ሕቶ ሳጹን
◼ ቤትኤልን ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ክንበጽሕ ከሎና እንታይ ዓይነት ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ክህልወና ኣለዎ፧
ኣብ ቤትኤል ዙረት ንምግባር ወይ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ንምብጻሕ ኢልና ናብ ቤትኤል ክንከይድ ከሎና: “ብኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ጠባይናን ዝመጸ: ከምቲ ንኣምልኾ ብምባል ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና ትጽቢት ዝግበረልና ኣቕዋም ሓደ ክኸውን ኣለዎ።” (om ገጽ 131) እንተዀነ ግን: ገሊኣቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክመጹ ኸለዉ ቕጥዒ ዘይብሉ ኽዳን ተኸዲኖም ይመጹ ኣለዉ። ከምዚ ዓይነት ኣከዳድና ግቡእ ኣይኰነን። ከም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ መጠን ኣከዳድናና ኣብነታውን ምዕሩግን ርዝነት ዘለዎን ክኸውን ኣለዎ።—1 ጢሞ. 2:9, 10
ብፍላይ ቤትኤልን ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ኣቓልቦ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ስለ ዝስሕብ ኣገዳሲ ኢዩ። እዞም ተዓዘብቲ እዚኣቶም ኣብቲ ዝርእይዎ ተመርኲሶም ብዛዕባ ህዝብን ማሕበርን ኣምላኽ ሓደ ግምት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም። ናብዚ ቦታታት እዚ ኽበጽሑ ንዝመጹ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰኑ ኻልኦት ብዛዕባ ግቡእ ኣከዳድናኦምን ኵለንተናዊ ኣቃውማኦምን ክሓስቡሉ ምስ እነዘራርቦም ሰናይ ኢዩ። ከምዚ ምስ እንገብር ስድራ ቤትኤል ኣዝዮም ኢዮም ዘማስዉሉ።
ክርስትያናት ኣገልገልቲ ኸም ምዃንና መጠን: ትርኢትና መዐንቀፊ ኸይከውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። (2 ቈረ. 6:3, 4) ኣብ ክንድኡስ ብግቡእ ኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ብዅሉ ንሰልሞ።’—ቲቶ. 2:10