ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp20 ቍ. 2 ገጽ 4-5
  • መንግስቲ ኣምላኽ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ግዝኣት ደቂ ሰብ ተቐልቀለ
  • ግዜ ስጕምቲ!
  • መንግስቲ ኣምላኽ —ናይ ምድሪ ሓዳስ ምምሕዳር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣምላኽ ስቓይ ክህሉ ዘፍቀደሉ እዋን ክውዳእ ቀሪቡ ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣገዛዝኣ የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ተረጋጊጹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • እከይን መከራን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
wp20 ቍ. 2 ገጽ 4-5
ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን መንጫዕጫዕታ ማይ ይርእዩ።

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣምላኽ፡ ኵሉ ፍጥረት ሓድነትን ሰላምን ነይርዎ

መንግስቲ ኣምላኽ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ እቲ የሆዋ ዝስሙ ፈጣሪና ጥራይ እዩ ገዛኢ ዝነበረ። ብፍቕሪ ድማ ይገዝእ ነበረ። ንደቂ ሰብ ከኣ ገነት ኤደን እትብሃል ጽብቕቲ መንበሪት ገበረሎም። ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ እውን ሃቦም። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ትርጉም ዘለዎ ዕዮ ሃቦም። (ዘፍጥረት 1:28, 29፣ 2:8, 15) ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ግዝኣት ኣምላኽ እንተ ዚቕጽሉ ነይሮም፡ ሰላም ምረኸቡ።

ኣዳም ነታ ሄዋን ዝሃበቶ እተኸልከለት ፍረ ሒዙ ይርእያ።

እቶም ቀዳሞት ሰባት ንኣምላኽ ከም ገዛኢኦም ኣይተቐበልዎን

ደሓር ሰይጣን ድያብሎስ እተባህለ ዓለወኛ መልኣኽ ነቲ ኣምላኽ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል፡ ብድሆ ኸም ዘቕረበሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። ንሱ ድማ፡ ደቂ ሰብ ብዘይ መምርሕን ግዝኣትን ኣምላኽ እንተ ተመላለሱ ኸም ዚሓይሽ ኣሚቱ እዩ። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ እቶም ኣዳምን ሄዋንን ዚብሃሉ ቐዳሞት ወለድና ንመገዲ ሰይጣን ስዒቦም ካብ ኣምላኽ ዓለዉ።—ዘፍጥረት 3:1-6፣ ራእይ 12:9።

ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ከም ገዛኢኦም ብዘይምቕባሎም፡ ነታ ገነት ዝዀነት መንበሪቶም ስኢኖም፡ ንዘለኣለም ብፍጹም ጥዕና ናይ ምንባር ተስፋ እውን ኣጥፊኦም እዮም። (ዘፍጥረት 3:17-19) እዚ ውሳነኦም ከኣ ነቶም ጸኒሖም ዝወለድዎም ውሉዳቶም ጸልይዎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሰንኪ ኣዳም “ሓጢኣት ናብ ዓለም [ከም] ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት” ከም ዝኣተወ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 5:12) ሓጢኣት ድማ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ኣስዒቡ፣ እወ፡ “ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ” ዅነታት እዩ ኣስዒቡ። (መክብብ 8:9) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ደቂ ሰብ ገዛእ ርእሶም ኼመሓድሩ ኸለዉ፡ ጸገማት ናይ ግድን የጋጥም እዩ።

ግዝኣት ደቂ ሰብ ተቐልቀለ

ኒምሮድ ብትዕቢት ተነፊሑ። ኣብ ድሕሪኡ፡ ሰባት ህንጻ ይሃንጹ።

ኒምሮድ ካብ የሆዋ ዓለወ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ቀዳማይ ሰብኣዊ ገዛኢ፡ ኒምሮድ ይብሃል። ንሱ ድማ ካብ ግዝኣት የሆዋ ዓለወ። ካብ ግዜ ኒምሮድ ኣትሒዙ፡ ሓያላት ሰባት ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ተጠቒሞምሉ እዮም። ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር፡ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ንብዓት እቶም ጭቁናት ድማ ረኣኹ፣ ዜጸናንዖም እውን ሓደ እኳ ኣይነበረን። እቶም ጨቈንቶም ከኣ ሓይሊ ነበሮም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—መክብብ 4:1።

ሎሚ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ብ2009፡ ሓደ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘሕተሞ ጽሑፍ፡ ሕማቕ ኣገዛዝኣ “ኣብ ሕብረተ ሰብና ሓደ ኻብ ቀንዲ ሱር እከይ” ጌርካ ይርአ ኸም ዘሎ ገሊጹ እዩ።

ግዜ ስጕምቲ!

ዓለምና ዝሓሹ ገዛእትን ዝሓሸ መንግስትን የድልያ ኣሎ። ፈጣሪና እውን ከምኡ እዩ ኣተስፍዩና ዘሎ!

ስእልታት፦ ሳዕቤናት ሰብኣዊ መንግስቲ። 1. ሓንቲ እስያዊት ሰበይቲ ዚበኪ ቘልዓ ሓቚፋ ኣብ ረሳሕ ጐደና ኾፍ ትብል። 2. ሓደ ዝሓመመ ኣረጊት ሰብኣይ ኣብ ናይ ሆስፒታል ዓራት። 3. ወተሃደራት ኣብ ዓውደ ዂናት ይትኵሱ። 4. ቍጡዓት ተቓወምቲ ፖስተራት ሒዞም ይጭድሩ። 5. ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ጓል ናብ ገዛእን ምስ መጻ ነቲ ተሰቢሩ ዝጸንሐ ማዕጾአን ይርእያኦ። 6. መውጽኢ ትክን መስመራት ኤለክትሪክን ዝመልኣ ብትኪ እተዓፈነት ከተማ።

ብሉጻት ሰብኣውያን መንግስትታት እኳ ነቲ ኸቢድ ጸገማት ደቂ ሰብ ኪፈትሓኦ ኣይከኣላን

ኣምላኽ ንዅሉ ሰብኣዊ ግዝኣት እትትክእ መንግስቲ ኣቚሙ ኣሎ፣ “ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:44) ሚልዮናት ሰባት ብዛዕባ እዚኣ መንግስቲ እዚኣ እዮም ዚጽልዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ኣምላኽ ባዕሉ ግና ኣይኰነን ገዛኢ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዚኸውን። የግዳስ፡ ንሓደ ሰብ ኰይኑ ዚነብር ዝነበረ፡ ገዛኢ ገይሩ ሸይሙልና ኣሎ። እሞ ደኣ ንመን እዩ ገዛኢ ኪኸውን ሓርይዎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ