ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/07 ገጽ 1
  • “ንድኹም ሓይሊ ይህብ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንድኹም ሓይሊ ይህብ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • “ንድኹም ሓይሊ . . . ይህብ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ‘ቃል እምነት እተመገቡ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 5/07 ገጽ 1

“ንድኹም ሓይሊ ይህብ”

1 ኵላትና ሓሓሊፍና ንደክም ኢና። እዚ ድኻም እዚ ስራሕ ብምስራሕና ወይ ካልእ ኣካላዊ ንጥፈታት ብምግባርና ጥራይ ዘይኰነስ: ብሰንኪ እቲ ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” ዜጋጥመና ብድሆታት እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን: ኣብ ኣገልግሎት ከይንዝሕል ዚሕግዘና መንፈሳዊ ብርታዐ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧ ነዚ ኣብቲ ‘ብርቱዕ ሓይሊ’ ዘለዎ የሆዋ ብምውካል ኢና እንገብሮ። (ኢሳ. 40:26) የሆዋ ዜድልየና ነገራት ይፈልጦ: ንኺሕግዘና ድማ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣለዎ።—1 ጴጥ. 5:7

2 መሰናድዎታት የሆዋ:- የሆዋ በቲ ንዅሉ ፍጥረት ንምፍጣር እተጠቕመሉ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓይሊ ማለት መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ የሐይለና እዩ። እንተ ደኺምና: መንፈስ ኣምላኽ ‘ሓይልና ንኺሕደስ’ ይሕግዘና። (ኢሳ. 40:31) ንገዛእ ርእስኻ: ‘ክርስትያናዊ ግዴታይ ንምፍጻም ምእንቲ ኺሕግዘኒ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበኒ ፈልየ ዝጸለኹሉ ግዜ መዓስ እዩ፧’ ኢልካ ሕተት።—ሉቃ. 11:11-13

3 ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ከምኡውን ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ብእንገብሮ መጽናዕቲ ኣቢልና መንፈሳዊ ምግቢ ብምምጋብ: ከምታ “ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም” ክንከውን ኢና።—መዝ. 1:2, 3

4 የሆዋ በቶም ‘ንምጽንናዕ’ ኪዀኑና ዚኽእሉ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እውን ይጥቀም እዩ። (ቈሎ. 4:10, 11) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ በቲ ሃናጺ ዕላሎም: ብሓሳባቶም: ከምኡውን በቲ ዜቕርብዎ መደረታት ኣቢሎም ኬሐይሉና ይኽእሉ እዮም። (ግብ. 15:32) ብፍላይ ክርስትያን ሽማግለታት መንፈሳዊ ሓገዝን ምትብባዕን ይህቡ እዮም።—ኢሳ. 32:1, 2

5 ኣገልግሎት:- ዝደኸምካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ምስባኽ ኣይተቋርጽ! ኣብ ኣገልግሎት ኣዘውቲርካ ምክፋል: ከምቲ ኻልእ ንጥፈታት ዜድክም ዘይኰነስ: ብሓቂ ዜሐድስ እዩ። (ማቴ. 11:28-30) ነቲ ብስራት ምስባኽና: ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነተኵር ከምኡውን ንዘለኣለም ምንባርን ነቲ ዜምጽኦ በረኸትን ኣማዕዲና ንኽንርኢ ይሕግዘና።

6 እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምጥፍኡ ብዙሕ ኪዕመም ዘለዎ ነገራት ኣሎ። በቲ ‘ኣምላኽ ዚህበና ሓይሊ’ ኣብ ኣገልግሎት ጸኒዕና ንኽንቅጽል እኹል ምኽንያት ኣሎና። (1 ጴጥ. 4:11) የሆዋ ‘ንድኹም ሓይሊ ስለ ዚህብ’: ብሓገዙ ዕዮና ኽንዛዝም ኢና።—ኢሳ. 40:29

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ