ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/09 ገጽ 2
  • ነቶም ንባብ ዜሸግሮም ምሃሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም ንባብ ዜሸግሮም ምሃሮም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ምንባብ ኣቕልብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ምንባብ ንዜጸግሞም ሰባት ብኸመይ ከም እትሕግዞም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ንባብ ንቘልዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—1 ክፋል፦ ምንባብዶ ወይስ ምርኣይ፧
    ንስድራ ቤት
  • ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 4/09 ገጽ 2

ነቶም ንባብ ዜሸግሮም ምሃሮም

1. ኣብ ኣገልግሎት እንታይ ጸገም ኬጋጥመና ይኽእል፧

1 ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከለና፡ ሓድሓደ ግዜ ነቶም ንባብ ዜሸግሮም ሰባት ሓቂ ምምሃር የጸግመና እዩ። እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

2. ነቶም ንባብ ዜሸግሮም ሰባት ክብረቶም ክንሕልወሎም እንኽእል ብኸመይን ስለምንታይን ኢና፧

2 ክብረቶም ሓልወሎም፦ ንየሆዋ ዜገድሶ፡ ሓደ ሰብ ዘለዎ ዓለማዊ ትምህርቲ ዘይኰነስ፡ ልቡ እዩ። (1 ሳሙ. 16:7፣ ምሳ. 21:2) ስለዚ፡ ነቶም ንባብ ዜሸግሮም ሰባት ኣትሒትና ኣይንርእዮምን ኢና። ኣኽብሮትን ዓቕልን ምስ እነርእዮም፡ ሓገዝና ንኪቕበሉ ዝሰፍሐ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም። (1 ጴጥ. 3:15 ትርጕም 1990) ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ሓንቲ ጥቕሲ ወይ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ንኼንብብ ጸቕጢ ኽንገብረሉ የብልናን ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ክቡር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እናተማህረ ምስ ከደ፡ ቃል ኣምላኽ ‘ለይትን መዓልትን ብምምርማር’ ዚርከብ ሓጐስ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ፡ ናይ ምንባብ ክእለቱ ኼመሓይሽ ይደሊ ይኸውን።—መዝ. 1:2, 3።

3. ነቶም ንባብ ዜሸግሮም ሰባት ንምሕጋዝ፡ እንታይ ሜላታት ኣመሃህራ ኽትጥቀም ትኽእል፧

3 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ዜኽእለና ሜላታት ኣመሃህራ፦ ስእልታት ንሰባት ንምምሃርን እተማህርዎ ንኺዝክርዎ ዚሕግዝን ብሉጽ መሰናድዎ እዩ። ነቲ ተመሃራይ፡ ካብታ ኣብቲ እትጥቀሙሉ ጽሑፍ ዘሎ ስእሊ እንታይ ከም እተዓዘበ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ እታ ስእሊ እንታይ ከም እትምህር ምእንቲ ኺርድኦ፡ ዝርዝር ሕቶታት ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ንገሊኡ ኣብታ ስእሊ ዘሎ መዳያት ዚድግፍ ጥቕስታት ተጠቐም። ንስእልታት ከም ድግማ ጌርካ እውን ክትጥቀምሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ትምህርቲ ኣይትሸፍን። ነቲ ፍረ ነገርን ቀንዲ ነጥብታትን ኣጕልሕ፣ ካብ ካልእ ጽሑፋት ድማ ተወሳኺ ትምህርቲ ኣይትወስኽ። ጥቕስታት ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፣ እቲ ተመሃራይ ነቲ እተነብበ ኸም እተረድኦ ንምርግጋጽ እውን ሕቶታት ተጠቐም። እዚ ኸኣ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ምእንቲ ኼናዲ ኢሉ፡ ናይ ምንባብ ክእለቱ ንኼመሓይሽ ባህጊ ኼሕድረሉ ይኽእል እዩ።

4. ንተመሃራይና ንባብ ንኼመሓይሽ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧

4 ንባብ ንምምሕያሽ ዚኸውን ሓገዝ፦ ንባብ ዜሸግሮም ወይ ጽቡቕ ገይሮም ንኼንብቡ ኺመሃሩ ኣጋጣሚ ዘይብሎም ሰባት፡ ዚወሃቦም ሓበሬታ ኺርድኡን ኣብ ልቦም ኪሕዝዎን ይኽእሉ እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ጽቡቕ ንባብ ኪሰምዑ ኸተተባብዖም ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሰብ ንባብ እናሰምዐ ኣብ ጽሑፍ እንተ ተኸታቲሉ፡ ከምኡውን ነቲ ቓላት ብትሑት ድምጺ እንተ ደጊምዎ፡ ናይ ምንባብ ክእለቱ ኺመሓየሽ ይኽእል እዩ። እታ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ! ዘርእስታ ብሮሹር እውን ክትሕግዞ ትኽእል እያ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ሽማግለታት፡ ኣብታ ጉባኤ ኽፍልታት ንባብ ኬዳልዉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ግብራዊ ሓሳባት እዚ፡ ነቶም ንባብ ዜሸግሮም ሰባት፡ ነቲ ንምድሓን ኬለብሞም ዚኽእል “ቅዱሳት ጽሑፋት” ንኺርድእዎ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።—2 ጢሞ. 3:15።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ