ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/07 ገጽ 8
  • ንዅልና ዚኸውን ምጽንናዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዅልና ዚኸውን ምጽንናዕ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ገየሽቲ ተዓዘብቲ— ኣብ ሓቂ መተዓይይቲ
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
  • ንዓና ንምግልጋል ይተግሁ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ገየሽቲ ተዓዘብቲ ብኸመይ እሙናት መገብቲ ኰይኖም ከም ዘገልግሉ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 10/07 ገጽ 8

ንዅልና ዚኸውን ምጽንናዕ

1. ምብጻሕ ገየሽቲ ሓለውቲ እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚታት እዩ ዚኸፍት፧

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ: “ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም: ክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ: ማለት: በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት:—ናትኩምን ናተይን: ኣባኹምን ምሳኹምን:—ምእንቲ ኽንጸናናዕ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 1:11, 12) እዚ ሎሚ ብገየሽቲ ሓለውቲ ዚግበር ምብጻሕ: ንሓድሕዳዊ ምጽንናዕ ዚኸውን ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ዚኸፍት እዩ።

2. ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ኣቐዲሙ ዚሕበረና ስለምንታይ እዩ፧

2 ጉባኤ:- ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ነታ ጉባኤ ብሓፈሻ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ይሕበራ። እዚ ድማ ካብቲ ምብጻሕ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ኣቐዲምና መደብና ኸነተዓራሪ የኽእለና። (ኤፌ. 5:15, 16) ዓለማዊ ስራሕ ትሰርሕ እንተ ደኣ ዄንካ: ኣብታ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ወፍሪ ምእንቲ ኽትካፈል ዕረፍቲ ኺወሃበካ ኽትሓትት ትኽእል ትኸውን። ገሊኦም ኣብታ ምብጻሕ ዚግበረላ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ይምድቡ። ክትገይሽ እንተ ደኣ መዲብካ: ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ጉባኤኻ ንኽትርከብ ምትዕርራይ ክትገብር ትኽእልዶ፧

3. ኣብ እዋን እቲ ምብጻሕ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽንረክብ: ብብሕትና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

3 ቀንዲ ዕላማ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ: ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብሕታዊ ምትብባዕን ስልጠናን ምሃብ እዩ። ምስኡ ወይ ምርዑው እንተ ዀይኑ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኸተገልግል ክትሓትት ትኽእልዶ፧ እቲ ሓላው ወረዳ ምስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ: እንተላይ ምስቶም ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ወይ ክኢላታት ዘይኰኑ ምዕያይ ባህ ይብሎ እዩ። ኵልና ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎት ዚጥቀመሉ ኣቀራርባ ኽንመሃርን ነቲ ብሕያውነት ዚህበና ዝዀነ ይኹን ሓሳባት ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 4:16, 17) ምሳና ንኺምሳሕ ምዕዳም እውን ምጽንናዕ ክንረኽበሉ እንኽእል ተወሳኺ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ። (እብ. 13:2) መደረታቱ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ስለ ዝዀነ: ጽን ኢልና ንስምዓዮ።

4. ንሓላው ወረዳና ብኸመይ ከነጸናንዖ ንኽእል፧

4 ሓላው ወረዳ:- ሃዋርያ ጳውሎስ ልክዕ ከምቶም ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ ኣሕዋት እዩ ነይሩ። በዳሂ ዅነታትን ዜጨንቕ ነገራትን የጋጥሞ ስለ ዝነበረ: ምጽንናዕ የድልዮን ነቲ እተዋህቦ ምጽንናዕ የማስወሉን ነበረ። (2 ቈረ. 11:26-28) እቶም ኣብታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት: ጳውሎስ እሱር ኰይኑ ናብታ ኸተማ ይመጽእ ምህላዉ ምስ ፈለጡ: ገሊኦም ንኺረኽብዎ ናብቲ 74 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ዕዳጋ ኣጵዩስ ተጓዕዙ። “ጳውሎስ ከኣ ምስ ረአዮም: ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ።” (ግብ. 28:15) ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ ንሓላው ወረዳኻ ኸተጸናንዖ ትኽእል ኢኻ። ንምብጻሑ ብውዕዉዕ ስምዒት ብምድጋፍ: “ዕጽፊ ኽብሪ” ኣርእዮ። (1 ጢሞ. 5:17) ነቲ ምእንታኹም ኢሉ ዚገብሮ ጻዕርታት ብሓቂ ኸም እተማስወሉ ግለጸሉን ኣርእዮን። ንሱን ሰበይቱን እምነትኩም: ፍቕርኹም: ከምኡውን ትዕግስትኹም ምስ ዚርእዩ ኺሕጐሱ እዮም።—2 ተሰ. 1:3, 4

5. ሎሚ ዅልና ምጽንናዕ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

5 መን ካባና እዩ እሞ ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ ምጽንናዕ ዘየድልዮ፧ (2 ጢሞ. 3:1) ኣብታ ሓላው ወረዳ ዚበጽሓላ ፍልይቲ ሰሙን ክትርከብን: ኣብቲ ዚግበር ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ክትካፈልን ወስን። ኵላትና ገየሽቲ ሓለውትን ኣስፋሕትን ንሓድሕድና ኽንጸናናዕ ንኽእል ኢና። በዚ መገዲ እዚ: ‘ንሓድሕድና ኽንመዓዓድን ክንተሃናነጽን’ ኢና።—1 ተሰ. 5:11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ