ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/08 ገጽ 1
  • ንየሆዋ ኽንህቦ ንኽእል ኢና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ኽንህቦ ንኽእል ኢና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ ዕቃበ ጸዓት ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት
    ንቕሑ!—2017
  • ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ መስዋእትታት ክትከፍል ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ነቲ ዅሉ ዘለዎ ኣምላኽ ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 3/08 ገጽ 1

ንየሆዋ ኽንህቦ ንኽእል ኢና

1 ሰባት ንኣምላኽ ኪህብዎ ኸም ዚኽእሉስ ትፈልጥዶ፧ ኣቤል ካብተን ክቡራት ጥሪቱ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕረበሉ፣ ኖህን እዮብን እውን ተመሳሳሊ መስዋእቲ ገይሮም እዮም። (ዘፍ. 4:4፣ 8:20፣ እዮ. 1:5) ልክዕ እዩ: የሆዋ ዅሉ ነገር ዚውንን ስለ ዝዀነ: ከምዚ ዝኣመሰለ ወፈያታት ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይውስኸሉ ፍሉጥ እዩ። እንተዀነ ግን: እዞም እሙናት ሰብኡት እዚኣቶም በዚ መስዋእትታት እዚ ኣቢሎም እታ ንኣምላኽ ዝነበረቶም ዓማቝ ፍቕሪ እዮም ኣርእዮም። ሎሚ እውን: ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ንየሆዋ “መስዋእቲ ምስጋና” ንምቕራብ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።—እብ. 13:15

2 ግዜ:- ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ካብቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ንጥፈታት ግዜ ‘ኽንዕድግሲ’ ኽሳዕ ክንደይ ዚነኣድ ኰን እዩ! (ኤፌ. 5:15, 16) ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ንምዃን መደባትና ኸነተዓራሪ ንኽእል ንኸውን። ንውሓት እቲ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ሰዓታት እውን ክንውስኸሉ ንኽእል ንኸውን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ተወሳኺ 30 ደቒቕ ምግልጋል: ኣብ ወርሒ ኣገልግሎትና ብኽልተ ሰዓት ንኸነዛይድ ይሕግዘና።

3 ጕልበት:- ጕልበትና ኣብ ኣገልግሎት ክንጥቀመሉ እንተ ደኣ ደሊና: ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ኸም ዘይንህቦ ኺገብረና ዚኽእል ኣድካሚ ዝዀነ መዘናግዕን ስራሕን ከነወግድ የድልየና። ንልብና ‘ኺጸቅጥ’ ዚኽእል ጓሂ እውን ከነርሕቕ የድልየና፣ ከመይሲ: ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ክንጥቀመሉ እንኽእል ሓይልና ኺጽንቅቖ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 12:25) ናይ ሓቂ ዜሻቕል ነገር ምስ ዚህልወና እውን ከይተረፈ: ‘ጾርና ናብ የሆዋ ኽንድርብዮ’ ኽሳዕ ክንደይ ዝበለጸ ዀን እዩ!—መዝ. 55:22፣ ፊል. 4:6, 7

4 ጥሪት:- ነቲ ዕዮ ስብከት ንምድጋፍ ስጋዊ ጥሪትና እውን ክንህብ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት: ነቶም ሽጉራት ዚህብዎም ምእንቲ ኺህልዎም በብግዜኡ ‘ኼዋህልሉ’ ኣተባብዖም። (1 ቈረ. 16:1, 2) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ መገዲ: ንጉባኤና ዜድሊ ነገራትን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮን ዚኸውን ገንዘብ ከነዋህልል ንኽእል ኢና። ሒደት እውን ይኹን ብዘየገድስ: የሆዋ ነቲ ኻብ ልቢ እንገብሮ ወፈያ የማስወሉ እዩ።—ሉቃ. 21:1-4

5 የሆዋ ብዙሕ ውህበታት እዩ ሂቡና። (ያእ. 1:17) ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ንዕኡ ንምግልጋል ብልግሲ ብምሃብ ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ከምዚ ምግባርና ንየሆዋ የሓጕሶ እዩ፣ ከመይሲ: “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።”—2 ቈረ. 9:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ