ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/09 ገጽ 3
  • ንየሆዋ መዓልታዊ ወድሶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ መዓልታዊ ወድሶ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣውራጃዊ ዓቢ ኣኼባ ዘለዓዕል ዕድመ የቃልሕ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ኣመስግንዎ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 7/09 ገጽ 3

ንየሆዋ መዓልታዊ ወድሶ

1. ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚድረኹ፧ ስለምንታይከ፧

1 ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ “ኵሉ መዓልቲ” ኺባርኾ፡ ንዘለኣለም ኣለም እውን ኪውድሶ ዝገበሮ ውሳነ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 145:2, 7, 21) ንሕና እውን ንየሆዋ መዓልታዊ ንኽንውድሶ እኹል ምኽንያት ኣሎና።—መዝ. 37:10፣ 145:14, 18፣ 2 ጴጥ. 3:13።

2. ስድራ ቤታት ንየሆዋ መዓልታዊ ኺውድሳኦ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

2 ኣብ ቤትና፦ ዕለታዊ ጥቕሲ ኽንምርምርን ኣምልኾ ስድራ ቤት ክንገብርን ንኣኼባታት ጉባኤ ኽንዳሎን ከለና፡ ትርጕም ዘለዎ መንፈሳዊ ምይይጥ ንኽንገብር ዜኽእለና ሃናጺ ጽሑፋት ኣሎና። ሓያሎ ስድራ ቤታት እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ብሓባር ናይ ምምጋብ ልማድ ኣለወን። እዚ ልማድ እዚ ኸኣ ንኣባላተን ከይተሃወኹ ህድእ ኢሎም ንኼዕልሉን ንየሆዋ ዚውድሱሉ ኣጋጣሚ ንኺረኽቡን የኽእሎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ወለዲ ዜበግስዎ ዕላል፡ ንውሉዳቶም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ንኼዕብይዎም ዚሕግዝ ኣገዳሲ ነገር እዩ።—ኤፌ. 6:4፣ ዘዳ. 6:5-7።

3. ምስ ኣሕዋትና ኽንከውን ከለና፡ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎና፧

3 ምስ ኣሕዋትና፦ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ወይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ንየሆዋ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብሓባር ኴንና ንኽንውድሶ ዜኽእለና ብሉጽ ኣጋጣሚታት ንረክብ ኢና። (ምሳ. 15:30፣ ፊል. 4:8፣ እብ. 13:15) ኵላትና ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ከነዕልል ከለና፡ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ሰናይ ነገር ብቐሊሉ ኽንገልጾ ኽንክእል ኣሎና።—መዝ. 106:1።

4. ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢኻ ንየሆዋ ኽትውድሶ እትኽእል፧

4 ምስ ዘይኣመንቲ ኽንዘራረብ ከለና፦ መዓልታዊ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንኽንካፈል ኵነታትና ዘይፈቕደልና እኳ እንተ ዀነ፡ ንመሳርሕትናን ንመማህርትናን ንኻልኦት ሰባትን ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ኣሕጽር ኣቢልና ምዝራብና፡ ኣብቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ተስፋ ኼስርጽ ይኽእል እዩ። (መዝ. 27:14፣ 1 ጴጥ. 3:15) ሓንቲ ሓብቲ ብነፋሪት ክትጐዓዝ ከላ፡ ንሓንቲ ምስኣ ሓቢራ እትገይሽ ዝነበረት ሰበይቲ መስከረትላ። እታ ሰበይቲ በቲ ዝሰምዓቶ ኣዝያ ስለ እተጸናንዐትን እተተባብዐትን፡ ኣብ ካልእ ግዜ ምእንቲ ኺራኸባ ኢላ፡ ነታ ሓብቲ ኣድራሻኣን ቍጽሪ ተሌፎናን ሃበታ። ኣብዛ ዓለም ዘሎ ጸገማት እናወሰኸን እናገደደን ኪኸይድ ከሎ፡ ህዝቢ የሆዋ ነቶም ሰማዒት እዝኒ ዘላቶም ‘ሰናይ የበስርዎም’ እዮም። እዚ ኸኣ ንኻልኦት ተስፋ ይህቦም፡ ንየሆዋ ንኺውድሱ ድማ ይድርኾም።—ኢሳ. 52:7፣ ሮሜ 15:11።

5. ንየሆዋ ኽንውድሶ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ ከምኡ ምግባርናኸ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል፧

5 የሆዋ ኻብ ኣገልገልቱ መዓልታዊ ውዳሰ ኺሰምዕ ከሎ፡ ብዙሕ ይሕጐስ ኪኸውን ኣለዎ! ከምቲ ኣብ ዙርያና ዘሎ ኺርአ ዚከኣል ፍጥረት የሆዋ ዚገብሮ፡ ንሕና እውን ኣብ ቤትና፡ ኣብ ጉባኤ፡ ከምኡውን ከማና ወደስቲ የሆዋ ምስ ዘይኰኑ ኻልኦት ሰባት ክንዘራረብ ከለና፡ ንየሆዋ መዓልታዊ ኽንውድሶ ንኽእል ኢና።—መዝ. 19:1-4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ