የሆዋ ሓይሊ ይህብ
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ክጥቀስ ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጸካ እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ከነንብብ ከሎና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ጻዕራም ከም ዝነበረ ንግንዘብ ኢና። ጳውሎስ ንዅሉ እቲ ዝገበሮ ክፍጽም ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ባዕሉ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ። (ፊል. 4:13) ንሕና እውን ካብቲ የሆዋ ዝህበና ሓይሊ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ በቲ ሓይሊ ንኽንረክብን ብመንፈስ ንኽንብርትዕን ኢሉ ዝገበረልና ሽዱሽተ ምድላዋት ብምጥቃም ነዚ ክንገብሮ ንኽእል ኢና።
2 ቃል ኣምላኽ:- ልክዕ ከምቲ ስጋዊ ሓይሊ ንምርካብ መግቢ ኽንበልዕ ዘሎና: ብመንፈስ ህያዋን ኴንና ንኽንቅጽል ድማ ቃል ኣምላኽ ክንምገብ ኣሎና። (ማቴ. 4:4) መጽሓፍ ቅዱስ ብህይወት ንኽንነብር ዘኽእለና ሓይሊ ዝሓዘ ኢዩ። ንሓቂ ዘሎና ቅንእን ውዕዉዕ ስምዒትን ምእንቲ ኽንዕቅብ ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ትርጕም ዘለዎ ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ምስትንታንን ክንገብር ኣሎና።—መዝ. 1:2, 3
3 ጸሎት:- ንየሆዋ ኵሉ ግዜ: ብፍላይ ከኣ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ ዝያዳ ኽንቀርቦ ኣድላዪ ኢዩ። ነቶም ሓይሊ ኽወሃቦም ብጸሎት ዝልምንዎ ብመንፈሱ ገይሩ የበርትዖም ኢዩ። (ሉቃ. 11:13፣ ኤፌ. 3:16) ቅዱሳት ጽሑፋት “ጸሎት ኣዘውትሩ” ብምባል የተባብዓና። (ሮሜ 12:12) ከምኡ ትገብርዶ ኢኻ፧
4 ጉባኤ:- ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከምኡውን ካብቲ ኣብኡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እነስተማቕሮ ምዉቕ ሕብረት እውን ሓይልን ምትብባዕን ንረክብ ኢና። (እብ. 10:24, 25) ጸገም ከጋጥመና ኸሎ: የተባብዑናን ፍቕራዊ ደገፍ ይህቡናን ኢዮም።—ምሳ. 17:17፣ መክ. 4:10
5 ግራት ኣገልግሎት:- ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን እተምጽኦ በረኸታትን ንኸነተኵር ይሕግዘና ኢዩ። ካልኦት ብዛዕባ የሆዋ ንኽማሃሩ ምስ እንሕግዞም መንፈስና ይነቓቓሕ ኢዩ። (ግብ. 20:35) ዝያዳ ሓገዝ ኣብ ዝድለየሉ ቦታ ኼድና ከነገልግል ወይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንካፈል እንኽእል ኵላትና ኣይኰንናን: እንተዀነ ግን ኣብቲ ኣገልግሎት ብኻልእ መገድታት ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ክንገብር ንኽእል ኢና።—እብ. 6:10-12
6 ክርስትያን ተዓዘብቲ:- ካብቲ ሽማግለታት ዝህቡና ምትብባዕን ሓገዝን ንጥቀም ኢና። የሆዋ ነቲ ምሳታቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ክሕልዉ ሸይምዎም ኢዩ። (1 ጴጥ. 5:2) ገየሽቲ ተዓዘብቲ እውን ልክዕ ከም ጳውሎስ ነተን ምብጻሕ ዝገብሩለን ጉባኤታት ይሃንጽወን ኢዮም።—ሮሜ 1:11, 12
7 ኣብነት ናይቶም እሙናት:- ብዛዕባ እቶም ዘተባብዕ ኣብነታት ዝዀኑና ናይ ጥንትን ዘመናውን እሙናት መተዓይይትና ምስትንታን ሓይሊ ይህበና ኢዩ። (እብ. 12:1) ሓይልኻ ኸተሐድስ እንተድኣ ደሊኻ: ንሓደ ካብቲ ኣብ መጽሔታትና ዝርከብ ታሪኽ ህይወት: ኣብ ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዝርከብ ሃናጺ ጸብጻብ: ወይ ገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ፕሮክለይመርስ (እንግሊዝኛ) ዝርከብ ዘተባብዕ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ ዘይተንብብ፧
8 ሓደ ኣብ መፋርቕ 90ታት ዕድሚኡ ዝርከብ ሓው ንእሽቶ ኸሎ ሓቂ ተቐበለ። ገና መንእሰይ ከሎ እምነቱ ተፈተነት። ብቐዳምነት ገለ ኣብ ጉባኤ ንጡፋት ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ካብ ማሕበር የሆዋ ክወጹ ኸለዉ ረኣየ። ቀጺሉ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ምስባኽ መጸ: እዚ ድማ ንዕኡ ኣጸጋሚ ዀኖ። ይኹን እምበር: ወትሩ ኣብ የሆዋ ኢዩ ዝውከል ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣገልግሎት ባህ ክብሎ ጀመረ። ሎሚኸ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ ጥዕና እኳ እንተ ዘይብሉ: ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ብምዃን ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ስድራ ቤትኤል የገልግል ኣሎ። ምስ ማሕበር የሆዋ ጠቢቑ ብምንባሩ ፈጺሙ ኣይጠዓስን ኢዩ።
9 ሓንቲ ኣባል ስድራ ቤትኤል ብሪጣንያ ዝዀነት ሓብቲ ጓል 13 ዓመት ከላ ኢያ ተጠሚቓ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ንሳን ሓዋን ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ጀመሩ: ድሕርዚ ዓመት ጸኒሑ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣቦኣ ብሰንኪ ገለልትነቱ ተኣስረ። ንሳ ግን ኣብቲ የሆዋ ዝህባ ሓይሊ ካብ ምውካል ኣየቋረጸትን: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምግልጋል ድማ ቀጸለት። ድሕሪ ግዜ ንሓደ እሙን ሓው ተመርዓወት: ሓቢሮም ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ቀጸሉ። ን35 ዓመታት ብሓባር ድሕሪ ምጽናሕ በዓል ቤታ ብሃንደበት ሞተ። ሕጂ እውን ካብ የሆዋ ኢያ ሓይሊ ረኺባ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣባል ምድራዊ ስድራቤት የሆዋ ብምዃን ንዘለኣለም እተገልግለሉ እዋን ብሃንቀውታ እናተጸበየት ኣገልግሎታ ኣየቋረጸትን።
10 የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ይድግፎምን የሐይሎምን ኢዩ። “ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።” ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሽዱሽተ ምድላዋት ምስ እንጥቀመሉ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ‘እቶም ንእግዚኣብሄር ዝጽበዩ ሓይሎም ከም ዝሕደስ’ ኣይንረስዕ: “ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን: ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” (ኢሳ. 40:29-31) ጳውሎስ ሓይሊ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኣጸቢቑ ይውክል ነበረ: ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና።