ሕቶ ሳጹን
◼ ምስ ዘይንፈልጦ ሰብ ብኢንተርነት ምርኻብ: እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧
ሰባት ብኢንተርነት ንኺራኸቡን መልእኽትታት ንኺለኣኣኹን ተባሂሉ ብዙሕ ወብ ሳይት ተዳልዩ እዩ። ብዙሕ ካብዚ ወብ ሳይት እዚ: ውልቀ-ሰባት ስእሎምን ካልእ ብሕታዊ ሓበሬታን ዜጠቓልል ናይ ገዛእ ርእሶም ሓበሬታ ኣዳልዮም ኪዝርግሕሉ ዜኽእል እዩ። እቶም ነዚ ሓበሬታ እዚ ዚርእይዎ ሰባት ድማ ምስኦም ኪራኸቡ ይኽእሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ወብ ሳይት ኣብ መንእሰያት ኣዝዩ ግኑን እዩ፣ ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ገለ መንእሰያት እውን ምስቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና ዚብሉ ሰባት በዚ መገዲ እዚ ይራኸቡ እዮም።
ሓደ ብኢንተርነት እንረኽቦ ሰብ: ብዛዕባ መንነቱ: መንፈሳውነቱ: ከምኡውን ድራኸታቱ ኼታልለና ቐሊል እዩ። (መዝ. 26:4) ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር እየ ዚብል ወልቀ-ሰብ: ዘይኣማኒ: እተወገደ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንክርስትያናት ንምዕንቃፍ እተዓጥቀ ኸሓዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ገላ. 2:4) ብዙሓት ንቘልዑ ብጾታዊ መዳይ ዜራኽሱ ሰባት: ግዳይ ዚገብርዎም ሰባት ንምርካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወብ ሳይት ይጥቀሙ እዮም።
እቶም እንረኽቦም ሰባት ዋላ እውን ኣብ ጉባኤ ብጽቡቕ ከም ዚመላለሱ ንፈልጥ እንተ ዀንና: ብኸምዚ ኣገባብ ዚግበር ዕላል ብቐሊሉ ናብ ዘይጥዑይ ዕላል ኪቕየር ይኽእል እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ሰባት ብኣካል ምስ ዘይረኸብዎም ሰባት ኬዕልሉ ኸለዉ ብዙሕ ስለ ዘይቍጠቡ እዩ። ብተወሳኺ እውን: ብኢንተርነት ዚግበር ዕላላት ስቱር ከምኡውን እቲ ዚብልዎ ብኸም ወለዶምን ሽማግለታትን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ሰባት ዘይፍለጥ ኰይኑ ይስምዖም። እቲ ዜሕዝን ብዙሓት ኣብ ክርስትያናዊ ስድራቤታት ዝዓበዩ መንእሰያት ብኸምዚ ተፈንጢሮምን ብዕሉግ ዘረባ ለሚዶምን እዮም። (ኤፌ. 5:3, 4፣ ቈሎ. 3:8) ካልኦት ድማ ነቲ ብዛዕባኦም ዚገልጽ ሓበሬታ: ንጾታዊ ስምዒታት ዜለዓዕል ናይ ገዛእ ርእሶም ስእልታት: ርኹስ ሳጓታት ወይ ጾታዊ ርክብ ብግልጺ ናብ ዜርኢ ናይ ቪድዮ ሙዚቃታት ዘለዎ ወብ ሳይት ዚሕብር ኣድራሻታት ኣእትዮምሉ እዮም።
ወለዲ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ ግምት ብምእታው: ደቆም ኣብ ኮምፕዩተር ዚገብርዎ ንጥፈታት ኪቈጻጸርዎ ይግባእ። (ምሳ. 29:15) ንሓደ ዘይንፈልጦ ሰብ ናብ ገዛና ኽንዕድሞ ወይ ምስ ደቅና ንበይኑ ኽንገድፎ ሓደገኛ እዩ። ብተመሳሳሊ: ንሕና ንኹን ደቅና ምስ ዘይንፈልጦም ሰባት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና ምስ ዚብሉ እውን ከይተረፈ: ብኢንተርነት ክንተዓራረኽ ሓደገኛ እዩ።—ምሳ. 22:3