‘ብዙሕ ፍረ ምፍራይ’ ቀጽል
1 የሱስ ምሳልያዊ ስያመታት ተጠቒሙ: ንገዛእ ርእሱ ኸም ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ: ንኣቦኡ ኸም ተኻሊ: ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ሰዓብቱ ድማ ከም ፍረ ዚፈሪ ጨንፈር ወይኒ ገይሩ መሰሎም። የሱስ ንዕዮ እቲ ምሳልያዊ ተኻሊ ኣመልኪቱ ኺገልጽ ከሎ: ምስቲ ጕንዲ ወይኒ ጸኒዕካ ምቕጻል ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሐ። (ዮሃ. 15:1-4) ካብዚ እንረኽቦ ትምህርቲ: ዝዀነ ይኹን ምስ የሆዋ ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ዘለዎ ሰብ: ከም ጨንፈር እቲ “ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ” ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ፍረ ዚፈሪ ኪኸውን ከም ዘለዎ እዩ። “ፍረ መንፈስ” ከምኡውን ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዝሒ ምፍራይ ክንቅጽል ኣሎና።—ገላ. 5:22, 23፣ ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20
2 ፍረ መንፈስ:- መንፈሳዊ ዕቤትና ብዓብዪኡ በቲ እነንጸባርቖ ፍረ መንፈስ ኪዕቀን ይኽእል እዩ። ኣዘውቲርካ ቓል ኣምላኽ ብምንባብን ብምስትንታንን ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ከተማዕብል ትጽዕርዶ፧ (ፊል. 1:9-11) ንየሆዋ ዜኽብር ባህርያት ከተፍርን ብቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብርን ኪሕግዘካ ዚኽእል መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበካ ኻብ ምጽላይ ድሕር ኣይትበል።—ሉቃ. 11:13፣ ዮሃ. 13:35
3 ፍረ መንፈስ ምምዕባል ቀናኣት ኣገልገልቲ ንኽንከውን እውን ኪሕግዘና እዩ። ንኣብነት: ብስራሕ ትሑዛት ዚገብረና መደብ እኳ እንተ ኣሎና: ፍቕርን እምነትን ግን ብስሩዕ ኣብ ኣገልግሎት ንኽንካፈል ይድርኻና። ከም ሰላም: ዓቕሊ: ለውሃት: ህድኣት: ከምኡውን ርእስኻ ምግታእ ዝኣመሰላ ባህርያት ንተጻረርቲ ብግቡእ ንኽንምልሰሎም ይሕግዛና። ሓጐስ ከኣ ሰባት ነቲ ብስራት እንተ ዘይተቐበልዎ እውን ከይተረፈ ዕግበት ንኽንረክብ ተኽእለና።
4 ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ:- ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ክንፈሪ እውን ንደሊ ኢና። እዚ “መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ [ንስም የሆዋ] ዚእመና ፍረ ኸናፍር” ምቕራብ የጠቓልል። (እብ. 13:15) ነቲ ብስራት ብቕንኣትን ብጽንዓትን ብምእዋጅ “መስዋእቲ ምስጋና” ኸነቕርብ ንኽእል ኢና። ኣገልግሎትካ ብምምሕያሽ ብዙሕ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ክትፈሪ ትጽዕርዶ፧
5 የሱስ ነቲ እቲ እሙናት ሰዓብቱ ዚፈርይዎ ብዝሒ ፍረ ኸም ዚፈላለ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 13:23) ስለዚ: ንርእስና ምስ ካልኦት ከነወዳድራ የብልናን፣ ኣብ ክንዳኡ እቲ ዚከኣለና ዘበለ ንየሆዋ ንሃቦ። (ገላ. 6:4) ቃል ኣምላኽ ተጠቒምና ንርእስና ብቕንዕና ምምርማር: ‘ብዙሕ ፍረ ብምፍራይ’ ንየሆዋ ምኽባር ክንቅጽል ኪሕግዘና እዩ።—ዮሃ. 15:8