ኣውራጃዊ ኣኼባ ንኣምላኽ ክብሪ ንኽንህቦ የነቓቕሓና!
እቲ ኽሳዕ ሕጂ እተገብረ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃውን ኣህጉራውን ኣኼባታት ብዙሕ ምስክርነት ሂቡ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ቲኦክራሲያዊ ፍጻመታት ንስም የሆዋ ኣጕሊሕዎ: ‘ንስሙ ዝግባእ ክብሪ ንኽንህቦ’ ክእለትና ንኸነመሓይሽ እውን ኣኽኢሉና። (መዝ. 96:8) ነቲ ዘደንቕ ባህርያቱ ዘንጸባርቕ መስተንክር ፍጥረታት ብምፍጣሩ ኽብሪ ዝግብኦ እዩ።—እዮ. 37:14፣ ራእ. 4:11
በዚ ሕቶታት እዝን በቲ ዝጸሓፍካዮ መዘኻኸርን ጌርካ: ነቲ ኣብታ 1 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን ዝቐርብ ድግማ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተዳለወሉን ተሳተፍን።
1. ህይወት ዘይብሎም ፍጥረታት ክብሪ ኣምላኽ ዘዘንትዉ ብኸመይ እዮም: እዝኸ ካብቲ ሰባት ንኣምላኽ ዝውድሱሉ መገዲ ዝፍለ ብኸመይ እዩ፧ (መዝ. 19:1-3፣ “ፍጥረት ክብሪ ኣምላኽ የዘንቱ”)
2. እቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ ናይ ምንታይ ጽላሎት እዩ ነይሩ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት በዚ እተነቓቕሑኸ ብኸመይ እዮም፧ (ሕመረት ዝርርብ:- “ክብሪ ዝመልኦ ትንቢታዊ ራእያት የነቓቕሓና!”)
3. ከምቲ ነብዪ ዳንኤል ዘንጸባረቖ ዓይነት ትሕትና ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል: ከምዚ ብምግባርናኸ ብኸመይ ንጥቀም፧ (ዳን. 9:2, 5፣ 10:11, 12፣ “ክብሪ የሆዋ ንትሑታት ይግለጸሎም”)
4. (ሀ) ካብ ትንቢት ኣሞጽ ብዛዕባ ፍርዲ ኣምላኽ እንታይ ሰለስተ ነገራት ኢና እንመሃር፧ (ኣሞ. 1:3, 11, 13፣ 9:2-4, 8, 14) (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ኣብ ኣሞጽ 2:12 ዝርከብ መጠንቀቕታ እንታይ እዮም ዝመሃሩ፧ (“ትንቢት ኣሞጽ—ነዚ ግዜና ዝኸውን መልእኽቲ”)
5. (ሀ) ሓደ ሰብ ዋላ እውን እንተ ዘይሰኸረ ኣልኮላዊ መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝሰቲ እንታይ ሓደጋታት እዩ ዘለዎ፧ (ለ) ካብ መጠን ንላዕሊ ናይ ምስታይ ጸገም ብኸመይ ክዕረ ይኽእል፧ (ማር. 9:43፣ ኤፌ. 5:18፣ “ካብ መፈንጠራ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ርሓቑ”)
6. ካብታ ‘ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ’ ዘርእስታ ሓዳስ ጽሕፍቲ ብኸመይ ትጥቀም ኣሎኻ፧ (“እታ ‘ጽብቕቲ ምድሪ’ መርኣዪ ገነት እያ”)
7. በየናይ ሰለስተ መገድታት ኢና ‘ኽብሪ የሆዋ ኸም መስትያት’ እነንጸባርቕ፧ (2 ቈረ. 3:18፣ “‘ክብሪ የሆዋ ኸም መስትያት’ ነንጸባርቕ”)
8. ምንጪ ናይቲ ምኽንያት ዘይብሉ ጽልኢ እንታይ እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ እናኣጋጠመና ንጽህናና ንኽንሕሉ ኽሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧ (መዝ. 109:1-3፣ “ብዘይ ምኽንያት ዝጽልኡ”)
9. ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ከመይ እዩ: ሓደ ሰብ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ብዝያዳ ኸማዕብሎ ኸም ዘድልዮ ኽውስን ዝኽእልከ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 20:20-26፣ “ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ምምዕባል”)
10. ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና: ብመንፈስ ሓያላት ንኽንከውን እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧ (“ብስጋ እኳ እንተ ደኸምና: ብመንፈስ ግን ኣይንደክምን ኢና”)
11. ሰይጣን ሓሶት ዘስፋሕፍሓሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ: ነቲ እምነትና ከቐይረና ዝመጽእ ፈተና እንታይ ምላሽ ክንህበሉ እዩ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝነግረና፧ (ዮሃ. 10:5፣ “ካብ ‘ድምጺ ኻልእ’ ተጠንቀቑ”)
12. (ሀ) ወለዲ ነቲ ኣብ ማርቆስ 10:14, 16 ዝርከብ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ብኸመይ ክስዕብዎ ይኽእሉ፧ (ለ) ኣብታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ እንታይ ዝፈተኻዮ ነጥብታት ረኺብካ፧ (“ውሉዳት ክቡር ውህበት እዮም”)
13. መንእሰያት ንየሆዋ ዝውድስዎ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ (1 ጢሞ. 4:12፣ “መንእሰያት ንየሆዋ ዝውድሱሉ ዘለዉ መገድታት”)
14. ካብታ “ምጽራር እኳ እንተ ሃለወ ብትብዓት ምምስካር” ዘርእስታ ድራማ ኣብ ኣእምሮኻ እተቐርጸ እንታይ እዩ፧
15. ነቲ (ሀ) ጴጥሮስን ዮሃንስን (ግብ. 4:10) (ለ) እስጢፋኖስ (ግብ. 7:2, 52, 53) (ሐ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ (ግብ. 9:31): ዝገደፍዎ ኣብነታት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧ (ድራማን እቲ “ነቲ ብስራት ካብ ምስባኽ ‘ኣይተብኵሩ’” ዝብል ዝርርብን)
16. (ሀ) ንኣምላኽ በየናይ መገድታት ኢና ኽብሪ ኽንህቦ ዝወሰንና፧ (ለ) ነቲ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ኣብ ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸለና ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ (ዮሃ. 15:9, 10, 16፣ “ንኽብሪ የሆዋ ‘ብዙሕ ፍረ ኻብ ምፍራይ’ ኣይተብኵሩ”)
ነቲ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝቐረበ ባህ ዘብል መንፈሳዊ ትምህርቲ ምስ እነስተንትነሉ: ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ኽንድረኽ ኢና። (ፊል. 4:8, 9) እዚ ኸኣ ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ንኽንገብር’ ዘሎና ቘራጽነት ከደልድሎ እዩ።—1 ቈረ. 10:31