ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/07 ገጽ 3
  • ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬትን ስርሓት ኢዱን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • የሆዋ ኸም ሰራሕ ካይላ ዀይኑ ኸም ዚቐርጸና ነስተውዕል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ተግሳጽ የሆዋ ይቕረጽካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 11/07 ገጽ 3

ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ

ፍረ ነገር እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2008 ዚውሰድ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ “ንሕና መሬት ኢና: የሆዋ ድማ ሰራሒና እዩ” ዚብል ኰይኑ ኣብ ኢሳይያስ 64:8 እተመስረተ እዩ። እቲ በዚ መደብ እዚ ኣቢሉ ዚወሃበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ንጥበብ: ፍትሒ: ሓይሊ: ከምኡውን ፍቕሪ እቲ ዓብዪ ሰራሒ ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸም እንውስኽ ኪገብረና እዩ።

እቲ ብሓላው ወረዳ ዚቐርብ “ኣብ ኣገልግሎት ከም ኣቓሑ ኽብረት ኴንካ ምግልጋል” ዘርእስቱ መደረ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ሓቂ ብምፍላጥን ንኻልኦት ብምክፋልን ዚርከብ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ ኸም ዘለዉ ኺገልጽ እዩ። እቲ “ምስትንታን ኬዕቍበኩም እዩ” ዘርእስቱ መደረ ብዛዕባ እቲ ጻድቕ ስርዓታት የሆዋ ምስትንታን ብኸመይ ከም ዜዕቍበና ኺገልጽ እዩ። እቲ በጻሒ ተዛራባይ “ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ከምኡውን “በቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ተቐረጹ” ዚብል ፍረ ነገር ዘለዎ መደረታት ኬቕርብ እዩ። ወለድን መንእሰያትን ድማ ካብቲ “ንየሆዋ ዚጠቕሙ መንእሰያት” ከምኡውን “ወለዲ ኣብ ምቕራጽ ዘለዎም ኣገዳሲ ግደ” ዚብል መደረታት ምትብባዕ ኪረኽቡ እዮም። በቲ ዚቐርብ መርኣያታትን ቃለ-መጠይቓትን ኣቢልና ድማ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣገልግሎት ዚዓምዎ ዘለዉ ዕዮታት ብምስማዕን ብምዕዛብን ክንሕጐስ ኢና። እቶም ንኣምላኽ ዝገበርዎ ወፈያ ብማይ ብምጥማቕ ኬርእዩ ዚደልዩ: ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ንኣስተናባሪ ሓላዊ ኺሕብርዎ ኣለዎም። ነታ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ዚካየደላ ሰሙን እትጽናዕ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ምምላእ ኣይትረስዑ።

እቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት: ዝዓለሞ ዘበለ ይፍጽሞ እዩ። ነቲ ንዓና ንምቕራጽ ዚገብሮ ነገር ብኸመይ ምላሽ ከም እንህበሉ ግን ኣብ ምርጫ ነፍሲ ወከፍና ዚግደፍ እዩ። እቶም ንመዓቀኒታትን ኵላዐን የሆዋ ብጥበብ ዚቕበሉ: ከም ኣብ ኢድ ሰራሕ መሬት ዘሎ ጭቃ ቕርጺ ይሕዙ: ይስለሙ: ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ጠቓሚ ኣቕሓ ይቕየሩ። ምስ የሆዋ ምስ እንተሓባበር: ልዑላውነቱ ነኽብር ብዙሕ በረኸት ከኣ ንረክብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ