መጽሓፍ ቅዱስ—እሙን ምንጪ ሓቂ
ኣብ ምሉእ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እሙን ምንጪ ሓቂ ገይሮም ዝረኣዩ በበይኑ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ይርከቡ እዮም። ሎሚ፡ ሚልዮናት ሰባት ንትምህርትታቱ ይስዕብዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይጠቅም ወይ ከም ጽውጽዋይ ገይሮም ይርእይዎ እዮም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስሲ ሓቂ ኽትረክብ ትኽእል ዲኻ፧
ንመጽሓፍ ቅዱስ እትኣምነሉ ምኽንያት
ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ እትኽእል እንተ ዄንካ ኸመይ ጌርካ ኽትውስን ትኽእል፧ ሓንቲ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ሓደ ፈታዊኻ ንብዙሕ ዓመታት ሓቂ እንተ ነጊሩካ፡ እሙን ጌርካ ኢኻ እትርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስከ ከም ሓደ እሙን ፈታዊ ወትሩ ሓቂ ይነግረና ድዩ፧ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ሓቀኛታት ጸሓፍቲ
ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛታት እዮም፣ ብዙሕ ግዜ፡ ጌጋታቶምን ጕድለታቶምን ይገልጹ እዮም። ንኣብነት፡ ነብዪ ዮናስ ብዛዕባ ዘይተኣዛዝነቱ ጽሒፉ ኣሎ። (ዮናስ 1:1-3) አረ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፉ ኺድምድማ ኸሎስ፡ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝገንሖ ደኣ እዩ ገሊጹ እምበር፡ ንሱ ኣረኣእያኡ ብኸመይ ከም ዘዐረየ ኣይገለጸን። (ዮናስ 4:1, 4, 10, 11) ኵሎም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛታት ምዃኖም፡ ብዛዕባ ሓቂ ኻብ ልቢ ኸም ዚግደሱ ይሕብር እዩ።
ግብራዊ ሓቂ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብራዊ ነገራት ወትሩ ጥዑይ ምኽሪ ይህብ ድዩ፧ እወ፡ ብርግጽ ከምኡ ይገብር እዩ። ንኣብነት፡ ጽቡቕ ርክብ ብዛዕባ ምዕቃብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል እዩ፦ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።” (ማቴዎስ 7:12) “ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣ ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል።” (ምሳሌ 15:1) እወ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ኺጽሓፍ ከሎ ዝነበሮ፡ ሎሚ እውን ግብራዊ እዩ።
ታሪኻዊ ሓቂ
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ እተፈላለዩ ሰባትን ቦታታትን ፍጻመታትን ብልክዕ ከም ዝነበሩ፡ ሓያሎ ስነ ጥንታዊ ርኽበታት ኣረጋጊጹ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓደ ንእሽቶ ጕዳይ እተረኽበ መርትዖ እስከ ንርአ። ብግዜ ነህምያ፡ ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩ ጢሮሳውያን (ወይ ካብ ጢሮስ ዚመጹ ፊንቄኣውያን) “ዓሳን ኵሉ ዓይነት ሸቐጥን የምጽኡ” ኸም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—ነህምያ 13:16።
ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳብ ዚድግፍ መርትዖ ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ። ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ኣቕሑ ፊንቄ ኣብ እስራኤል ረኺቦም እዮም፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጥንታውያን ኣህዛብ ንግዲ ኸም ዝነበረ ይሕብር እዩ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እተገብረ ፍሕረት፡ ኣዕጽምቲ ዓሳታት መዲተራነያን ተረኺቡ እዩ። ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ድማ፡ ሸቃጦ ነቶም ዓሳታት ካብ ርሑቕ ገማግም ከም ዘምጽእዎ ይኣምኑ እዮም። ሓደ ምሁር ነቲ መርትዖ ድሕሪ ምምርማሩ፡ “እቲ ኣብ ነህ[ምያ] 13:16 ዚርከብ ጢሮሳውያን ኣብ የሩሳሌም ዓሳ ይሸጡ ምንባሮም ዚገልጽ ሓሳብ ኣጸቢቑ ኺውሓጠልካ ዚኽእል እዩ” ኢሉ ደምዲሙ ኣሎ።
ስነ ፍልጠታዊ ሓቂ
መጽሓፍ ቅዱስ ብቐዳምነት ሃይማኖታውን ታሪኻውን መጽሓፍ እዩ። ግናኸ፡ ምስ ስነ ፍልጠት ዚተሓሓዝ ነገራት ኪትንኪ ኸሎ፡ ምስ ናይ ሓቂ ስነ ፍልጠት ይሰማማዕ እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር፡ ምድሪ “ኣብ ገለ ዘይብሉ” ተንጠልጢላ ኸም ዘላ ገሊጹ እዩ። (እዮብ 26:7) እዚ ኻብቲ ምድሪ ኣብ ማይ ጸምበለል ትብል ከም ዘላ ወይ ሓደ ዓብዪ ጐብየ ጾይርዋ ኸም ዘሎ ዚውረ ዝነበረ ጽውጽዋያት ኣመና እተፈልየ እዩ ነይሩ። ካብቲ መጽሓፍ እዮብ እተጻሕፈትሉ ኣስታት 1,100 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ምድሪ ገለ ዚስከማ ነገር ከም ዘሎ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገለ ዘይብሉ ጠልጠል ክትብል ከም ዘይትኽእል እዩ ዚእመን ነይሩ። ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ይገብር ብ1687 ግና፡ ኣይዛክ ኒውተን ብዛዕባ ስሕበት ዝገበሮ ምርምር ኣሕተመ፣ ኣብኡ ኸኣ ምድሪ ብዘይርአ ሓይሊ ተታሒዛ ኣብ ቅናት ዙረት ከም እትዘውር ገለጸ። እዚ ኣብ ስነ ፍልጠት እተገብረ ዓብዪ ምርምር ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 3,000 ዓመት ኣቐዲሙ ዝበሎ ነገር ኣረጋገጸ።
ትንቢታዊ ሓቂ
ልክዕነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓያሎ ትንቢታት ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜተኣማምን፧ ንኣብነት፡ ነቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ውድቀት ባቢሎን እተነበዮ ትንቢት እስከ ንርአ።
ትንቢት፦ ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኢሳይያስ፡ እታ ጸኒሓ ርእሲ ኸተማ ሓያል ሃጸያዊ ግዝኣት እትኸውን ባቢሎን ከም እትግልበጥን ሰብ ዘይነብረላ ኸም እትኸውንን ገለጸ። (ኢሳይያስ 13:17-20) እቲ ነዚ ዚፍጽሞ ሰብ ድማ፡ ስሙ ቂሮስ ከም ዚብሃል ሓበረ። ብዛዕባ እቲ ቂሮስ ዚጥቀመሉ ስልቲ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ ኣፍላግ ‘ኪነቅጽ’ ምዃኑ ገለጸ። ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ኽፉት ከም ዚጸንሕ እውን ተነበየ።—ኢሳይያስ 44:27–45:1።
ፍጻመ፦ ካብቲ ኢሳይያስ እተነበየሉ ግዜ ኣስታት 200 ዓመት ዚኸውን ምስ ሓለፈ፡ ሓደ ፋርሳዊ ንጉስ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን መጥቃዕቲ ፈነወ። ስሙኸ መን ይብሃል ነበረ፧ ቂሮስ። ባቢሎን ብጽኑዕ እተዓርደት ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ቂሮስ ነቲ በታ ኸተማን ብዙርያኣን ዚውሕዝ ፈለግ ኤፍራጥስ ኪጥቀመሉ ወሰነ። እቶም ሰቡ ድማ መትረብ ብምዅዓት ነቲ ናብታ ኸተማ ዚውሕዝ ፈለግ ናብ ሓደ ረግረግ ኣንፈቱ ኣቐየርዎ። ብሰንኪ እዚ ድማ እቲ ብጐድኒ መካበብያ እታ ኸተማ ዚውሕዝ ፈለግ ጐዲሉ ኽሳዕ ሰለፍ ዚበጽሕ ስለ ዝዀነ፡ ሰራዊት ቂሮስ ኪሰግርዎ ዚኽእል ኰነ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ባቢሎናውያን ነቲ ኣብ መንጽር እቲ ፈለግ ዝነበረ ኣፍ ደገታት ብኽፉቱ ሓደግዎ። ስለዚ፡ ሰራዊት ቂሮስ በቲ ኽፉት ኣፍ ደገታት ናብ ባቢሎን ኣትዮም ነታ ኸተማ ገልበጥዋ።
ግናኸ፡ ሓደ ዝተረፈ ነገር ኣሎ፦ ባቢሎን ሰብ ዘይነብራ ዀይና ድያ፧ ንእተወሰነ ዘመናት፡ ሰባት ኣብኣ ይነብሩ ነይሮም እዮም። ሎሚ ግና፡ እቲ ኣብ ጥቓ ባቕዳድ፡ ዒራቕ ዚርከብ ዑናታት ባቢሎን ከም ዚምስክሮ፡ እቲ ትንቢት ምሉእ ብምሉእ ተፈጺሙ እዩ። እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ እውን ብዛዕባ ናይ መጻኢ ፍጻመታት ኪገልጽ ከሎ፡ እሙን እዩ።