ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
1 ክርስትያን ወላዲ እንተደኣ ዄንካ: ደቅኻ ንየሆዋ ዜፍቅሩን ዜገልግሉን ኰይኖም ኪዓብዩ: መወዳእታኡ ድማ ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኢኻ እትደሊ። ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ንኺህብዎ ብኸመይ ምሓገዝካዮም፧ እቲ ቐንዲ ኽትሕግዘሉ እትኽእል መገዲ ኣብነት ብምዃን እዩ። (ምሳ. 20:7) ሓንቲ ሓብቲ ነቲ እታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረት ኣዲኣ ዝገደፈቶ ኣብነት ዘኪራ: “ንጉባኤ ምኻድን ዘይምኻድን ፍጹም ዜተሓታትት ኣይኰነን ነይሩ” ትብል። እዚ ነታ ሓብቲ ዘይሃስስ ጦብላሕታ እዩ ኣሕዲሩላ።
2 ስድራቤትካ ንዕላማ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ትግንዘቦ ድያ፧ እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ እንረኽቦ መምርሒ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንፍጽም እዩ ዜለዓዕለና: እቲ ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ሕውነት ድማ ምንጪ ምጽንናዕ እዩ ዚዀነና። (ኢሳ. 54:13፣ ሮሜ 1:11, 12) እንተዀነ ግን: ናይዚ ኣኼባታት እዚ ቐንዲ ዕላማ ንኣምላኽ ዓው ኢልካ “ኣብ ማሕበራት” ንምውዳስ እዩ። (መዝ. 26:12) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኽንገልጽን ከነምልኾን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።
3 ‘ብጥንቃቐ ተመልከት’:- እቲ ነቲ ቕዱስ ዕላማ ናይ ኣኼባታትና ዘሎና ሞሳ: ብሰንኪ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ጕዳያት ካብ ኣኼባታት ናይ ምብኳር ልማድ በብቕሩብ ንኸይነማዕብል ‘ብጥንቃቐ ንኽንምልከት’ ኪሕግዘና እዩ። (ኤፌ. 5:15, 16፣ እብ. 10:24, 25) ናይ ስድራቤት መደብ ከተውጽእ ከለኻ: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዚካየደሉ ግዜ ብምጽሓፍ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንኣኼባታት እተመደበ ግዜ ብኻልእ ንጥፈታት ኪተዓናቐፍ ኣይተፍቅድ። ኣብ ስድራቤትካ ኣኼባታት ምክፋል ቀዳማይ ቦታ ኸም ዚወሃቦ ግበር።
4 ኣሕዋትና ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ንምክፋል ብዙሕ ዕንቅፋት ከም ዚሰገሩ ኸነንብብ ከሎና ኣይንተባባዕንዶ፧ ንስኻውን ብተመሳሳሊ ዅነታትካ ኣዝዩ ዜጸግም እኳ ኣይኹን እምበር ብመጠኑ ገለ ጸገማት የጋጥመካ እዩ። ሰይጣን: ህዝቢ ኣምላኽ ንየሆዋ ምምላኽ ከም ዜጸግሞም ኪገብር እዩ ዚጽዕር። ይኹን እምበር: ደቅኻ ነቲ ስድራቤትካ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንምክፋል እትገብሮ ቘራጽነት ከም ዜስተብህሉሉ ኣይትጠራጠር። ብርግጽ: ከምዚ ብምግባር ንደቅኻ ኣብ ኣእምሮኦም ፈጺሙ ዘይሕከኽ መንፈሳዊ ውህበት ከተስርጸሎም ትኽእል ኢኻ።