ንስልጣን የሆዋ ኸነኽብር ኣሎና
ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ቆራሕ: ዳታን: ከምኡውን ኣቢራም ዚበሃሉ ሰባት ክትዝክር ከሎኻ: ኣብ ኣእምሮኻ ቕጅል ዚብለካ ነገር እንታይ እዩ፧ ዕልዋ! ኣንጻር መን፧ ኣንጻር እቲ ብኣምላኽ እተዋህበ ስልጣን። ዝርዝር ሓሳባት እዚ ዜሕዝን ፍጻመ እዚ ኣብ ዘሁልቍ ምዕራፍ 16 ተመዝጊቡ ንረኽቦ: ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ድማ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ትሕቲ “ንኣምላኻዊ ስልጣን ብተኣማንነት ተገዛእ” ዚብል ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ነዚ ጸብጻብ እዚ ምንባብ ጠቓሚ ዀይኑ ኽትረኽቦን ንጹር ስእሊ እቲ ዘጋጠመ ነገር ከኣ ኣብታ ሪስፐክት ጂሆቫስ ኣውቶሪቲ (ንስልጣን የሆዋ ኣኽብሩ) እትብል ቪድዮ ካሴት ክትርእዮን ትኽእል ኢኻ። ኣብታ ካሴት ነቲ ኣብ መንጎ እቶም እሙናት ዝነበሩ ደቂ ቆራሕን እቲ ምስ ሉዓላዊ ገዛኢ እተገራጨወ ዓለወኛ ኣቦኦምን ዝማዕበለ ዘይምስምማዕ ክትዕዘብ ኢኻ። (ዘሁ. 26:9-11) እዛ ኣብ ናይ ሓቂ ታሪኽ እተመስረተት ድራማ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኽንውስኸሉ ኸተለዓዕለና ኣለዋ።
ነታ ካሴት ክትርእያ ከሎኻ: ቆራሕን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓለወኛታት ሰዓብቱን ኣብቲ ንየሆዋ ዝነበሮም ተኣማንነት ዚፍተንሉ ዝነበረ እዋን: ተኣማንነት ካብ ምርኣይ ብሽዱሽተ ኣገደስቲ መዳያት ምስናፎም ኣስተብህል:- (1) ንኣምላኻዊ ስልጣን ደገፎም ምሃብ ዝኣበዩ ብኸመይ እዮም፧ (2) ትዕቢት: ህርፋን ስልጣን: ከምኡውን ቅንኢ ኺጸልዎም ዜፍቀድሉ ብኸመይ እዮም፧ (3) ኣብ ዘይፍጽምና እቶም የሆዋ ዚሸሞም ሰባት ዜተኵሩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (4) ከመይ ዝበለ ናይ ምዕዝምዛም መንፈስ እዮም ዘማዕበሉ፧ (5) በቲ እተዋህቦም ናይ ኣገልግሎት መሰል ዘይዓገቡ ስለምንታይ እዮም፧ (6) ንሰብኣዊ ዕርክነት ወይ ዝምድና ኻብቲ ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ንላዕሊ ኽብ ኣቢሎም ዝረኣይዎ ብኸመይ እዮም፧
ነቲ ኻብዛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ እተመሃርናዮ ትምህርቲ: ኣብቲ ንኣምላኻዊ ሰልጣን ዘሎና ብሕታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ከነንጸባርቖ ኸም እንኽእል ሕሰብ:- (1) ነቲ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ዚገብርዎ ውሳነታት ብኸመይ ኢና እንምልሰሉ: ስለምንታይከ፧ (2) ነቲ ኻብ ውሽጥና ዚለዓል ሕማቕ ድራኸ ኽንቃወሞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (3) ነቲ እቶም ንኽመርሑ እተሸሙ ኣሕዋት ዘርእይዎ ዘይፍጽምና ብኸመይ ኢና እንምልከቶ፧ (4) ናይ ምዕዝምዛም መንፈስ ኣብ ውሽጥና ኺዓቢ እንተደኣ ጀሚሩ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (5) ብዛዕባ እቲ እተዋህበና ዝዀነ ይኹን ናይ ኣገልግሎት መሰል ከመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧ (6) ካብቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ክብ ኣቢልና ኽንርእዮ ዘይብልና ነገር እንታይ እዩ: እዚኸ ኸቢድ ፈተና ኪዀነና ዚኽእል መዓስ እዩ፧
እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ጉባኤኻ ምስ ተመያየጥኩምሉ: ነታ ቪድዮ ካሴት ንምንታይ ደጊምካ ዘይትርእያ፧ ነቲ ንስልጣን የሆዋ ወትሩ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኸም ዘሎና ዚገልጽ ምኽንያት መሊእና ኽንርድኦ ኽትሕግዘና ነፍቅደላ!—መዝ. 18:25፣ 37:28