ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ
ፍረ ነገር እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2008 ዚውሰድ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ “ንሕና መሬት ኢና: የሆዋ ድማ ሰራሒና እዩ” ዚብል ኰይኑ ኣብ ኢሳይያስ 64:8 እተመስረተ እዩ። እቲ በዚ መደብ እዚ ኣቢሉ ዚወሃበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ንጥበብ: ፍትሒ: ሓይሊ: ከምኡውን ፍቕሪ እቲ ዓብዪ ሰራሒ ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸም እንውስኽ ኪገብረና እዩ።
እቲ ብሓላው ወረዳ ዚቐርብ “ኣብ ኣገልግሎት ከም ኣቓሑ ኽብረት ኴንካ ምግልጋል” ዘርእስቱ መደረ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ሓቂ ብምፍላጥን ንኻልኦት ብምክፋልን ዚርከብ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ ኸም ዘለዉ ኺገልጽ እዩ። እቲ “ምስትንታን ኬዕቍበኩም እዩ” ዘርእስቱ መደረ ብዛዕባ እቲ ጻድቕ ስርዓታት የሆዋ ምስትንታን ብኸመይ ከም ዜዕቍበና ኺገልጽ እዩ። እቲ በጻሒ ተዛራባይ “ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ከምኡውን “በቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ተቐረጹ” ዚብል ፍረ ነገር ዘለዎ መደረታት ኬቕርብ እዩ። ወለድን መንእሰያትን ድማ ካብቲ “ንየሆዋ ዚጠቕሙ መንእሰያት” ከምኡውን “ወለዲ ኣብ ምቕራጽ ዘለዎም ኣገዳሲ ግደ” ዚብል መደረታት ምትብባዕ ኪረኽቡ እዮም። በቲ ዚቐርብ መርኣያታትን ቃለ-መጠይቓትን ኣቢልና ድማ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣገልግሎት ዚዓምዎ ዘለዉ ዕዮታት ብምስማዕን ብምዕዛብን ክንሕጐስ ኢና። እቶም ንኣምላኽ ዝገበርዎ ወፈያ ብማይ ብምጥማቕ ኬርእዩ ዚደልዩ: ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ንኣስተናባሪ ሓላዊ ኺሕብርዎ ኣለዎም። ነታ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ዚካየደላ ሰሙን እትጽናዕ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ምምላእ ኣይትረስዑ።
እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት: ዝዓለሞ ዘበለ ይፍጽሞ እዩ። ነቲ ንዓና ንምቕራጽ ዚገብሮ ነገር ብኸመይ ምላሽ ከም እንህበሉ ግን ኣብ ምርጫ ነፍሲ ወከፍና ዚግደፍ እዩ። እቶም ንመዓቀኒታትን ኵላዐን የሆዋ ብጥበብ ዚቕበሉ: ከም ኣብ ኢድ ሰራሕ መሬት ዘሎ ጭቃ ቕርጺ ይሕዙ: ይስለሙ: ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ጠቓሚ ኣቕሓ ይቕየሩ። ምስ የሆዋ ምስ እንተሓባበር: ልዑላውነቱ ነኽብር ብዙሕ በረኸት ከኣ ንረክብ።