ነዝማድና ብኸመይ ክንምስክረሎም ንኽእል፧
1. ነዝማድና ኽንምስክረሎም ከለና ምስትውዓል ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
1 ምስቶም እነፍቅሮም ኣዝማድና ኣብ ኣምላኾ የሆዋ ሓቢርና ናብ ሓዳስ ዓለም ክንኣቱስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ነዝማድና እንተ መስኪርናሎም: ነዚ ዜሐጕስ ተስፋ እዚ ጋህዲ ኪኸውን ክንርእዮ ኢና። ነዚ ብዜሐጕስ መገዲ ምእንቲ ኽንገብሮ ምስትውዓል ከነርኢ የድልየና እዩ። ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “እቶም ነዝማዶም ሓሓሊፎም ምስክርነት ብምሃብ ሃንቀውታ ኸም ዜሕድሩ ዚገብርዎም ኣሕዋት ዝበለጸ ውጽኢት ረኺቦም እዮም” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ። ከምዚ ኽንገብር እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧
2. ኣብ ኣዝማድና ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምርኣይ ሃንቀውታ ኸም ዜሕድሩ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧
2 ሃንቀውታ ኸም ዜሕድሩ ግበር:- ናይ ኣዝማድካ ተገዳስነት ብኸመይ ከም እተለዓዕል ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ። (ምሳ. 15:28) ዜተሓሳስቦም ነገራት እንታይ እዩ፧ ከመይ ዝበለ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧ ምስቲ ብፍላይ ዜገድሶም ኣርእስቲ ዚተኣሳሰር ዓንቀጽ ወይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ብምጥቃስ ዘረባኻ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣዝማድካ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዚቕመጡ እንተደኣ ዀይኖም ድማ: ደብዳበ ብምጽሓፍን ተሌፎን ብምድዋልን ክትምስክረሎም ትኽእል ኢኻ። ኵሉ እቲ ምስክርነት ብሓደ ኣጋጣሚ ንኸተብጽሓሎም ከይተሃወኽካ ዘርኢ ሓቂ ዝራእ: የሆዋ ኼብቍሎ ድማ ብህድኣት ተጸበ።—1 ቈረ. 3:6
3. እቲ ኣዝማድና ብዛዕባና ዘለዎም ተገዳስነት ንኽንምስክረሎም መገዲ ኪኸፍተልና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
3 የሱስ ነቲ ብዙሓት ኣጋንንቲ ዘውጽኣሉ ሰብኣይ “ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ: እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐረካን ንገሮም” ብምባል መምርሒ ሃቦ። (ማር. 5:19) እዚ ኣብቶም ቤተሰቡ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ኺገብር ከም ዚኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ! ምናልባት ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ተመክሮ ኣየሕለፍካን ትኸውን: እንተዀነ ግን ኣዝማድካ ኣብ ንጥፈታትካን ንጥፈታት ውሉዳትካን ኬተኵሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዘቕረብካዮ ኽፍሊ: እተኻፈልካዮ ኣኼባታት: ናብ ቤትኤል ዝገበርካዮ ምብጻሕ: ወይ ገለ ብብሕትኻ ዝተንከፈካ ነገራት ምጥቃስ: ብዛዕባ የሆዋን ማሕበሩን ገለ ሓሳባት ንኸተካፍሎም መገዲ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ።
4. ነዝማድና ኽንምስክረሎም ከለና ኸነወግዶ ዘሎና እንታይ እዩ፧
4 መስተውዓሊ ኹን:- ነዝማድካ ኽትምስክረሎም ከለኻ: ኣብ ሓደ እዋን ኣዝዩ ብዙሕ ነገር ክትነግሮም ኣይትፈትን። ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ዝጀመረሉ እዋን ኪዝክር ከሎ “ነደይ ብዛዕባቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ትምህርትታት ሓንቲ ኸየትረፍኩ ንሰዓታት ዚኣክል እገልጸላ ነበርኩ: እዚ ድማ ዚበዝሕ ግዜ ብፍላይ ምስ ኣቦይ የከራኽረና ነበረ” ብምባል ይእመን። ሓደ ኻብ ኣዝማድካ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ኸም ዚግደስ እንተ ገሊጹልካ እውን ከይተረፈ: ምስኡ ኽትዘራረብ ከሎኻ ንመጻኢ ዝያዳ ሃንቀውታ ኸም ዜሕድር ዚገብር ዓይነት ኣዘራርባ ኽትጥቀም ኣሎካ። (ምሳ. 25:7) ኵሉ ግዜ ኸምቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስ እትረኽቦም ዘይትፈልጦም ሰባት እተርእዮ ባህርያት ይሃሉኻ። ኣኽብሮት: ሕያውነት: ዓቕሊ ኣርኢ።—ቈሎ. 4:6
5. ነዝድማና ኽንምስክረሎም ከለና ብጽቡቕ እንተ ዘይተቐበሉና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
5 ንየሱስ ኣዝማዱ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ተጸሊሉ እዩ ኢሎም ሓሰቡ። (ማር. 3:21) እንተዀነ ግን: ጸኒሖም ገለ ኻብኣቶም ኣመንቲ ዀኑ። (ግብ. 1:14) ነዝማድካ ኽትምስክረሎም ክትፍትን ከለኻ: ኣብ ፈለማ ብጽቡቕ እንተ ዘይተቐበሉኻ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኵነታቶምን ኣረኣእያኦምን ኪቕየር ይኽእል እዩ። ሃንቀውታኦም ንምልዕዓል ኪሕግዝ ዚኽእል ኣጋጣሚታት ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይትውዓል። ኣብቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚመርሕ መገዲ ምምልላስ ንኺጅምሩ ብምሕጋዝካ ኽትሕጐስ ኢኻ።—ማቴ. 7:13, 14