ንሰናይ የሆዋ ቕድሓዮ
1 ባህ ዘብል ዕራርቦ ጸሓይ ድሕሪ ምርኣይ ወይ ጥዑም መግቢ ድሕሪ ምምጋብ: ነቲ ምንጪ ዅሉ ሰናይ ዝዀነ የሆዋ ኸነመስግኖዶ ኣይንድረኽን ኢና፧ እቲ ሰናይ ባህሪኡ ንዕኡ ንኽንመስሎ ይድርኸና እዩ። (መዝ. 119:66, 68፣ ኤፌ. 5:1) ብኸመይ ኢና ሰናይ ከነንጸባርቕ እንኽእል፧
2 ንዘይኣመንቲ:- ሓደ ኻብቲ ንሰናይ የሆዋ ኽንቀድሓሉ እንኽእል መገዲ ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ብምርኣይ እዩ። (ገላ. 6:10) ሰናይ ምግባር ኣብቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ነቲ እነብጽሖ መልእኽትን ዘለዎም ኣረኣእያ ኣወንታዊ ጽልዋ የሕድር እዩ።
3 ንኣብነት: ሓደ መንእሰይ ፓይነር ኣብ ሓደ ክሊኒክ እናተጸበየ ኸሎ ሓንቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረት ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ኻብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣዝያ ዝሓመመት ትመስል ነበረት። ናብ ሓኪም ዝኣትወሉ ተራ ምስ በጽሐ: ነታ ሰበይቲ ኽትኣቱ ኣሕለፋ። ጸኒሖም ኣብ ዕዳጋ ምስኣ ተራኸቡ እሞ ምስ ረኣየቶ ተሓጐሰት። ኣቐድም ኣቢላ ነቲ ብስራት ዘይትቕበል እኳ እንተ ነበረት: ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ንሰባት ከም ዘፍቅሩ ምፍላጣ ገለጸት። ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረት።
4 ነሕዋትና:- ነሕዋትና ኽንሕግዝ ከለና እውን ንሰናይ የሆዋ ንቐድሖ ኢና። ኣብ ግዜ ዕንወት ነሕዋትና ንምሕጋዝ ቅልጡፍ ስጕምቲ ስለ እንወስድ: ካብቶም ረድኤት ክህቡ ዝንቀሳቐሱ ዘበሉ ቐዳሞት ኢና። ነቶም ናብ ኣኼባታት ንምምጻእ መጓዓዝያ ዘድልዮም ክንሕግዝ ከለና: ብሕማም ወይ ብእርጋን ንዝደኸሙ ኽንበጽሕ ከለና: ከምኡውን ነቶም ኣብ ጉባኤ ኣጸቢቕና ዘይንፈልጦም ፍቕርና ኸነግፍሕ ከለና: ተመሳሳሊ መንፈስ ኢና እነንጸባርቕ።—2 ቈረ. 6:11-13፣ እብ. 13:16
5 ካልእ የሆዋ ሰናዩ ዘርእየና መገዲ “ንይቕሬታ ድልው” ምዃኑ እዩ። (መዝ. 86:5) ንሕናውን ንዕኡ ብምምሳል ንኻልኦት ይቕረ ብምባል ሰናይ ከም እንፈቱ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:32) እዚ ኸኣ ምስ ኣመንቲ ብጾትና ዘሎና ርክብ ‘ሰናይን ጥዑምን’ ንክኸውን ይሕግዝ።—መዝ. 133:1-3
6 እምበኣር እቲ ዓብዪ ሰናይ የሆዋ ነቲ ውዳሴኡ ንኸነውርን ብሓጐስ እልል ንኽንብልን ይደርኸና። ኣብ ኵሉ ተግባርና ድማ ንሰናዩ ኽንቀድሖ የለዓዕለና።—መዝ. 145:7፣ ኤር. 31:12