ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሓድነት ብኸመይ እዩ ዝርከብ፧
1 ኣብ 234 ሃገራት ዝርከቡ 380 ቋንቋታት ዝዛረቡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሓድነት ክህልዎም ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘቕርብዎ ኣምልኾ ጥራይ እዩ ነዚ ኽገብር ዝኽእል። (ሚክ. 2:12፣ 4:1-3) ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሓድነት ኣብዚ ግዜና ኸም ዘሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ብሕታዊ ተመክሮኦም ይፈልጥዎ እዮም። ‘ብሓደ ጓሳ’ እንምራሕ “ሓደ መጓሰ” ኸም ምዃንና መጠን: ነቲ ፈላላዪ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ንኽንጻረሮ ወሲንና ኢና።—ዮሃ. 10:16፣ ኤፌ. 2:2
2 ኣምላኽ ኵሎም መስተውዓልቲ ፍጥረታቱ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓድነት ክህልዎም ዘይቅየር ዕላማ ኣለዎ። (ራእ. 5:13) የሱስ ናይዚ ኣገዳስነት ስለ ዝፈለጠ: ደቀ መዛሙርቱ ሓድነት ንኽህልዎም ልባዊ ጸሎት ገበረ። (ዮሃ. 17:20, 21) ኵላትና ንሓድነት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣበርክቶ እንገብር ብኸመይ ኢና፧
3 ሓድነት ብኸመይ እዩ ኽርከብ ዝከኣል፧ ብዘይ ቃል ኣምላኽን ብዘይ መንፈስ ቅዱስን: ክርስትያናዊ ሓድነት ክርከብ ኣይምተኻእለን ነይሩ። ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ምውዓልና: መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብዘይዓጋቲ ንኽውሕዝ የኽእሎ። እዚ ኸኣ “ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም” ጌርና ንኽንሕልዎ የኽእለና። (ኤፌ. 4:3) ብፍቕሪ ንሓድሕድና ንኽንጸዋወር እውን ይድርኸና። (ቈሎ. 3:13, 14፣ 1 ጴጥ. 4:8) ንስኻኸ መዓልታዊ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ብምስትንታን ሓድነትና ንኽድልድል ኣበርክቶ ትገብር ዲኻ፧
4 ንኽንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብርን እተዋህበና መዝነት ሓድነት የምጽኣልና እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ‘ስለ እምነት ወንጌል ብሓባር እናተጋደልና’ ምስ ኣሕዋትና ኸነገልግል ከለና: “ነታ ሓቂ መዓይይታ” ኢና እንኸውን። (ፊል. 1:27፣ 3 ዮሃ. 8) ከምዚ ኽንገብር ከለና: እቲ ንጉባኤና ሓድነት ዘምጽኣላ ማእሰር ፍቕሪ ይድልድል። እሞ ደኣ ንሓደ ኣብዚ ቐረባ እዋን ናብ ኣገልግሎት ሒዝካዮ ዘይከድካ ኣስፋሒ: ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ብሓባር ናብ ኣገልግሎት ንኽትከዱ ንምንታይ ዘይትዕድሞ፧
5 ኣባላት እቲ ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ዘሎ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ክንከውንስ ኣየ ኽንደይ ኰን ኢና ተባሪኽና! (1 ጴጥ. 5:9) ኣብዚ ቐረባ እዋን በሽሓት ዝቝጸሩ ክርስትያናት ኣብቲ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ነዚ ዓለምለኻዊ ሓድነት ብዓይኖም ርእዮምዎ እዮም። እምበኣር: ነፍሲ ወከፍና መዓልታዊ ቓል ኣምላኽ ብምንባብ: ንዘይምርድዳእ ብፍቕራዊ መገዲ ብምፍታሕ: ከምኡውን ነቲ ብስራት “ብሓደ ኣፍ” ብምስባኽ ነቲ ኽቡር ሓድነትና ኣበርክቶ ንግበር።—ሮሜ 15:6