ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ጸሎት ከቕርብ ዘለዎ መን ኢዩ፧
ኣብ ጉባኤ ዝቐርብ ጸሎት ኣገዳሲ ክፍሊ ኣምልኾና ኢዩ። ንኻልኦት ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምውካል ድማ ክቡር መሰልን ከቢድ ሓላፍነትን ኢዩ። ጸሎት ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው: ሽማግለታት ኣየኖት ኣሕዋት ኣብ ኣኼባታት ጸሎት ከቕርቡ ከም ዘለዎም ክውስኑ ኸለዉ ጽቡቕ ምምዝዛን ክገብሩ ኣለዎም። እቶም ነታ ጉባኤ ወኪሎም ጸሎት ዘቕርቡ እተጠምቁ ኣሕዋት: ጽቡቕ ኣብነት ዝዀኑ ከምኡውን ብኣባላት እታ ጉባኤ ኣኽብሮት ዝወሃቦም ብሱላት ክርስትያን ኣስፋሕቲ ክዀኑ ይግባእ። እቲ ኣኽብሮት ዝመልኦ ጸሎቶም ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎም ጽቡቕ ርክብ ዝገልጽ ክኸውን ኣለዎ። እታ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ብትሑት ልቢ ምጽላይ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብፍላይ ነቶም ንጉባኤ ወኪሎም ዝጽልዩ ኣሕዋት ዝጠቅም ኣገዳሲ ስርዓታት ሒዛ ኣላ።
ሽማግለታት ንሓደ ዘተሓታትት ጠባይ ዘለዎ ወይ ርዝነት ዘይብሉ ሓው ጸሎት ከም ዘቕርብ ክገብርዎ የብሎምን። ኰራዪ ወይ ኣብቲ ንኻልኦት ወኪልካ ዝግበር ጸሎት ብሕታዊ ፍልልያት ናይ ምግላጽ ባህሪ ዘለዎ ሓው ጸሎት ከቕርብ የብሉን። (1 ጢሞ. 2:8) ሓደ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዝርከብ ሓው እተጠመቐ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እቶም ሽማግለታት ንጉባኤ ወኪሉ ንምጽላይ እኹል መንፈሳዊ ብስለት ኣለዎ ድዩ የብሉን ክግምግሙ ኣለዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 16:1, 2
ሓድሓደ ግዜ: ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ነታ ጕጅለ ወኪሉ ክጽሊ ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎ ሓው እንተ ዘይተረኺቡ: እተጠምቀት ሓብቲ ጸሎት ከተቕርብ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እታ ሓብቲ ብዝግባእ ርእሳ ክትጕልብብ ኣለዎ። ኣብ ገለ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሓው ከም ዘይህሉ እንተድኣ ተፈሊጡ: እቶም ሽማግለታት ንሓንቲ ብቕዓት ዘለዋ ሓብቲ መሪሕነት ክትወስድ ክምዝዙዋ ይኽእሉ ኢዮም።
ብልምዲ እቲ ኣቦ መንበር ናይ ህዝባዊ ኣኼባ መኽፈቲ ጸሎት የቕርብ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ካልእ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብዙሓት ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት እንተድኣ ኣልዮም ኰይኖም: ነቲ ኣኼባ ዝጅምሮ ወይ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ዘለዎ ዘይኰነስ ካልእ ሓው መኽፈቲ ወይ መዕጸዊ ጸሎት ከቕርብ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ: እቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ክጽሊ ዝሕተት ሓው እንታይ ከም ዝብል ምእንቲ ክሓስበሉ ኣቐዲምካ ክንገሮ ኣለዎ። ኣቐዲሙ እንተ ተነጊርዎ ምስቲ ኣኼባ ዝሰማማዕ ልባዊ ጸሎት ከቕርብ ይኽእል።
ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት የግዲ ክነውሕ የብሉን። ሓደ ሓው ህዝባዊ ጸሎት ከቕርብ ከሎ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ኮፍ መበሊኡ ተሲኡ ክስማዕ ብዝኽእል ድምጽን ብንጹርን እንተ ጸልዩ: እቶም ሰማዕቲ ነቲ ጸሎት ብዝያዳ ክርድእዎ ይኽእሉ። እዚ ድማ ነቲ ጸሎት ክሰምዑ እተኣከቡ ኵሎም ኣብ መወዳእታ ካብ ልቦም “ኣሜን” ንኽብሉ የኽእሎም።—1 ዜና 16:36፣ 1 ቈረ. 14:16