ኣብ ኣኼባታት ‘ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ’ ተኻፈል
1 ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ንህዝቢ የሆዋ ኵሉ ግዜ ኣድላዪ ነገር ኢዩ። እስራኤላውያን ማእከል ንናይ ሓቀኛ ኣምልኾን መለኮታዊ ትምህርትን ሓጐስ ዘሎዎ ሕብረትን ዝኸውን ቤተ-መቕደስን ኣብያተ ጸሎትን ነይርዎም ኢዩ። ብተመሳሳሊ ድማ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣኼባ ኣይሓድጉን ነበሩ። ኣብዚ ጽንኩር ዳሕሮት መዓልትታት ጸቕጥታትን ፈተናታትን እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን: ንሕናውን እቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ዝህበና መንፈሳዊ ሓይሊ የድልየና ኢዩ—‘ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ’ እውን ኢዩ ዘድልየና። (እብ. 10:25 NW ) ኣኼባታት ስለምንታይ ከም እንእከብ ዝገልጽ ሰለስተ ምኽንያታት ኣስተብህል።
2 ሕብረት ንምርካብ:- ቅዱሳት ጽሑፋት “ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ” ብምባል ይምዕደና ኢዩ። (1 ተሰ. 5:11) ኣምላኻዊ ሕብረት ንኣእምሮና ብሃናጺ ሓሳባት ይመልኦ እሞ ሰናይ ዕዮታት ንኽንፍጽም ከኣ የለዓዕለና። ንገዛእ ርእስና እንተድኣ ነጺልናያ ግን ናይ ዕሽነት: ስስዐ ዝመልኦ: ወይ ድማ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣረኣእያታት እውን ከይተረፈ ንኽንሓስብ ክንድረኽ ኢና።—ምሳ. 18:1
3 ትምህርቲ ንምርካብ:- ክርስትያናዊ ኣኼባታት እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ኣልባብና ህያው ኰይኑ ከም ዝቕጽል ንምግባር እተዳለወ ዘየቋርጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ዝሓዘ መደብ የዳሉ ኢዩ። “ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ” ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ዝሕግዝ ተግባራዊ መምርሒ ይህብ ኢዩ። (ግብ. 20:27) ኣኼባታት ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝቕበሉ ሰባት ብምድላይን ብምሕጋዝን ዝርከብ መግለጺ ዘይብሉ ሓጐስ ንምርካብ እቲ ሕጂ ኣጸቢቑ ኣድላዪ ዝዀነ ክእለታት ማለት ኣብቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ክእለት የለማምደና ኢዩ።
4 ዕቝባ ንምርካብ:- እታ ጉባኤ ኣብዛ እክይቲ ዓለም: ናይ ሓቂ መንፈሳዊት ዕቝባ—ናይ ሰላምን ፍቕርን መዕቈቢት ኢያ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና: ናይ ኣምላኽ ቅዱስ መንፈስ: ናይ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ፍረ ብምፍራይ ኣባና ሓያል ጽልዋ ይገብር። (ገላ. 5:22, 23) ኣኼባታት ደልዲልና ደው ክንብልን ኣብ እምነት ድማ ጽኑዓት ክንከውንን የሐይለና ኢዩ። ነቲ ዝመጸና ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ድማ የዕጥቐና ኢዩ።
5 ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ብምክፋል: ከምቲ ኣብ መዝሙር 133:1, 3 ተመዝጊቡ ዘሎ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እንሆ: ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ” ብምባል ዝገለጾ ቃላት ክንምከሮ ኢና። ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዘገልግልሉን ብሓባር ዝእከብሉን ዝዀነ ይኹን ቦታ: ‘እግዚኣብሄር ኣብኡ በረኸትን ህይወት ንዘለኣለምን ኣዚዙ እዩ።’—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።