ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/06 ገጽ 1
  • ካልኦት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ሓግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካልኦት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ሓግዞም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርብ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 10/06 ገጽ 1

ካልኦት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ሓግዞም

1 ሎሚ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ዚመጹ ሰባት መገድታት የሆዋ ይመሃሩ ኣለዉ። (ኢሳ. 2:2, 3) እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ‘ብትዕግስቲ ፍረ ንኺፈርዩ’: ንየሆዋ ኼፍቅሩ ኣለዎም። (ሉቃ. 8:15፣ ማር. 12:30) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ምስ ዘይትህልዎም ንዝዀነ ይኹን ሕማቕ ጽልዋታት ንምቅዋም ሓይሊ ይስእኑ: ቅኑዕ ዘበለ ነገራት ንምግባር ድማ ትብዓት ኣይህልዎምን። ካልኦት ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኼማዕብሉ ኽትሕግዘሉ እትኽእል ሓደ መገዲ: ንባህርያቱ ዘለዎም ሞሳ ኸም ዜዕብዩ ብምግባር እዩ። ነታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣዕሚቖም ኪምርምርዋ ኣተባብዓዮም።

2 ኣብነት ብምዃን:- እቲ ብብሕትኻ እትወስዶ ስጕምትታት: ኣብ ኣልባብ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮን ንህይወትካ ብኸመይ ከም ዚትንክፎን ኪርእዩ ኸለዉ: ንሳቶም እውን ብግዲኦም ከምኡ ዓይነት ርክብ ኪምስርቱ ይለዓዓሉ እዮም። (ሉቃ. 6:40) መብዛሕትኡ ግዜ: ካብቲ እንብሎ እቲ እንገብሮ ዝያዳ ጽልዋ ኣለዎ።

3 ወለዲ ንውሉዳቶም ንየሆዋ ኼፍቅሩ ኺሕግዝሉ ዚኽእሉ ቐንዲ መገዲ ኣብነት ብምዃን እዩ። (ዘዳ. 6:4-9) ንውሉዳቶም ኣብ ሓቂ ኼዕብዩ ዚደልዩ ወለዲ: ካብቶም ዕዉታት ዝዀኑ ወለዲ ምኽሪ ሓተቱ። እቲ ሰብኣይ: “ኵሎም ዘዘራረብኩዎም ዚሰማምዑሉ ሓደ ነገር: ናይ ወለዲ ኣብነት ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ” በለ። ስለዚ እምበኣር: ወለዲ “ዓርኪ ኣምላኽ” ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ብኣነባብራኦም ኣብነት ብምዃን ንውሉዳቶም ኪገልጹሎም ይኽእሉ እዮም።—ያእ. 2:23

4 ልባዊ ጸሎት:- ንኻልኦት ካብ ልቢ ኺጽልዩ ብምምሃር እውን ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ኬማዕብሉ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ናብቲ የሱስ ዝሓደጎ ናይ ኣብነት ጸሎትን ካልእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዚርከብ ልባዊ ጸሎትን ከም ዜተኵሩ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። (ማቴ. 6:9, 10) ብጸሎትካ ኣቢልካ ንውሉዳትካን መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህሮም ሰባትን ከመይ ገይሮም ከም ዚጽልዩ ኽትምህሮም ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኻብ ልቢ ዝነቐለ ቓላትካ ኺሰምዑ ኸለዉ: ናብ የሆዋ ብምቕራብ ንዚስምዓካ ስምዒት ኪርድኡ ይኽእሉ። ፈተናታት ኬጋጥሞም ከሎ ‘ጸሎት ኬዘውትሩ’ ኣተባብዓዮም። (ሮሜ 12:12) ኣብ ግዜ ሽግሮም ሓገዝ የሆዋ ኺረኽቡ ኸለዉ: ከም ናይ ሓቂ ዓርኮም መጠን ኣብኡ ኺውከሉን ኬፍቅርዎን እዮም።—መዝ. 34:8፣ ፊል. 4:6, 7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ