ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/00 ገጽ 10
  • ኣኼባታት ንመንእሰያት ይጠቅም ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣኼባታት ንመንእሰያት ይጠቅም ኢዩ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይጠቕመካ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኣምልኾ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ካብ ኣኼባታት ብኸመይ ዝያዳ ሓጐስ ከም ዝርከብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • የሆዋ ንዓና ዝመርሓሉ ዘሎ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 8/00 ገጽ 10

ኣኼባታት ንመንእሰያት ይጠቅም ኢዩ

1 ሓንቲ ኰተቴ ጓል ከምዚ በለት:- “ሓድሓደ ግዜ እቶም ኣብ ህይወቶም ከቢድ ፈተናታት ዘጋጥሞም: መንእሰያት ኢዮም ኢለ እሓስብ። ዝሙት ብዝፍጽሙ: ሓሽሽ ብዝወስዱ: ከምኡውን ብሰታያት ኢና ተኸቢብና ዘሎና።” ከምዚዶ ይስምዓካ ኢዩ፧ ዝስምዓካ እንተ ዀይኑ: ነዚ ሕማቕ ጽልዋታት እዚ ንኽትቃለሶ እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል፧ ኣብቲ ቕኑዕ መገድታት የሆዋ እተመስረተት ድልድልቲ እምነት ተድልየካ ኢያ: ከመይሲ ብዘይ​እምነት “ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ።” (እብ. 11:⁠6) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ነቲ ክርስትያናዊ እምነትካን ክፉእ ነገራት ንምውጋድ ዘሎካ ቈራጽነትን ንኸተደልድሎ ክሕግዘካ ኢዩ።

2 ካብ ኣኼባታት እትረኽቦ ብዙሕ ነገራት ኣሎ:- ምስ ናይ ቀረባ ፈተውትኻ ኴንካ ምቁር መግቢ ክትበልዕ ከሎኻ ባህ ዘብል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ነቲ ኣጋጣሚ ባህ ዘብል ከም ዝኸውን ዝገብሮ እቲ መኣዛ ዘለዎ መግቢ ኣብ ትሕቲ ምቹእ ሃዋሁ ምስ እትፈትዎም የዕሩኽ ስለ ዝረኸብካዮዶ ከይኰነ፧ ኣኼባታትና እውን ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ተመሳሳሊ ባህ ዘብል ኵነታት የቕርበልና ኢዩ።

3 እቲ ኣብ ኣኼባታት ዝቐርብ ትምህርቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልታዊ ህይወት ካብ ዘጋጥም ጸገማት ክሳብ መጽናዕቲ ናይ መሳጢ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጠቓለለ ብምዃኑ ሃናጺ ኢዩ። ናብራኻ ብኸመይ ዝበለጸ ከም እትገብሮን ነቲ ዘጋጥመካ ብድሆታት ብኸመይ ከም እትሰግሮን ዝምህር ተግባራዊ መምርሒታት ይቐርብ ኢዩ። እቶም ኣብ ኣኼባታት እትረኽቦም ብጾት ኣብ ዝኸድካ ኬድካ ዘይርከቡ ኢዮም: እቲ መንፈሳዊ ሃዋሁ እውን ባህ ዘብልን ዕቝባ ዘለዎን ኢዩ። (መዝ. 133:⁠1) ስለዚ ሓደ መንእሰይ ከምዚ ዝስዕብ እንተ በለ ኣየገርምን ኢዩ:- “ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝውዕል ብዙሕ ጸቕጥታት ኢዩ ዘጋጥመኒ። ኣኼባታት ግን ከም ልሙዕ ቦታ ኣብ ምድረ⁠-​በዳ ስለ ዝዀነ: እቲ ኣብኡ ዝረኽቦ ምሕዳስ ኣብታ ቀጺላ ዘላ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዘጋጥመኒ ነገራት ክዋጽኣሉ ዝሕግዘኒ ኢዩ።” ካልእ መንእሰይ ከኣ “ምስቶም ንየሆዋ ዘፍቅሩ ጥብቂ ምሕዝነት ምግባረይ: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ጥብቂ ርክብ ንኽዕቅቦ ኣኽኢሉኒ ኢዩ” በለት።

4 ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምስ እትምዝገብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠታት ምእካብ: ነዚ ከም ዝርርብ ገይርካ ምድላው: ከምኡውን ነቶም ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ እተኣከቡ ሰማዕቲ ብመልክዕ ዝርርብ ምቕራብ ትማሃር ኢኻ። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ህይወት ዘድሕን ሓቂ ብውሕሉል መገዲ ገይርካ ንምምሃር ስልጠና ምርካብ ዘለዎ ረብሓ እሞ ሕስብ ኣብሎ! መንእሰያት ኣብ ኣኼባ እንተ ዘይኰይኑ ኣበይ ኢዮም እሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ጠቓሚ ስልጠና ክረኽቡ ዝኽእሉ፧

5 ካብ ኣኼባታት ብኸመይ ብዝበለጸ ክትጥቀም ከም እትኽእል:- ካብ ኣኼባታት ብዝበለጸ ንምጥቃም ሰለስተ ኣገደስቲ ነገራት የድሊ። እዚ ኸኣ ምድላው: ምስታፍ: ከምኡውን ኣብ ግብሪ ምውዓል ኢዩ።

6 ተዳሎ:- ስርዓታዊ ኴንካ ንኣኼባታት ንምድላው እተወሰነ ግዜ መድብ። ዕዮ ትምህርቲ: ናይ ክፍለ⁠-​ግዜ ስራሕ: ወይ ምዝንጋዕ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ዝቐርብ ትምህርቲ ኣቐዲምካ ንኽትዳለወሉ ዝመደብካዮ ግዜ ክወስደልካ ኣይተፍቅድ። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ልማድ ንኽህልወካ ክሕግዘካ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ምስቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝውሰድ ሰሙናዊ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ማዕረ ማዕረ ኪድ። ነቲ እተመደበ ምዕራፋት ንምንባብን ብዛዕብኡ ንምስትንታንን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ። ንናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ከምኡውን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንምድላው ግዜ መድብ። ገሊኣቶም ቀቅድሚ እዚ ኣኼባታት እዚ እንተ ወሓደ ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሞም ይዳለዉ። ብእተኻእለካ መጠን ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝውሰድ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝቐርብ ክፍልታት ብተመሳሳሊ መገዲ ተዳለወሉ።

7 ተሳተፍ:- የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኣብ ቤት መቕደስ ተቐሚጡ ጽን ኢሉ ክሰምዕን ክሓትትን ክምልስን ከም እተረኽበ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። (ሉቃ. 2:⁠46, 47) ብኻልእ ኣዘራርባ ምሉእ ብምሉእ ይሳተፍ ነይሩ ማለት ኢዩ። ኣብ ኣኼባታት ንምስታፍ ጻዕሪ እንተ​ድኣ ገይርካ ዝያዳ ክትጥቀም ኢኻ።​—⁠ምሳ. 15:⁠23

8 ኣብቲ ኣብ ኣኼባታት ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ከተተኵር ኣሎካ። ሓድሓደ ግዜ ካብ ዝርርብ ምሃብ ንላዕሊ ምስማዕ ኢዩ ዝኸብድ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ካልእ ሰብ ክዛረብ ከሎ ኣእምሮኻ ክዅብልል ይኽእል ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ክትቃለሶ ትኽእል፧ መዘኻኸሪታት ብምጽሓፍ ኣእምሮኻ ከም ዘይኵብልል ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ድሓር ክትውከሶ እትደልዮ ኣገዳሲ ነጥብታት መዝግብ። መዘኻኸሪታት ምጽሓፍ ኣእምሮኻ ኣብቲ ፕሮግራም ንኸተኵር ይሕግዝ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ ተዛራቢ ጥቕስታት ከንብብ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ተኸታተሎ።

9 ብተወሳኺውን: ኣብ ኣኼባታት ብሕቶን መልስን ኣብ ዝቐርብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ንምስታፍ ሸቶ ግበር። ነቲ ክትብሎ ዝደለኻ ኣጸቢቕካ እንተ ሓሲብካሉ ዝያዳ ክትጥቀም ኢኻ: ከመይሲ ምሳሌ 15:⁠28 “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ” ኢያ እትብል።

10 ነቲ እተማሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ:- እታ ናይ መወዳእታ ደረጃ ኸኣ ነቲ እተማሃርካዮ ‘ኣባኻ ከም ዝዓዪ’ ምግባር ኢዩ። (1 ተሰ. 2:⁠13) ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ እተማሃርካዮ ጽቡቕ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ኸሎኻ: ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ክትቀርብ ኢኻ። ንየሆዋ ህያው ገይርካ ክትርእዮ ኢኻ: ንሓቂ ናይ ገዛእ ርእስኻ እናገበርካ ‘ብሓቂ ክትመላለስ’ ከሎኻ ድማ ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን ከተስተማቕር ኢኻ።​—⁠3 ዮሃ. 4

11 መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ስርዓታውያን ኴንኩም ንኣኼባታት ምስ እትዳለዉ: ኣብኡ ምስ እትሳተፉ: ከምኡውን ነቲ እተማሃርኩምዎ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕልዎ ብኣኼባታት ምሉእ ብምሉእ ክትሕጐሱ ኢኹም። ብተወሳኺውን: ብዙሕ ጥቕሚ ክትረኽቡሉ ኢኹም። እምነትኩም ከምኡውን እቲ ንሰማያዊ ኣቦኹም የሆዋ እሙናት ኴንኩም ንኽትቅጽሉ ዝገበርኩምዎ ውሳነ ክድልድል ኢዩ።​—⁠መዝ. 145:⁠18

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ