ካብቲ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም
1 ዘነቓቕሕ ፕሮግራም:- ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዝገበርናዮ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተነቓቒሕና! መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኢ ንኽንእውጅ ብዝያዳ ዕጡቓት ምእንቲ ኽንከውን ካብ ዝብል ዕላማ ተበጊስና ኢና ተኣኪብና ኔርና። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዝርርብ እቲ ተዛራባይ ነታ “ምእዋጅ” እትብል ቃል ብኸመይ ከም ዝገለጻ ትዝክሮዶ፧ ኣብቲ “የሆዋ ምሳና እዩ እሞ ኣይትፍርሁ” ዘርእስቱ ዝርርብ እንታይ ምርምር ክንገብር ከም እተተባባዕና ትዝዶ ይብለካ፧ ክሳዕ ሕጂ ነየናይ ናይ ህይወት ታሪኻት ኣንቢብካ፧
2 ኣብቲ “ብርታዐ እምነትና ብእተፈላለየ ፈተናታት ይፍተን” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ: የሆዋ መስጐጕቲ ኽወርደና ዝፈቕደሉ ሰለስተ ቐንዲ ምኽንያታት ተገሊጹልና እዩ። እዚ እንታይ ምንባሩ ኽትገልጾ ትኽእልዶ፧ ንክርስትያናዊ ገለልትነትና መሰረት ዝዀነና ጥቕስታት ኣየናይ እዩ፧ ኣብ ገለልትነትና ንዝመጸና ፈተናታት ንምድላው እንታይ ክንገብር ኢና ምትብባዕ ተዋሂቡና፧ ንፈተናታት ብተኣማንነት ምስ እንዋጽኣሉ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምጽኣሉ ብኸመይ እዩ፧
3 ኣየናይ ክፋል ናይታ “ኣብ ግዜ ጸበባ ጽኑዓት ኩኑ” ዘርእስታ ድራማ እዩ ብፍላይ ዘበራትዓካ፧ ከመይ ጌርና ኢና ኸም ኤርምያስ ክንከውን እንኽእል፧
4 እቲ “ኵነታት እዛ ዓለም እዚኣ ይቀያየር ኣሎ” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ብዛዕባ እንታይ ብሕጂ ዝመጽእን ናብታ እተፍርህ መዓልቲ ኣምላኽ ዝመርሕን ዓብዪ ለውጥታት እዩ ዝገለጸ፧ ኣብቲ “ከም ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ሰናይ ግብሪ ኣብ ምግባር ዕዙዛት ኩኑ” ዘርእስቱ መዛዘሚ ዝርርብ ዝሰማዕካዮ ትምህርቲ ምስ ናይ ብሕቲ ኣገልግሎትካ ብኸመይ ኣተሓሒዝካዮ፧
5 ክንዓየሉ ዘሎና ነጥብታት:- ከምቲ ኣብቲ “መማሰውቲ ኹኑ” ዘርእስቱ ዝርርብ እተገልጸ: ከመይ ጌርና ኢና ልባዊ ሞሳና ንየሆዋ ኽንገልጸሉ እንኽእል፧ ኣብቲ “ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኢ ይንቀሳቐሱ” ዘርእስቱ ሕመረት ዝርርብ ናይ መን ቅንኣት ኢና ኽንቀድሕ ተተባቢዕና፧ ርእስና ብዛዕባ ምምርማር ዝመጸኸ እንታይ ክንገብር ኢና ጻውዒት ቀሪቡልና፧
6 እቲ “ትንቢት ሚክያስ ብስም የሆዋ ንኽንመላለስ የበርትዓና” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ: ሞገስ የሆዋ ንምርካብ እንታይ ሰለስተ ብቕዓታት ከነማልእ ከም ዘሎና እዩ ዘጕልሐ፧ እዚኸ ልዕሊ ዓቕምና ድዩ፧ (ሚክ. 6:8) ብመሰረት እቲ “ንልብና ብምሕላው ንጽህናና ንሓሉ” ዘርእስቱ ዝርርብ: በየናይ መገድታት ኢና ስነ-ምግባራዊ ንጽህናና ኽንሕሉ ዘሎና፧ እቲ “ካብ ጥበራ ተጠንቀቑ” ዘርእስቱ ዝርርብ ንርእስናን ንኻልኦትን ከይንጥብር ዘጠንቀቐና በየናይ መዳያት እዩ፧
7 ካብቲ “ንኣገልግሎቶም ክብሪ ዝህቡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ግብራዊ ሓሳባት ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ: ነየናይ ነጥብታት ኣብ ኣገልግሎት ክትዓየሉ ጀሚርካ፧ ኣብቲ “መንፈሳዊ ዕላል ይሃንጽ” ዘርእስቱ ዝርርብ ፊልጲ 4:8 ተገሊጻ ነይራ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዝርርብና መንፈሳዊ ንምግባር እትሕግዘና ብኸመይ እያ: መዓስከ ኢና ኸምዚ ኽንገብር ዘሎና፧
8 ኣብቲ “ብግዜ ጸበባ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ግበሩ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ዘሕዝን ኵነታት: ቍጠባዊ ጸገማት: ጥዕና ምስኣን: ናይ ስድራቤት ሽግራት: ከምኡውን ቀጻሊ ድኻም ምስ ዝህልና ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ተገሊጹልና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
9 ብመንፈስ ዝጠቕመና ሓደስቲ ጽሑፋት:- እታ ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ብምውጻኣ ተሓጒስና ኢና። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሕጂ ብእንግሊዝኛ እያ ወጺኣ ዘላ: እንተዀነ ግን ናብ ካልእ ቋንቋታት ንምትርጓማ መደብ ወጺኡ ኣሎ። ብዛዕባ ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምልክታ ምስ ተነግረ እንታይ ተሰሚዑካ፧ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ኸም ካልአይቲ መጽሓፍ ምስ እንጥቀመላ ሓጋዚት እትኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧
10 ድሕርዚ ነታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ ጽብቕቲ መጽሓፍ ረኺብና ኢና። እዛ መጽሓፍ እዚኣውን ብእንግሊዝኛ እያ ወጺኣ: ኣብ መጻኢ ተተርጒማ ኽንርእያ ግን ተስፋ ንገብር። ገለ ኻብቲ ፍልይ ዘብላ መዳያት እንታይ እዩ፧ ኣየናይ ስእልታት እዩ ብፍላይ ዝመሰጠካ፧ ንዓኣ ብምንባብካ ብዝያዳ ናብ የሆዋ ኽትቀርብዶ ኽኢልካ፧ ንመነመን ክትጠቅም እትኽእል ዀይኑኸ ይስምዓካ፧
11 እቲ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ነዚ ጽንኩር እዋን ንኽንዋጽኣሉ ዘኽእለና መንፈሳዊ ምትብባዕ ሂቡና እዩ። ካብዚ ዘደንቕ መንፈሳዊ ምድላው ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ነቲ ኣብኡ እተባህለ ንምዝካር: ነቲ ዝወጸ ጽሑፋት ንምምሳው: ከምኡውን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝከኣለና ዅሉ ንግበር። (2 ጴጥ. 3:14) ከምዚ ምስ እንገብር ንጽህናና ንምሕላውን ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብምምሳል ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃንን ክንበራታዕ ኢና: እዚ ዅሉ ኸኣ ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ።—ፊል. 1:9-11