‘ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንገር’
1 ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ኣጋጣሚታት ረኺብካ ኽነስኻ ብዛዕባ እምነትካ ኻብ ምዝራብ ተድሓርሕርዶ፧ ንኣዝማድካ: ንጐረባብትኻ: ወይ ንዘይትፈልጦም ሰባት ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክትህብ የጸግመካዶ፧ ነቲ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ‘ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንኽንነግር’ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧—ፊል. 1:14
2 ኣይተድሓርሕር:- ኣብ ክንዲ ሓደ ብሓሶት ዚኽሰስ ዘሎ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ወይ ዘመድካ ኻብ ምጥባቕ መድሓርሓርካዶ፧ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ናይ ቀረባ ዓርክና ዝዀነ የሆዋ: ንዘመናት ዘይስሙ ኺወሃቦ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ክንዲ እቲ ዓብዪ ኣምላኽና ናይ ምምስካር ፍሉይ መሰል ኣሎና! (ኢሳ. 43:10-12) ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትና ዓማቝ ፍቕሪ: ሕፍረት ወይ ፍርሂ ኸይስምዓና ትሕግዘና: ንሓቂ ብትብዓት ካብ ምምስካር ኣብ ክንዲ እነድሓርሕር ድማ ብትብዓት ንኽንዛረብ ተተባብዓና።—ግብ. 4:26, 29, 31
3 መልእኽትና ብስራት ምዃኑ ኣይንረስዕ። ነቶም ዜቕልቡሉ ሰባት ነባሪ ጥቕምታት እዩ ዜምጽኣሎም። ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛእ ርእስና ወይ ኣብ ተጻረርትና እነተኵር: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዜምጽኦ ጥቕሚ ምትኳር ብትብዓት ንኽንሰብኽ ይሕግዘና።
4 ኣብነት ካልኦት:- ካብ ተኣማንነት እቶም ቃል ኣምላኽ ብዘይ ፍርሃት ዝነገሩ ሰባት ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሄኖክ ኣንጻር እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሓጥኣን ሰባት ፍርዲ የሆዋ ብትብዓት ኣዊጁ እዩ። (ይሁ. 14, 15) ኖህ ነቶም ተገዳስነት ዘይነበሮም ሰባት ብተኣማንነት ሰቢኹሎም እዩ። (ማቴ. 24:37-39) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ክርስትያናት ከቢድ ምጽራር ኣናኣጋጠሞም ክነሱ ብትብዓት ሰቢኾም እዮም። (ግብ. 4:13, 18-20) መብዛሕትኡ ግዜ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ዘመናዊ ታሪኽ ህይወት እቶም ኣብ የሆዋ ብምእማን ፍርሂ ሰብ ሰጊሮም ቀናኣት ወንጌላውያን ዝዀኑ ሰባት ሒዘናልና ይወጻ እየን።
5 ንታሪኽ ህይወት እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ጽንኵር ኵነታት ዘሕለፉ እሙናት ኣገልገልቲ ብምስትንታን ትብዓት ከነጥሪ ንኽእል ኢና። (1 ነገ. 19:2, 3፣ ማር. 14:66-71) ንሳቶም ‘ብኣምላኽና ተቢዖም:’ ብዘይ ፍርሂ ነገሩ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና!—1 ተሰ. 2:2