ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/07 ገጽ 1
  • ‘ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንገር’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንገር’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሱስ ምሰሎ—ብትብዓት ስበኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ቀጽሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ብትብዓትዶ ትሰብኽ ኢኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 4/07 ገጽ 1

‘ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንገር’

1 ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ኣጋጣሚታት ረኺብካ ኽነስኻ ብዛዕባ እምነትካ ኻብ ምዝራብ ተድሓርሕርዶ፧ ንኣዝማድካ: ንጐረባብትኻ: ወይ ንዘይትፈልጦም ሰባት ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክትህብ የጸግመካዶ፧ ነቲ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ‘ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንኽንነግር’ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧—ፊል. 1:14

2 ኣይተድሓርሕር:- ኣብ ክንዲ ሓደ ብሓሶት ዚኽሰስ ዘሎ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ወይ ዘመድካ ኻብ ምጥባቕ መድሓርሓርካዶ፧ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ናይ ቀረባ ዓርክና ዝዀነ የሆዋ: ንዘመናት ዘይስሙ ኺወሃቦ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ክንዲ እቲ ዓብዪ ኣምላኽና ናይ ምምስካር ፍሉይ መሰል ኣሎና! (ኢሳ. 43:10-12) ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትና ዓማቝ ፍቕሪ: ሕፍረት ወይ ፍርሂ ኸይስምዓና ትሕግዘና: ንሓቂ ብትብዓት ካብ ምምስካር ኣብ ክንዲ እነድሓርሕር ድማ ብትብዓት ንኽንዛረብ ተተባብዓና።—ግብ. 4:26, 29, 31

3 መልእኽትና ብስራት ምዃኑ ኣይንረስዕ። ነቶም ዜቕልቡሉ ሰባት ነባሪ ጥቕምታት እዩ ዜምጽኣሎም። ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛእ ርእስና ወይ ኣብ ተጻረርትና እነተኵር: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዜምጽኦ ጥቕሚ ምትኳር ብትብዓት ንኽንሰብኽ ይሕግዘና።

4 ኣብነት ካልኦት:- ካብ ተኣማንነት እቶም ቃል ኣምላኽ ብዘይ ፍርሃት ዝነገሩ ሰባት ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሄኖክ ኣንጻር እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሓጥኣን ሰባት ፍርዲ የሆዋ ብትብዓት ኣዊጁ እዩ። (ይሁ. 14, 15) ኖህ ነቶም ተገዳስነት ዘይነበሮም ሰባት ብተኣማንነት ሰቢኹሎም እዩ። (ማቴ. 24:37-39) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ክርስትያናት ከቢድ ምጽራር ኣናኣጋጠሞም ክነሱ ብትብዓት ሰቢኾም እዮም። (ግብ. 4:13, 18-20) መብዛሕትኡ ግዜ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ዘመናዊ ታሪኽ ህይወት እቶም ኣብ የሆዋ ብምእማን ፍርሂ ሰብ ሰጊሮም ቀናኣት ወንጌላውያን ዝዀኑ ሰባት ሒዘናልና ይወጻ እየን።

5 ንታሪኽ ህይወት እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ጽንኵር ኵነታት ዘሕለፉ እሙናት ኣገልገልቲ ብምስትንታን ትብዓት ከነጥሪ ንኽእል ኢና። (1 ነገ. 19:2, 3፣ ማር. 14:66-71) ንሳቶም ‘ብኣምላኽና ተቢዖም:’ ብዘይ ፍርሂ ነገሩ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና!—1 ተሰ. 2:2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ