ንስቡራት ልቢ ኣጸናንዕ
1 ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ ከም ሎሚ ገይሩ ምጽንናዕ ኣድልዩ ኣይፈልጥን። ኣስኣሰር መሪሕነት እቲ ንጉስና ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ብምስዓብ: ንሕና እውን ‘ንስቡራት ልቢ ኽንዝንን’ ንጽዕር ኢና።—ኢሳ. 61:1
2 ኣቀራርባ:- ንሰባት ንምጽንናዕ: ኣብ ኣገልግሎትና ሚዛኑ ዝሓለወ ዜተባብዕ ኣቀራርባ ኺህልወና ኣለዎ። ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ሕማቕ ተግባራትን ናይ ሓሶት እምነታትን ክንመያየጥ ከለና: ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታትን ዜጸናንዕ መብጽዓታት ኣምላኽን ኣብ ዕላልና ዝለዓለ ቦታ ኺሕዝ ኣለዎ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ብዛዕባ ኣርማጌዶን ክንመያየጥ የብልናን ማለት ኣይኰነን። ዕዮና “ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን” ኽንእውጅን ‘ነቲ ረሲእ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ምእንቲ ኺምለስ’ ኸነጠንቅቕን እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ብዛዕባ ኣርማጌዶንን ከም ውጽኢቱ ዚስዕብ ዕንወትን እንህቦ መጠንቀቕታ ንፍረ ነገር እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዓብጦ የብሉን።—ኢሳ. 61:2፣ ህዝ. 3:18፣ ማቴ. 24:14
3 ካብ ቤት ናብ ቤት:- ብሰንኪ ሕማም: ሞት እተፍቅሮ ሰብ: ዘይፍትሓዊ ተግባራት: ወይ ቍጠባዊ ጸገማት ሕልናኦም ዝዓረቦም ሰባት ፈቐዶኡ እዮም ዚርከቡ። ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን: ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ‘ንድንግጸሎም’ ኢና። (ሉቃ. 7:13፣ ሮሜ 12:15) ምስቲ ጸገሞም ዚኸይድ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕሲ ንጠቕሰሎም እኳ እንተ ዀንና: ስምዒታቶም ኪገልጹ ምእንቲ ኪኽእሉ: ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት’ ክንከውን ኣሎና። (ያእ. 1:19) ቅድም ምስ ሰማዕናዮም ኢና ንኸነጸናንዖም ድሉዋት ክንከውን እንኽእል።
4 ኣብ ዝርርብና ኸለና ኣብ ዚጥዕም እዋን: “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ዜጸናንዕ ሓሳባት ከካፍለካ ምፈተኹ” ኽንብሎ ንኽእል ኢና። ንነፍሲ ወከፍ እቲ ሰብ ዘለዎ ግጉይ ኣረኣእያ ኸነወግድ ምእንቲ ኸይንጽዕር ከነስተውዕል ኣሎና። ኣብ ክንዳኡስ: ልቡ ንምህዳእ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒምና ኣብ ምትብባዑን ምጽንናዑን ከነተኵር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ: ነታ ሪዝኒን ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 117-121 ኣብ ትሕቲ “ኢንካረጅመንት” (ምትብባዕ) እትብል ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ወይ ነቲ በዓል ቤት እታ ናይ መንፈስ ጭንቀት ንዘለዎም ዚኸውን መጸናንዒ ዘርእስታ ትራክት ክትህቦን ምስኡ ዄንካ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዜተባብዕ ሓሳባት ክትመያየጠሉን ትኽእል ኢኻ።
5 ንኻልኦት ከተጸናንዓሉ እትኽእል ኣጋጣሚታት ኣናዲ:- ምጽንናዕ ዜድልዮ ጐረቤት: መሳርሕቲ: መማህርቲ: ወይ ኣባል ስድራቤት ትፈልጥዶ፧ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ገዛኦም ኬድካ ብቕዱሳት ጽሑፋት ከተጸናንዖም ንምንታይ ዘይትምድብ፧ ስለምንታይ ምጽንናዕ ከም ዜድልዮም እንተ ፈሊጥካ: ነቲ ዅነታቶም ዚሰማማዕ ምድላዋት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ደብዳበታት ብምጽሓፍ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ኣጸናኒዖም እዮም። ንብጻይና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምስ ዚህልወና: ክንድንግጽን ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርና ዜድሊ ምጽንናዕ ክንህብን ክንለዓዓል ኢና።—ሉቃ. 10:25-37
6 እወ: ዕዮና ንዝሓዘኑ ኸነጸናንዕ: ንዝጐሃዩ ኸነተባብዕ: ከምኡውን ንመጻኢ ብሩህ ተስፋ ኸም ዚህልዎም ክንገብር እዩ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዚደልይዎ ምጽንናዕ እዚ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ተመባጺዕዎ ዘሎ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ብሓጐስ ምዝራብ: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምጽንናዕን ተስፋን እዩ ዚዀኖም። ስለዚ እምበኣር: ወትሩ ንስቡራት ልቢ ምዝናን ኣይንረስዕ።