መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓ.
“ብዛዕባ ሓደ የሱስ ዝበሎ ነገር ርእይቶኻ ኽሰምዕ ምደለኹ። [ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ።] ሓጐስ ንኽትረክብ መንፈሳውነት ዜድሊዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ መንፈሳውነት እንታይ ከም ዚብልን ብኸመይ ክንረኽቦ ኸም እንኽእልን ትገልጽ።”
Awake! Aug.
መንእሰይ ምስ እትረክብ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ:- “ብዙሓት ከማኻ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ብሃሳዪ ሕሜት ተጐዲኦም እዮም። ከምኡ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ግዳይ ሕሜት እንተ ደኣ ዄንና ኺሕግዘና ዚኽእል ጽቡቕ ምኽሪ ይህበና። ካብ ጐዳኢ ሕሜት ብኸመይ ክንርሕቕ ከም እንኽእል እውን ይገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 12 ዘላ ዓንቀጽ ኣርእዮ: ሓንቲ ኻብተን ኣብኡ ተጠቒሰን ዘለዋ ጥቕስታት ድማ ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ነሓ.
“ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለካ ኽፈልጥ ምደለኹ። [እብራውያን 3:4 ኣንብብ።] ንዅሉ ፍጥረታት ሓደ ኣስተውዓሊ ነዳፊ ኸም ዘለዎስ ትሰማምዓሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ ሓደ ነዳፊ ምእማን ምስ ናይ ሓቂ ስነ-ፍልጠት ዚቃዶ ምዃኑን ዘይምዃኑን ትምርምር።”
Awake! Sept.
“መብዛሕትና ጽቡቕ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ኪህልወና ንመነ ኢና። ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ምሓዝ ንጥዕናና ኸመሓይሾ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምሳሌ 17:22 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኸተማዕብል ምጽዓር ጠቓሚ ዝዀነሉ ምኽንያት ተብርህ።” ነታ ኣብ ገጽ 26 ዘላ ዓንቀጽ ኣርእዮ።