣቐዲምና ብጥንቃቐ ክንርእዮ ተተባቢዕና ኢና። ብድሕሪኡ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ምስ ተኻፈልናን ነቲ ካብ መድረኽ ዝዋሃብ ኣቀራርባታት ምስ ረኣናን እዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ኣእምሮና ይቕረጽ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከኣ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ተመሊስና ብምሕሳብ ነቶም እተዋህቡ ኣቀራርባታት ንዝክር እሞ ብእኡ ኣቢልና ዝያዳ ኣስላጢ ምስክርነት ክንህብ ንኽእል። እዚ ናይ ብዙሓት ኣሕዋት ተመክሮ ኢዩ።

4 ድሕሪቲ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት: ገሊኦም ምስ ካልኦት ብሓባር ኣብቲ ኣገልግሎት ክካፈሉ ቈጸራታት ይገብሩ ኢዮም። ኣስፋሕቲ እቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝውዕል ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኦም ስለ ዘሎ ንኽጥቀምሉ ተነቓቒሖም ኢዮም። ምኽንያቱ እዚ ኣኼባታት እዚ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ግደ ክህልዎም ኣበራቲዕዎም ኢዩ።

5 ነቲ ምስ ኣምለኽቲ ብጾት እንእከበሉን ንሰናይ ግብሪታት ዘለዓዕለናን ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዝትክእ የለን። ኣገልግሎትና ክሰፍሕ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ክንካፈል ኣሎና። ነቲ ናይ የሆዋ ዘደንቕ ምድላው: ‘ኣኼባታትና ብዘይምሕዳግ’ ሞሳ እነርኢ ይግበረና።​—⁠እብ. 10:⁠25

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ