ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/03 ገጽ 1
  • ንሰናይ የሆዋ ቕድሓዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰናይ የሆዋ ቕድሓዮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ሕያውነቱስ ክንደይ ዓብዪ እዩ!’
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ሕያውነት—ከመይ ጌርካ ኸተማዕብላ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • የሆዋ —እቲ ዝለዓለ ኣብነት ሰናይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ወትሩ ሰናይ ኣንጸባርቕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 8/03 ገጽ 1

ንሰናይ የሆዋ ቕድሓዮ

1 ባህ ዘብል ዕራርቦ ጸሓይ ድሕሪ ምርኣይ ወይ ጥዑም መግቢ ድሕሪ ምምጋብ: ነቲ ምንጪ ዅሉ ሰናይ ዝዀነ የሆዋ ኸነመስግኖዶ ኣይንድረኽን ኢና፧ እቲ ሰናይ ባህሪኡ ንዕኡ ንኽንመስሎ ይድርኸና እዩ። (መዝ. 119:66, 68፣ ኤፌ. 5:1) ብኸመይ ኢና ሰናይ ከነንጸባርቕ እንኽእል፧

2 ንዘይኣመንቲ:- ሓደ ኻብቲ ንሰናይ የሆዋ ኽንቀድሓሉ እንኽእል መገዲ ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ብምርኣይ እዩ። (ገላ. 6:10) ሰናይ ምግባር ኣብቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ነቲ እነብጽሖ መልእኽትን ዘለዎም ኣረኣእያ ኣወንታዊ ጽልዋ የሕድር እዩ።

3 ንኣብነት: ሓደ መንእሰይ ፓይነር ኣብ ሓደ ክሊኒክ እናተጸበየ ኸሎ ሓንቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረት ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ኻብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣዝያ ዝሓመመት ትመስል ነበረት። ናብ ሓኪም ዝኣትወሉ ተራ ምስ በጽሐ: ነታ ሰበይቲ ኽትኣቱ ኣሕለፋ። ጸኒሖም ኣብ ዕዳጋ ምስኣ ተራኸቡ እሞ ምስ ረኣየቶ ተሓጐሰት። ኣቐድም ኣቢላ ነቲ ብስራት ዘይትቕበል እኳ እንተ ነበረት: ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ንሰባት ከም ዘፍቅሩ ምፍላጣ ገለጸት። ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረት።

4 ነሕዋትና:- ነሕዋትና ኽንሕግዝ ከለና እውን ንሰናይ የሆዋ ንቐድሖ ኢና። ኣብ ግዜ ዕንወት ነሕዋትና ንምሕጋዝ ቅልጡፍ ስጕምቲ ስለ እንወስድ: ካብቶም ረድኤት ክህቡ ዝንቀሳቐሱ ዘበሉ ቐዳሞት ኢና። ነቶም ናብ ኣኼባታት ንምምጻእ መጓዓዝያ ዘድልዮም ክንሕግዝ ከለና: ብሕማም ወይ ብእርጋን ንዝደኸሙ ኽንበጽሕ ከለና: ከምኡውን ነቶም ኣብ ጉባኤ ኣጸቢቕና ዘይንፈልጦም ፍቕርና ኸነግፍሕ ከለና: ተመሳሳሊ መንፈስ ኢና እነንጸባርቕ።​—⁠2 ቈረ. 6:11-13፣ እብ. 13:16

5 ካልእ የሆዋ ሰናዩ ዘርእየና መገዲ “ንይቕሬታ ድልው” ምዃኑ እዩ። (መዝ. 86:5) ንሕናውን ንዕኡ ብምምሳል ንኻልኦት ይቕረ ብምባል ሰናይ ከም እንፈቱ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:32) እዚ ኸኣ ምስ ኣመንቲ ብጾትና ዘሎና ርክብ ‘ሰናይን ጥዑምን’ ንክኸውን ይሕግዝ።​—⁠መዝ. 133:1-3

6 እምበኣር እቲ ዓብዪ ሰናይ የሆዋ ነቲ ውዳሴኡ ንኸነውርን ብሓጐስ እልል ንኽንብልን ይደርኸና። ኣብ ኵሉ ተግባርና ድማ ንሰናዩ ኽንቀድሖ የለዓዕለና።​—⁠መዝ. 145:7፣ ኤር. 31:12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ