ንኻልኦት ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ነካፍሎም ኢና
1 ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት: ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ተስፋ ዚበሃል የብሎምን። (ኤፌ. 2:12) ካልኦት ድማ ኣብ ስጋዊ ነገራት: ኣብ ሰብኣውያን መራሕቲ: ኣብ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ምትእምማን የሕድሩ። ንመጻኢ “ከም መልህቅ ነፍሲ: ድልድልትን ጽንዕትን” ዝዀነት ናይ ሓቂ ተስፋ ስለ ዘላትናስ ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ኰን ኢና!—እብ. 6:19
2 ምድሪ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ: ናብ ገነት ክትልወጥ እያ። ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ኪትንስኡ እዮም። (ግብ. 24:15) ድኽነት: ዘይፍትሓውነት: ሕማም: እርጋን: ከምኡውን ሞት ኪጠፍእ እዩ። (መዝ. 9:18፣ ማቴ. 12:20, 21፣ ራእ. 21:3, 4) እዚ ገለ ኻብቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዚፍጸም መብጽዓታት የሆዋ እዩ። ንስኻኸ ብፍላይ ነየናይ መዳይ ተስፋና ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበዮ፧
3 ብስራት ኣውጅ:- ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ንርእስና ሒዝናዮ ጥራይ ስቕ ክንብል የብልናን። ንኣምላኽን ንብጾትናን ዘላትና ፍቕሪ: ንየሱስ ክንመስሎን ‘ንድኻታት ከነበስሮም ንምሩኻት ከነምልስ: ንዕዉራት ምርኣይ: ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ክንሰብኽ’ ተለዓዕለና። (ሉቃ. 4:18) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዕዳጋን ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ቦታን ነቲ ብስራት ሰበኸ። ኣብ ኣገልግሎት ድማ ጸኒዑ ነበረ። (ግብ. 18:5) ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ናይ ምክፋል ኣብነቱ ምስ እንስዕብ: “ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን” ንክርስትያናዊ ተስፋና ኸይህስሳ ኸነዕቍባ ንኽእል ኢና።—ማር. 4:19
4 ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቕሊሎም ዚርእዩ: ዘይግደሱ: ወይ ብግልጺ ዚጻረሩ ሰባት ምስ ዜጋጥሙና: እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋ ኣይሃስስን እዩ። “ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ።” (እብ. 10:23) ‘ብወንጌል ኣይንሓፍርን’ ኢና። (ሮሜ 1:16) እቲ እነርእዮ ምትእምማንን ዓቕልን ንገሊኦም ሰባት ንኺሰምዑና ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ።
5 ነቲ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም ኣቓልቦ ኸም ዚግበረሉ ንገብር እኳ እንተ ዀንና: ሰበኽቲ ጥፍኣት ግን ኣይኰንናን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣገልግሎትና ኣብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትህቦ ተስፋ ማለት ኣብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ እዩ። ሃየ እምበኣር: ‘ተስፋና ኽሳዕ መወዳእታ ንምምላእ’ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምትእምማንን ብቕንኣትን ንስበኽ!—እብ. 6:11