ስም ኣምላኽ ከም ዝፍለጥ ምግባር
1. ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል፧
1 ስም ኣምላኽ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ፈለጥካ ከመይ ተሰሚዑካ፧ ብዙሓት ሰባት ከምታ “ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኣኽዎ ነባዕኩ። ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምስ ፈለጥኩዎን ክጥቀመሉ ከም ዝኽእል ምስ ተረዳእኩን ልበይ ተተንከፈ” ዝበለት ሰበይቲ እዩ ዝስምዖም። ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ስም ኣምላኽ ምፍላጣ ንየሆዋ ኸም ሓደ ኣካል ኣብ ምፍላጥን ምስኡ ርክብ ኣብ ምምስራትን ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ነይሩ።
2. ንኻልኦት ብህጹጽ ብዛዕባ የሆዋ ኽንምህሮም ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
2 ስለምንታይ ኢና ኸም ዝፍለጥ እንገብሮ፧ ስም ኣምላኽ ምስ ባህርያቱን ዕላማታቱን ተግባራቱን እተተሓሓዘ እዩ። ምስ ድሕነት እውን ይተሓሓዝ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ግን ሰባት ብዛዕባ የሆዋ እንተ ዘይፈሊጦምን ኣብኡ እንተ ዘይኣሚኖምን: “ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧” ብምባል ርትዓዊ ሕቶ ኣቕረበ። ስለዚ: ክርስትያናት ንኻልኦት ስም ኣምላኽን እቲ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕምን ብህጹጽ ከፍልጥዎም ኣለዎም። (ሮሜ 10:13, 14) እንተዀነ ግን: ስም ኣምላኽ ከም ዝፍለጥ ክንገብረሉ ዘሎና ዝዓበየ ምኽንያት ኣሎ።
3. ቀንዲ ምኽንያት ስብከትና እንታይ እዩ፧
3 ኣብ 1920ታት ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ሉዓላውነት ኣምላኽን ቅድስና ስሙን ንምሉእ ኣድማስ ዝምልከት ጕዳይ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተረድኡ። የሆዋ ነቲ ኣብ ስሙ ተዀሚሩ ዘሎ ጸርፊ ንምውጋድ ኢሉ ንእኩያት ቅድሚ ምጥፍኡ: ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ‘ኣብ ኵላ ምድሪ ኽፍለጥ’ ኣለዎ። (ኢሳ. 12:4, 5፣ ህዝ. 38:23) ስለዚ: ቀንዲ እንሰብከሉ ምኽንያት ንየሆዋ ምስጋና ንምቕራብን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቅሰብ ስሙ ንምቕዳስን እዩ። (እብ. 13:15) ንኣምላኽን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ኣብዚ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ንኽንሳተፍ ይድርኸና።
4. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ስም ኣምላኽ ክተሓሓዙ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧
4 ‘ንስሙ ዝኸውን ህዝቢ’:- ብ1931 ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ተቐበልናዮ። (ኢሳ. 43:10) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ህዝቢ ኣምላኽ ንመለኮታዊ ስም ብሰፊሑ ኸም ዝፍለጥ ካብ ምግባሮም እተላዕለ: እታ ፕሮክለይመርስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 124 “ኣብ መላእ ዓለም ንስም የሆዋ ኣዘውቲሩ ዝጥቀም ሰብ: ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ እዩ ዝፍለጥ” በለት። ንስኻኸ በዚ ኸምዚ ትፍለጥ ዲኻ፧ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ሰናይ ነገራት ዘሎና ሞሳ ኣብ ኵሉ ግቡእ ዝዀነ ኣጋጣሚ ብዛዕባኡ ብምዝራብ ‘ስሙ ንኽንባርኽ’ ክድርኸና ይግባእ።—መዝ. 20:7፣ 145:1, 2, 7
5. ግብርና ስም ኣምላኽ ኣብ ምጽዋዕ ብኸመይ እዩ ጽልዋ ዘለዎ፧
5 ‘ንስሙ እንኸውን ህዝቢ’ ኸም ምዃንና መጠን: ነቲ ስርዓታቱ ኽንሕሉ ኣሎና። (ግብ. 15:14፣ 2 ጢሞ. 2:19) መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈለማ ነቲ ሰናይ ግብሮም እዮም ዘስተብህሉሉ። (1 ጴጥ. 2:12) ስርዓታት ኣምላኽ ብምንዓቕ ወይ ንኣምልኾኡ ኻልኣይ ቦታ ብምሃብ ንስሙ ኣይነርክሶ። (ዘሌ. 22:31, 32፣ ሚል. 1:6-8, 12-14) ኣብ ክንድኡስ ብስም ኣምላኽ እንጽዋዕ ምዃንና ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ብኣነባብራና ነርኢ።
6. ሕጅን ንዘለኣለምን እንታይ ፍሉይ መሰል ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
6 ኣብዚ ግዜና እቲ “ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ” ብምባል የሆዋ ዝኣወጆ ኣዋጅ ክፍጸም ንርእዮ ኣሎና። (ሚል. 1:11) እምበኣር ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሓቂ ነፍልጥ: ‘ንቕዱስ ስሙ ኸኣ ንዘለኣለም ኣለም ንባርኽ።’—መዝ. 145:21