ወለዲ—ንደቅኹም ጠቓሚ ልማዳት ስረጹሎም
1 ጠቓሚ ልማዳት ብባህርያዊ መገዲ ዝርከብ ኣይኰነን: ብኣጋጣሚ ዝመጽእ እውን ኣይኰነን። ንቘልዑ ሰናይ ልማዳት ንምስራጽ ግዜ የድሊ ኢዩ። “ምስራጽ” ክበሃል ከሎ “በብቕሩብ ምትሕልላፍ” ወይ “ቀስ እናበለ ናብ ውሽጢ ምእታው” ማለት ኢዩ። ወለዲ ‘ንውሉዳቶም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ከዕብይዎም’ እንተድኣ ዀይኖም ዘይቀያየር መትከል ክህልዎም ኣለዎ።—ኤፌ. 6:4
2 ካብ ህጻንነቶም ኣትሒዝኩም ማሃርዎም:- ንኣሽቱ ቘልዑ ትምህርትን ሓድሽ ነገራትን ናይ ምቕባል ክእለቶም ዘደንቕ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዓበይቲ ሰባት ሓድሽ ቋንቋ ክማሃሩ ዘጸግሞም እኳ እንተዀነ: ህጻናት ግን ብሓንሳእ ክልተ ወይ ሰለስተ ቋንቋታት ክፈልጡ ይኽእሉ ኢዮም። ውሉድኩም ንእሽቶ ብምዃኑ ሰናይ ልማዳት ንኸማዕብል ዘይኣኸለ ኰይኑ ኣይሰማዕኩም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ እንተድኣ ተማሂርዎ: ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣእምሮ እቲ ቘልዓ ‘ንምድሓን ከለብሞ’ ብዝኽእል ፍልጠት ክምላእ ኢዩ።—2 ጢሞ. 3:15
3 ኣዘውቲርኩም ናብ ግራት ኣገልግሎት ኪዱ:- ቈልዓ ገና ብንኡሱ ክስረጸሉ ካብ ዘለዎ ጠቓሚ ልማዳት ስርዓታዊ ዄንካ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ኢዩ። ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ካብ ህጻንነቶም ኣትሒዞም ካብ ቤት ናብ ቤት ሒዞሞም ብምኻድ ነዚ ስልጠና ይጅምርዎ። እቶም ወለዲ ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ዕዮ ምስክርነት ዝካፈሉ እንተድኣ ዀይኖም: ደቆም እውን ንኣገልግሎት ሞሳን ቅንእን ከማዕብሉ ይኽእሉ። ወለዲ ንደቆም ኣብ እተፈላለየ መዳያት ምስክርነት ብኸመይ ከም ዝካፈሉ ከርእይዎም ይኽእሉ ኢዮም።
4 ቈልዑ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እንተ ተመዝጊቦም እውን ይጥቀሙ ኢዮም። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ንኽህልዎምን ብኸመይ ብምስትውዓል ከንብቡ ከም ዝኽእሉን ይማሃሩ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምዝርራብ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር: ከምኡውን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ይማሃሩ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና ፓይነር ኰይኖም ንኸገልግሉን ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንምርካብ ንኽመጣጠሩን ከለዓዕሎም ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ቤትኤላውያንን ሚስዮናውያንን እቲ ቀደም ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝነበሮም ተሳትፎ ጽቡቕ ተዘክሮታት ሓዲግሎም ኢዩ: ጠቓሚ ልማድ ንኸማዕብሉ ከም ዝሓገዞም ገይሮም ድማ ኢዮም ዝርእይዎ።
5 ኵልና ኣብ ኢድ እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬት: የሆዋ: እንርከብ መሬት ኢና። (ኢሳ. 64:8) እቲ መሬት ዝያዳ ብዝለስለሰ መጠን ብቐሊሉ ኢዩ ቅርጺ ዝሕዝ። ምስ ዝነቅጽ ግን ብቐሊሉ ቅርጺ ኣይሕዝን ኢዩ። ሰባት እውን ከምኡ ኢዮም። ኣብ ግዜ ቍልዕነቶም ተቐበልቲ ኢዮም: እቲ ቘልዓ ዝነኣሰ ምስ ዝኸውን ድማ ዝሓሸ ፍረ ይርከብ። እተን ሰባት ንጽቡቕ ወይ ንሕማቕ ዝቕረጹለን ዓመታት: ተነቀፍቲ ዓመታት ኢየን። ሓለይቲ ወለዲ ብምዃን ንደቅኹም ካብ ህጻንነቶም ጀሚርኩም ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ጠቓሚ ልማዳት ስረጹሎም።