ናእዳ የበራትዕ
1 ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ቅድሚ ምድቃሳ እናነብዐት ነዲኣ “ሎሚ ጠባይ ገይረዶ ኣይወዓልኩን እየ፧” ኢላ ሓተተታ። እዛ ሕቶ እዚኣ ነታ ኣደ ኣሰምቢዳታ እያ። እታ ጓል ስነ-ስርዓት ገይራ ኸም ዝወዓለት ኣዲኣ እኳ እንተ ኣስተውዓለት: ንምንኣዳ ግን ዋላ ሓንቲ ቓል እውን ትኹን ኣየውስአትን። እዛ ንእሽቶ ጓል በዚ ምኽንያት እዚ ብምብካያ: ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ ዅላትና ናእዳ ኸም ዘድልየና እዩ መዘኻኸሪ ዝዀነና። ንሕናኸ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ስለቲ ዝገብርዎ ሰናይ ነገራት ሞሳና ብምግላጽ ነበራትዖም ዲና፧—ምሳ. 25:11
2 ንክርስትያናት ብጾት እንንእደሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ሽማግለታት: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ከምኡውን ፓይነራት ሓላፍነቶም ንምፍጻም ኣበርቲዖም ይዓዩ። (1 ጢሞ. 4:10፣ 5:17) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ንደቆም ብመገድታት የሆዋ ንኸዕብይዎም ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ። (ኤፌ. 6:4) ክርስትያን መንእሰያት ን“መንፈስ ዓለም” ንኽጻረሩ ኣበርቲዖም ይቃለሱ። (1 ቈረ. 2:12፣ ኤፌ. 2:1-3) ገሊኣቶም ከኣ እርጋን: ናይ ጥዕና ጸገማት: ወይ ካልእ ፈተናታት እኳ እንተለዎም: ብተኣማንነት ንየሆዋ የገልግሉ ኣለዉ። (2 ቈረ. 12:7) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ናእዳ የድልዮም እዩ። ነቲ ዝነኣድ ጻዕርታቶም ኣፍልጦ ንህበሉ ዲና፧
3 እተገብረ ነገር ጠቒስካ ብብሕቲ ዝወሃብ ናእዳ:- ምስ ጉባኤና ብሓባር ምስ እንነኣድ ንዅላትና የሐጕሰና እዩ። ይኹን እምበር: ብብሕቲ ኽንነኣድ ከለና ግን ብዝያዳ ኢና እንተባባዕ። ንኣብነት: ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቱ ኣብ ምዕራፍ 16 ንፌቤን: ንጵርስኪላን ንኣኪላስን: ንጥሬፌናን ንጥሬፎሳን: ንጰርሲስ: ከምኡውን ንኻልኦት ብፍላይ ንኢድዎም እዩ። (ሮሜ 16:1-4, 12) እቲ ቓላቱ ነቶም እሙናት ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣተባቢዕዎም ክኸውን ኣለዎ! ከምዚ ዝኣመሰለ ናእዳ ነሕዋትናን ኣሓትናን ተደለይቲ ምዃኖም መረጋገጺ ይዀኖም: ብዝያዳ ንኽንቀርቦም ድማ የኽእለና። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝገበሮ ነገር ጠቒስካ ብብሕቲ ዝነኣድካዮ ሰብ ኣሎዶ፧—ኤፌ. 4:29
4 ካብ ልቢ ዝመነጨ:- ናእዳ ብሓቂ ዘተባብዕ ንክኸውን: ካብ ልቢ ኽምንጭ ኣለዎ። እቲ እንዛረቦ ዘረባ ኻብ ልቢ ዝመነጨ እንተ ዀይኑ: ወይ ‘ብልዙብ ልሳን እነቀባጥር’ እንተሊና: ሰባት ይፈልጥዎም እዮም። (ምሳ. 28:23) ናይ ካልኦት ሰናይ ባህርያት ንኸነስተብህለሉ ርእስና እንተ ኣለማሚድና: ልብና ንኽንእዶም ክድርኸና እዩ። “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ” ምዃኑ ብምፍላጥ: ወትሩ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ናእዳ ንሃብ!—ምሳ. 15:23