ጥዑይ ጐረቤት ብምዃን ምስክርነት ሃብ
1 የሱስ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ። (ማቴ. 22:39) ንኣመንቲ ብጾት ‘ሰናይ ከም እትገብር’ ኣየጠራጥርን ኢዩ: እንተዀነ ግን ፍቕርኻ ብምስፋሕ ንጐረባብትኻ ኸተፍቅሮም ትኽእልዶ ኢኻ፧ (ገላ. 6:10) ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧
2 ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ኣፍልጦም:- ጐረባብትኻ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ይፈልጡዶ ኢዮም፧ ዘይፈልጡ እንተድኣ ዀይኖም ኣገልግሎት ክትከይድ ከሎኻ ንምንታይ ዘይትበጽሖም፧ ዘገርም ፍረ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ዝጥዕመካ እንተ ዀይኑ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ኽትገብረሎም ጽዓር። ኣብ ከባቢ ገዝኦም ክዓዩ ወይ ኣብቲ ጐደና ክዛወሩ ኸለዉ ትርእዮም ትኸውን። ብምዉቕ ፍሽኽታ ሰላም በሎም። ብዛዕባ እምነትካን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስትን ኣብኡ እንታይ ትምህርቲ ኸም ዝወሃብን ንገሮም: ካብ ጐረባብትኻ መነመን ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝመጹ ድማ ኣፍልጦም። ናብ ኣኼባታት ክመጹ ዓድሞም። ንዅሉ እትፈልጦ ሰብ ብዛዕባ እቲ ብስራት ንምምስካር ቈራጽነት ግበር።—ግብ. 10:42፣ 28:23
3 ብሰናይ ጠባያትካ:- ሕያውነትካ ብዛዕባኻ ብዙሕ ስለ ዝገልጽ ምስክርነት ንምሃብ መገዲ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ። ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር እውን ይስልሞ’ ኢዩ። (ቲቶ. 2:7, 10) ንጐረባብትኻ ብሓቂ ኸም እትግደሰሎም ኣርእዮም። ምቕሉልን ሓላዪን ኩን። ብሕት ክብሉ ከም ዝደልዩ ተረድኣሎም: ኣይትረብሾም እውን። ሓደ ኻብ ጐረባብትኻ እንተ ሓሚሙ: ንኽትሕግዝ ቅሩብ ብምዃን ሓልዮትካ ኣርኢ። ገዛ ቐይሮም ዝመጹ ሓደስቲ ስድራቤት እንተልዮም: ኣላጊስካ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም በሎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕያውነት እቶም ሰባት ኣኽቢሮም ከም ዝርእዩኻ ይገብር: ንየሆዋ ድማ የሐጕሶ ኢዩ።—እብ. 13:16
4 ብኣተሓሕዛ ንብረትካ:- ቤትካ ባህ ዘብል ንኽኸውን ክንክን ምግባር: ሓደ ኻብቲ ጥዑይ ጐረቤት ክገብሮ ዝግባእ ኢዩ። ጽሩይን ዝስሕብን ገዛ ከምኡውን ቀጽሪ ምስክርነት ይህብ ኢዩ። ገዛኻ ረሳሕን ወዘልዘል ዝበለን እንተ ዀይኑ ግን ንሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይሰምዑ ይዕንቅፎም ኢዩ። ስለዚ ገዛኻ: ቀጽርኻ: ከምኡውን ማኪናኻ ጽሩይ ገይርካ ምሓዝን ምክንኻንን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።
5 ነቶም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘይኰኑ ሰባት እንሓልየሎም እንተድኣ ዄንና ንብጾትና ፍቕሪ ኸም ዘሎና ነርኢ። እዚኸ እንታይ ፍረ ክህልዎ ይኽእል፧ ገሊኣቶም ‘ንሰናይ ግብርኻ ርእዮም ንኣምላኽ የመስግንዎ’ ይዀኑ።—1 ጴጥ. 2:12