ንተመሃሮኻ ‘ገዛእ ነፍስኻ ኣካፍል’
1. ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
1 ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ርእሱ ኺውፊ ንምሕጋዝ፡ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ክትገብር ኣሎካ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ምስቶም ዝመሃሮም ሰባት ዝነበሮ ርክብ፡ ሓንቲ እተጥቡ ኣደ ንውሉዳ ምስ እትከናኸነሉ መገዲ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ንሕና እውን ተመሃራይና ብመንፈሳዊ ምእንቲ ኺዓቢ፡ ተሓጒስና ‘ገዛእ ነፍስና ነካፍሎ’ ኢና።—1 ተሰ. 2:7-9።
2. ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧
2 ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ፦ ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ምስ ጀመረ፡ ምስቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይስዕቡ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ኬቋርጾ ሕልናኡ ይድርኾ እዩ። (1 ጴጥ. 4:4) ቤተሰቡ ድማ ይርሕቅዎ ይዀኑ። (ማቴ. 10:34-36) ኰይኑ ግን፡ ምዉቕ ብሕታዊ ተገዳስነት ብምርኣይ ባዶነት ከም ዘይስምዖ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ሚስዮናዊ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ወዳእካ፡ ቀልጢፍካ ኣይትኺድ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኣዕልል” በለ። ንተመሃራይካ ግብራዊ ሓገዝ ክትህቦ እትኽእለሉ መገድታት ኣናዲ። ንኣብነት፡ ኪሓምም ከሎ፡ ክትበጽሖ ወይ ከኣ ተሌፎን ክትድውለሉ ትኽእልዶ፧ ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ኣብ ኣኼባታት ምስኡ ኾፍ ኢልካ ንደቁ ኽትሕዘሉ ትኽእልዶ፧
3. ተመሃራይና ኻብታ ጉባኤ ምትብባዕ ኪረክብ ክንሕግዞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 እታ ጉባኤ እትህቦ ሓገዝ፦ ተመሃራይካ ኣብ ዚነብረሉ ኸባቢ ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ ንምንታይ ናብኡ ኼድካ ምስቲ መገላግልትኻ ዘይተፋልጦ፧ ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ በብግዜኡ ሽማግለታትን እተፈላለዩ ኣስፋሕትን ኣብቲ መጽናዕቲ ኺካፈሉ ዓድም። ምስቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ድሕሪ ምጅማርካ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ኪካፈል ኣተባብዓዮ። ከምኡ ምግባርካ፡ ምስቶም መንፈሳውያን ስድራ ቤት ኪዀንዎ ዚኽእሉ ኣባላት ጉባኤ ሃናጺ ዕርክነት ንኺፈጥር ይሕግዞ እዩ።—ማር. 10:29, 30፣ እብ. 10:24, 25።
4. ዓስቢ ትግሃትና እንረክብ ብኸመይ ኢና፧
4 ሓደ ደኺመ ኸይበለ ንውሉዳቱ ብመንፈሳዊ ዚሕግዝ ወላዲ፡ እቶም ደቁ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ኪብሉን ብሓቂ ኺመላለሱን ኸለዉ ምስ ዚርኢ ብሓቂ ይሕጐስ እዩ። (3 ዮሃ. 4) ንሕና እውን ገዛእ ነፍስና ንተመሃሮና ምስ እነካፍል፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።