መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓ.
“ንዅላትና ብዛዕባ ዜጋጥመና ጕዳይ ምስ ጐረባብትና ንዘራረብ ኣለና። ሓደገኛ ኣከባብያዊ ዅነታት፡ ብዙሓት ብዛዕባ መጻኢ ምድሪ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዚህልዎም ይገብር ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኸመይ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ መዝሙር 37:11 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብሩህ ተስፋ ዚህብ ምኽንያታት ትገልጽ።”
Awake! Aug.
“ምስ ኵነታት ኣየር ብዛዕባ ዚተሓሓዝ ኣገዳሲ ጕዳይ ምስ ጐረባብትና ንዘራረብ ኣለና። ብዙሓት፡ ዓለምለኻዊ ዋዒ ኣብዛ ፕላነትና ንዚርከብ ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ኸም ዘሎ ይኣምኑ። እዚ ጸገም እዚ ብኸመይ ዚፍታሕ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ኢሳይያስ 11:9 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ምድሪ ንሓዋሩ መንበሪ ሰባት ኰይና ኸም እትቕጽል ንኽንኣምን ዚድርኸና ምኽንያታት ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓ.
“ሓንቲ ሕቶ ኽሓተካ ምደለኹ። ነዚ ትእዛዝ የሱስ እዚ ምሕላው ኣብ ስድራ ቤት ንዘሎ ሓጐስ ከም ዚውስኸሉ ትሰማምዓሉዶ፧ [ዮሃንስ 13:34 ኣንብብ። መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ትምህርትታትን ኣብነትን የሱስ ብኸመይ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ከም ዚምልከት ተርኢ።” ነታ ኣብ ገጽ 16ን 17ን ዘላ ዓንቀጽ ኣርእዮ።
Awake! Aug.
“ብዛዕባ መጻኢ ምድርና ምስ ዜተሓሳስቦም ሰባት ንዘራረብ ኣለና። ሰብኣውያን መንግስትታት ንምውሳኽ ሙቐት ዓለም ዚፈትሕዎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ኤርምያስ 10:23 ኣንብብ።] ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትፈትዋ ኢኻ። ኣምላኽ ነዚ ንፕላነትና ኣንጸላሊዋ ዘሎ ጸገማት ብኸመይ ከም ዚፈትሖ ተጕልሕ።”