ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/98 ገጽ 7
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምካ ተበርክት ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ካብ ኣኼባታት ብኸመይ ዝያዳ ሓጐስ ከም ዝርከብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይጠቕመካ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኣምልኾ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 4/98 ገጽ 7

ሕቶ ሳጹን

◼ ኣኼባታትና ዝያዳ ውጽኢታዊ ምእንቲ ክኸውን እንታይ ሓገዝ ክንገብር ንኽእል፧

ገሊኦም ንዝበዝሑ ክፍልታት ዝመርሕዎን ዘቕርብዎን ሽማግለታትን ናይ ጉባኤ ኣገልገልትን ስለ ዝዀኑ ዕዉት ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንምክያድ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ንሳቶም ጥራይ ኢዮም ዝብል ስምዒት ይሓድሮም ይኸውን። ብሓቂ ግን: ደስ ዘብልን ጠቓምን ኣኼባታት ንምክያድ ኵልና ብብሕትና ከነበርክት ንኽእል ኢና። በዚ ዝስዕብ ዓሰርተ መገድታት ኣኼባታት ዝያዳ ውጽኢታዊ ንኽኸውን ክንሕግዝ ንኽእል ኢና።

ኣቐዲምካ ተዳሎ:⁠- ኣጸቢቕና ምስ እንዳሎ: ኣኼባታት ንተገዳስነትና ይማርኾ። ኵላትና ከምዚ ምስ እንገብር ድማ: ኣኼባታት ህያውን ዝያዳ ሃናጽን ይኸውን። ስርዓታዊ ዄንካ ተኻፈል:⁠- ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ ነቲ ናይ ምእካብ ኣድላይነት ዘሎ ሞሳ ብምሕያል: ንነፍሲ ወከፍ ተኣካቢ ዝያዳ ዘተባብዕ ኢዩ። ኣቐድም ኣቢልካ ተረኸብ:⁠- ቅድሚ እቲ ፕሮግራም ምጅማሩ ኣብ ቦታና ኮፍ እንተድኣ ኢልና: ኣብቲ ናይ መእተዊ መዝሙርን ጸሎትን ክንካፈል ንኽእል ኢና: በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብቲ ኣኼባ ምሉእ ጥቕሚ ንረክብ። ዘድልየካ ጽሑፋት ተማላእ:⁠- ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ እንጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱስናን ጽሑፍን (ጽሑፋትን) ሒዝና ብምምጻእ: ክንከታተልን ካብቲ ዝጽናዕ ዘሎ ድማ ዝሓሸ ትምህርቲ ክንረክብን ንኽእል ኢና። ዝዓናቕፍ ነገራት ኣርሕቕ:⁠- ኣብ ቅድሚት ኮፍ ምስ እንብል ብዝሓሸ መገዲ ክንሰምዕ ንኽእል ኢና። ናብ ዓይኒ ምድሪ ምልስ ምልስ ምባል ንዓናን ካልኦትን ንኸይነድህብ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ተሳትፎ ግበር:⁠- መብዛሕትና ኢድና ምስ እነውጽእን ሓሳብ ምስ እንህብን: ብዙሓት ይበራትዑ በቲ ናይ እምነት መግለጺ ድማ ይህነጹ። ሓጺር ሓሳባት ሃብ:⁠- ሓጺር ሓሳብ ምሃብ ብዙሓት ብእተኻእለ መጠን ንኽካፈሉ ኣጋጣሚ ይህብ። እቲ ሓጺር ሓሳባትና ካብቲ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ ክወጽእ የብሉን። ነቲ እተመደበልካ ክፍሊ ኣቕርቦ:⁠- ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ከም ተማሃራይ መጠን ወይ ድማ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ከም ተሳታፋይ መጠን: ኣጸቢቕካ ተዳሎ: ነቲ ክፍልኻ ኣቐዲምካ ድገሞ: ከተቕርቦ ድማ ጽዓር። ነቶም ተሳትፎ ዝገበሩ ኣመስግኖም:⁠- ንኻልኦት ጻዕርታቶም ኣዝዩ ዝናኣድ ምዃኑ ንገሮም። ከምዚ ምግባር ይሃንጾም ኢዩ: ኣብ መጻኢ ግዜ ዝሓሸ ንኽገብሩ እውን ከይተረፈ የለዓዕሎም ኢዩ። ንሓድሕድኩም ተተባብዑ:⁠- ቅድሚ እቲ ኣኼባን ድሕሪኡን ዝግበር ሕያውነት ዘሎዎ ሰላምታን ዝሃንጽ ዕላላትን: ነቲ ኣብ ኣኼባታት ብምክፋልና እንረኽቦ ሓጐስን ረብሓን ይውስኸሉ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ